ድለ

ዓለምለኻውያን መራሕቲ እምነታት ኣብ ለውጢ ዅነታት ኣየር ህጹጽ ስጕምቲ ክውሰድ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ወከልቲ ዓለምለኻዊ ሃይማኖታት ፖለቲካውያን መራሕቲ ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ዚግበር ብዛዕባ ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ዝመክር መበል 28 ዓለም ለኸ ዓውደ ጉባኤ አመልኪቶም፣ ምዝባዕ ከባቢያዊ ዅነታት ኣየር ንዜምጽኦ ቕልውላው ህጹጽን ትርጉም ዘለዎን ምላሽ ንምሃብ ስጕምቲ ኺወስዱ ጻውዒት ዘቕርምብ መልእኽቲ ከቲሞም ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ተወካሊ ዓብዪ ኢምዓም ኣል-ኣዛርን ፕሮፌሰር መሓመድ ኣል-ዱዊኒን ንቅዱስነቶም ብምውካል ከአ ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊን ምስ ኣስታት 30 ዝኾኑ ተወከልቲ መራሕቲ እምነታት ኮይኖም  ብዛዕባ ለውጢ ኩነታ ኣየር ንምቅላስ ንተወከልቲ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ወሳኒ ስጕምቲ ንኽወስዱ ጻውዒት ኣቕሪቦም ።

መራሕቲ ሃይማኖታት ኣይሁድ ቡርሃውያን ሃይምኖት ሲክ ከምኡውን ናይ ሂንዱ ሃይምኖት መራሕቲ ምስ ተወከልቲ ኻልኦት ዓበይቲ ሃይማኖታት ሓቢሮም ኣብቲ ዝቐረበ ጻውዒት ከም እተሳተፉ ተፈሊጡ ። እቲ ዝቐረበ ጻውዒት ከአ ንጹሕ ምስግጋር ጸዓት ንምቅልጣፍ፡ ምዕቃብ ጸጋታት ምድሪ፡ ምስ ተፈጥሮ ተሰማሚዕካ ናይ ምንባር ዓዋዲ ቅድታት ምምዕባል፤፡ ልምድታት ንጡፍ ኣጠቓቕማ ጽሩይ ጸዓት ምምዕባል ዘጠቓልል ኢዩ።

አብቲ መጸዋዕታ ነቲ ኣብ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ከባቢያዊ ኩነታት አየር ዝግበር ዘሎ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ከም ምዃኑ 'ናይ እምነታት ጉባኤ' ንምድጋፍን ኣብ መጻኢ ኣብ ዝግበር ዓበይቲ ጉኤታ ውን ከይተረፈ ንምስታፍ  እተገብረ ቘራጽነት እውን ዘጠቓልል ኢዩ።

እቲ ናይ ምኽታም ሥነ-ስርዓት ኣብ ኣቡ ዳቢ ኣብቲ መደምደምታ ጉባኤ ናይ ዓለምለኻዊ ጉባኤ መራሕቲ ሃይማኖታት ብዛዕባ ለውጢ ኩነታት ኣየር እተገብረ አብ ፈለማ መዓልቲ ኢዩ ተኻይዱ ። ነፍሲ ወከፎም ከአ ነቲ ሰነድ ቅድሚ ምፍራሞም ነታ ቅናት ምድሪ እትውክል መገዲ ድሕሪ ምዕዋዶም አብቲ ናይ ምትካል አግራብ ሥነ-ስርዓት ብምስታፍ ነታ ሃገራዊት ኦም ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝኾነት ተኺሎም ።

ንጽኑዕ መርገጺ

ኣብ መደምደምታ እቲ ሥነ-ስርዓት ነቲ ናይ መጸዋዕታ መልእኽቲ ናብ ኣቦ መንበር መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ኩነታት አየር ዝዀነ ዶክተር ሱልጣን ኣል ጃብር ተላኢኹ ።

ዶ / ር ሱልጣን ኣል ጃብር ነቲ ካብ ኣቡ ዳቢ እተላእከ ናይ ሕብረት ኩለትን ሃይማኖታት መግለጺ "ፍሉይ ኣገዳስነት" ከም ዘለዎ ገሊጹ ። "ሓባራዊ እምነትኩም ንዅሎም ሰባት ምስ ተፈጥሮ ተሰማሚዖም ንኽነብሩን ነታ ተነቃፊት ዝኾነት ዓለምና ንምዕቃብ ስጕምቲ ንኽወስዱን ዘተባብዖም ኢዩ። ብሓባር ኴንኩም ድማ ንዓለም አብ ምህጹጽ ክትዓዩ ከም ዘሎኩም ማለት ህጹጽ መግለጺ ሓድነትን ሓላፍነትን ከምኡውን ብሓባር ለውጢ ንምግባርን ንምምሕያሽ ዅነታት ኣየር ጻዕሪ ንኽግበር ከስርሕ ዚኽእል ተስፋ ኸም ዘሎ አመልኪትኩም ኢኹም ። " ክብሉ መስከሩ።

ዶ / ር ሱልጣን ኣል ጃብር ንመራሕቲ ሃይማኖታት ኣብ መላእ ዓለም ንማሕበረሰቦም አብ ምውዳብ ክቕጽሉ ኣተባብዖም ንሱውን ብወገኑ "መልእኽቶም ብመንገዲ መበል 28 ዓውደ ጉባኤ ብዛዕባ ምዝባዕ ኩነታት ኣየር ኣቢሉ ናብ ኩሉ ዓለም ከም ዘብጽሕዎ" ተመባጽዓሎም ።

ሓድነት ንለውጢ

ኩሎም ሃይማኖታት ክርስትና፡ እስላም፡ ሃይማኖት ሂንዱን ቡድሃን፡ ሃይማኖት ጀይኒዝም ከምኡውን ዓበይቲ ይኹኑ ንኣሽቱ ሃይማኖታትን ባህልታትን ኣብቲ ዓለም-ለኻዊ ዋዕላ ተወኪሎም ሃይምናታት ካብአቶም አስታት ሲሶ ዝኾኑ ቃሎም ከም ዝሃቡን ንተፈጥሮ አብ ምክንኻን ብሓባር ብቈራጽነት ከም ዝሰርሑን ኣጕሊሖም ።

ገለ ኻብቶም ተጋባእቲ ወኪል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንስኮስን ተወካሊ ናይ ዓቢይ ኢማም ኣሃምድ ኣል-ታየብን ኩልኣዊ ፓትርያርክ ኮንስታንቲኖፓልን ፓትርያርክ ሞስኮን ናይ አንግሊካዊት ቤተክርስቲያን ሊቀ-ጳጳሳት ካንተርበሪ ዝርከብዎም ኢዮም ዝነበሩ።

ኵሎም ተወከልቲ ቤተ እምነታት ነቲ ኣብ መንጎ መለኮትን ፍጥረትን ንዘሎ ርክብ ኣፍልጦ ብምሃብ አብ ዝሃብዎ መግለጺ አጉሊሖም ። ከም ስነ-ምግባራዊ ግዴታ መጋቢነት ወይ ንፍጥረት ኣምላኽ ምክንኻን ዝኣመሰለ ሓባራዊ ኣርእስትታት ድማ ይጠቕሱ፣ ከምኡ ውን ምስ ለውጢ ዅነታት ኣየር ንምቅላስ ብሓባር ምዕያይ፣ ንህጹጽነት ምዝባዕ ዅነታት ኣየር ብምግንዛብ ሸቶታት ኣከባቢያዊ ኩነታት አየር ንምውቃዕ ወሳኒ ስጕምቲ ምውሳድን ከም ዘድልን አመልኪቶም ።

እቶም ተሳተፍቲ ከም ዝገለጽዎ ስስዐን ርእሰ-ምትእምማንን ቀንዲ ጠንቂ ኣከባብያዊ ቕልውላው ምዃኑ እንከመልክቱ ብፍላይ ከኣ እተን ንለውጢ ኣከባቢያዊ ኩነታት አየር ዝያዳ ሓላፍነት ዘለወን ዝበልጸጋ ሃገራት ነተን በቲ ቕልውላው ኣመና እተጐድአ ድኻታት ሃገራት ንምሕጋዝ ጻዕሪ ኽገብራ ጻውዒት ኣቕረቡ።

ምዝባዕ ዅነታት ኣየር ኣብዚ ግዜና ኻብ ኵሉ ዝኸበደ ጕዳይ ከም ምዃኑን ዕንወት ንምውጋድ ህጹጽ ስጕምቲ ክውሰድ ከም ዘድልን ይገልጹ ።

ንቕሓት ምዕባይ

ተሳተፍቲ ናይቲ ዋዕላ ልዕሊ 80 ሚእታዊት ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ግለሰባት አባላት ናይ እዘን ቤተእምነታት ምዃንም ብምግንዛብ  መራሕቲ ሃይማኖት ብዛዕባ ጕዳያት ኩነታት አየር ኣብ ማሕበረሰቦም ዝያዳ ፍልጠት ከም ዘስፍሑ ንምግባር ሓላፍነት ከም ዘለዎም አመልኪቶም ።

ብዘይካዚ ንኣመንቲ ምስ ለውጢ ዅነታት ኣየር ንምቅላስ ዜተኣማምን ስጕምቲ ንኺወስዱ ዘተባብዖም ዝያዳ ጻዕሪ ኺገብሩ ጻውዒት ኣቕረቡ ፣ እዚ ኸኣ ውልቀ - ሰባት ጥዑይ ኣከባብያዊ ልምድታት ንምኽታል ቈራጽነት ብምግባርን ንመራሕቲ ዓለም ነቲ ቕልውላው ኩነታት አየር ንምፍታሕ ዜኽእል ጭቡጥ ስጕምቲ ንኺወስዱ ብሓባር ብምጽዓር ምኹኑ ገሊጾም።

07 November 2023, 16:23