ድለ

ዓብደልሳላም፥ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ምግታእ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዓቢ ተራ ኣለዎም ዓብደልሳላም፥ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ምግታእ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዓቢ ተራ ኣለዎም 

ዓብደልሳላም፥ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ምግታእ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዓቢ ተራ ኣለዎም

ላዕለዋይ ወኪል ንናይ ኣል-ኣዝሓር መንበረ ጥበብ ዓቢይ መምህር ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ሽማግለታት እስላምን ሓባራዊ ኣቦ መንበር ሽማግለ ሃይማኖታት ንሰላም ዳይና መሓመድ ዓብደልሳላም እቲ ኣብ ኣቡ ዳቢ ዝካየድ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ለውጢ ከባቢ ኣየር፥ “መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብ መላእ ዓለም ንስጉምቲ ምግታእ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዓቢይ ጽልዋ” ከም ዘለዎም ብኣጽንዖት የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ኣቡዳቢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ነቲ “ለውጢ ከባቢ ኣየር ማሕታ” ኩለን ሃይማኖታት ማሕበረሰባቶም ኣብ ምውዳብ ክጻወትዎ ዝኽሉ ወሳኒ ተራ ዝብል ዕላማ ንምስጓም “ሃሳዪ ጽልዋ ለውጢ ከባቢ ኣየር ኣብ ምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ልዕሊ ሓላፍነት ኣለዎም ከም ዝበሉን፡

ኣበርክቶ ሃይማኖታት ኣብ ስጉምቲ ለውጢ ከባቢ ኣየር

እቲ ብዛዕባ ስጉምቲ ከባቢ ኣየር ዝምልከት ንኽካየድ ዝተጸወዐ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ሱታፌ መራሕቲ ሃይማኖታት ኣብ ምፍታሕ ለውጢ ከባቢ ኣየር ሃይማኖታት ዘለወን ግደ ንምርኣይን ንምምስካርን እዩ” ቢሎም፥ ቅልውላው ለውጢ ከባኢ ኣየር፥ “ኣብ እዋናዊ ግዜ ሓደ ካብቶም ኣዚዮም ሓደገይናታት ቅልውላው” ምዃኑ ምፍላጥ ነቲ መራሕቲ ሃይማኖታት ምስ ወከልቲ ብለውጢ ከባቢ ኣየር ዝተጸልዉ ማሕበረሰባትን ዋላ እውን ዘይኣመንቲ” ተበግሶታቶም ናብ ሓደ ንምምጻእ ዝድርኽ እውን ምዃኑን ሓቢሮም . . . ኣንጻር ቅልውላው ለውጢ ኣየር ስሙር ድምጺ ከምስዑን ነዚ ዓለም ሓቆፍ ስግኣት ኣብ ምፍታሕ ደቂ ሰባት ኣበርክቶ ኪገብሩ” ዘተባብዕ ምዃኑ ይገልጹ።

ተራ መራሕቲ ሃይማኖት

ዳይና ኣብደልሳላም፥ “ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ መራሕቲ እምነትን መራሕቲ ሃይማኖትን ጽልዋ ኣለዎም። ኣብ መላእ ዓለም ድማ ስጉምቲ ከባቢ ኣየር ኣብ ምምራሕ ኣዚዩ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም፡ ልክዕ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዓለም ሓቆፍ ሓደጋ ስለ ዝኾነ ሓባራዊ ስጉምትን ውሁድ መርገጽን ከምኡ’ውን ኣብ መንጎ ኩሎም ማሕበረሰባት ብፍላይ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሃይማኖት ምትሕግጋዝ የድሊ። እወታዊ ስጉምቲ ንምድንፋዕ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ናይ እምነት ማሕበረሰባት ንቕሓት ንምዕባይን ኣብ ሰብኣውነት ኣተኲይሮም ንሰብኣውነት ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ዝክረ ነገር ክብ ክብል” ኣብ ምምራሕ ክእለት ከም ዘለዎም ገሊጾም፥ “ምኽንያቱ ነዚ ረብሓ እዚ ቀዳምነት ኣብ ምሃብ ቅልውላው ለውጢ ከብቢ ኣየር ኣብ ምፍታሕ ዝሓሸ መገዲ ክሰዓብን ዝተነብሩ ሸቶታት ንምዕዋት ዘኽእል ዝለ ዝኾነ” ምስ በሉ ኣስዒቦ . . . ኩለን ሃይማኖታት ንምድርን ከባቢን ሓልዮት ጻውዒት ኣቕሪበን እየን፡ እዚ እውን ናይ ሓበር ገዛናን መጋቢትናን ሓልዮት ምርኣይ ዝብል ኣምር ስለ ዝካፈላ . . . ነቶም ማሕበረሰባት ምምራሕን ተበግሶ ወሲዶም ኣንጻር እዚ ዓለማዊ ስግኣት ናይ ምውህሃድ ኣብነት ምርኣይን ከምኡ እውን ንመጻኢ ወለዶታት ተግባራዊ ዝኾነ ውርሻ ምሕዳግን ዝብል ስነ ምግባራዊውን ሃይማኖታውን ሓላፍነትን ግዴታን ኣለዎም” ኢሎም።

ር.ሊ.ጳጳሳትን ናይ ኣል-ኣዝሓር ዓቢይ መምህርን

“ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት ኣብ እምነቶም ዝጸንዐ ሓቀይና ሽርክነት ክሃንጹ፡ ከምኡ እውን ንኻልኦት መራሕትን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሃይማኖታውያን ሰባትን ነዚ ምሕዝነት ክጽንበርዎ ነቲ ዘጋጥም ብድሆታት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ክሓብሩ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኣል ኣዝሓር ዓቢይ መምህር ኣሕመድ ኣል ጣይብ ዘነቓቕሑ ምዃኖም ኣዘኻኺሮም፡ ሰብኣዊ ሕውነት ክረጋገጽ ዘነቓቕሕዎ ተበግሶታት ስዒቡ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ለውጢ ከባቢ ኣየር ብሓበር ዘካይድዎ ጻዕሪ ውጽኢት ናይቲ ሓባራዊ ስጉምትታቶም እዩ።”

እዚ ተበግሶ እዚ ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ መራሕቲ እምነትን ትውፊትን ኣብ ሓደ ኣኪቡ ብሓባር ክሓስቡ ከስተንትኑ ራእዮም ከካፍሉ ኣብ ዝእከቡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ዓለም መልእኽቲ መራሕቲ ሃይማኖት ንምቕራብ ዝሕግዝ ኣህጉራዊ መድረኽ ክኸውን ደጊፎምዎ እዮም . . . እቲ ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ዓቢ መምህር ኣል ጣይብን ዝተገብረ ናይ ሓባር ጉዕዞ ብደረጃ ዓለም ሓቀይና ኣብነት ዘርኣየ ኮይኑ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ሓባር ጉዕዞ ብካልእ ደረጃ ኣብ ዓለም ኣይተንጸባረቐን . . . ድላይ ናታቶም ንኹሉ ምድሓን ዝብል ስለ ዝኾነ” ኢሎም።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ለውጢ ከባቢ ኣየር

ኣብ መወዳእታ ዳይና ዓብደልሳላም ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ኣብቲ ዋዕላ ሱታፌ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሓቂ መዘንና ዘይብሉን ተራእዩ ዘይፈልጥ ይኸውን እንክብሉ ገሊጾም፡ እዚ እውን ናይቲ ቅዱስነቶም ኣብ ምቅላስ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝጀመርዎ ጉዕዞ ክብ ዘብል እዩ” ቢሎም . . . ንኹሉ ዘበራትዕ እቲ ዋዕላ ውጽኢታዊ ክኽውን ዝድርኽ ካብቲ ቀደም ዝተኻየዱ ዋዕላታት ዝተፈልየ ክኸውን ዘተባብዕ እዩ . . . ለውጢ ከባቢ ኣየር ቀዳምነት ክወሃቦ ዝድርኽ” ኢሎም።

06 November 2023, 15:08