ድለ

ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባል ኣህጉራዊ ጸቕጢ ይዓቢ ኣሎ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባል ኣህጉራዊ ጸቕጢ ይዓቢ ኣሎ 

ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባል ኣህጉራዊ ጸቕጢ ይዓቢ ኣሎ

ናይ ሲኣይአይ ማለት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማእክል ስለያ ዋና ኣመሓዳሪ፡ ሓማስ ምሩኻት እስራኤላውያ ናጻ ክለቅቕ ኣብ ጋቓ ዝካየድ ውግእ ደው ንምባል፡ ብመንጎይናነት ቓጠር ዝካየድ ውጥን ተኹሲ ደው ናይ ምባል መደብ ኣማእኪሉ ንኽዝትይ ናብ ምስሪ ክኸዱ ትጽቢት ይግበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ካይሮ ኣብ መንጎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማኣከል ስለያ ዋና ሓመዳሪ ዊልያም በርንስ ምስ ምስራዊ መዘንኡ፤ ከምኡ’ውን ምስ መራሔ መግንስቲ ቓጣር ክራኸብ ከም ዝኾነ ክሕበር እንከሎ፡ እዚ መደብ እዚ ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ንምባል ኣህጉራዊ ጸቕጢ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎን እስራኤል ኣብ ራፋሕ ኣብ ልዕሊ ሓማስ መሬታዊ መጥቃዕቲ ንምክያድ ምድላዋት ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን ምዃኑ ይንገር።

ኣህጉራዊ ጻውዒት ሰላማውያን ንምክልኻል

ወሃቢ ቃል ልኡካ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ለንደን ኦርሊ ጎልድሽሚት ብወገኑ እቲ ሰራዊት ንሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከምዘይገብር ክገልጽ እንከሎ፥ ‘ንሰላማውያን ሰባት ክንጎድእ ኣይንደልን ኢና፡ ምስ ህዝቢ ፍልስጤም ኣብ ውግእ ኣቲና ኣይንፈልጥን ኢና’ ክብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ክሕብር እንከሎ

ኣቐዲሙ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ራፋሕ ክትሕሎ ኣለዋ ክብል ኣጽኒዑ ከም ዝገለጸን። እስራኤል ኣብታ ከተማ መዕቆቢ ንዝደልዩ ንምክልኻል ተኣማንነት ዘለዎ ጻዕሪ ክትገብር ኣለዋ ከም ዝበለ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ‘ብዙሓት ተቐማጦን ዝተመዛበሉን ዝተዓቖቡላ ከተማ ራፋሕ ንከቢድ ጸገም ተቓሊዓ ኣላ” ዝበለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብሪጣንያ ዴቪድ ካሜሮን፡ እስራኤል ኣብ ራፋሕ ዝኾነ ወፍሪ ቅድሚ ምጅማራ ‘ብዕቱብ ክትሓስብ ኣለዋ” ክብል ከም እተማሕጸነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ቀረብ መግቢ ደው ከም ዝበለ ይንገር

ኣብ ዝተፈለየ ናይ ምዕባለን ረድኤትን ዕዮ ናይ ሕቡራት ሃገራት ውድብ ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት (UNRWA)፡ ናብ ውሽመጥ ቓዘ ዘቕርቦ ናይ መግቢ ሓገዝ ናብቲ ከባቢ ከየእቱ ብሰበ ስልጣን ኣስራኤል ከም ዝዓገተን ‘ሰበስልጣን እስራኤል ካብ ወደብ ኣሽዶድ እስራኤል ናብ ውሽመጥ ቓዛ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣትው ከም ዝኸልከሉን፡ ንዘይውሕስነት መግቢ ንምፍታሕ ዝግበር ኣገዳሲ ጻዕሪ ቀረብ ከይኣትው ዝገብር ውሳሞአ ይቕጽል ከም ዘሎ እቲ ንፍልስጤማውያን ስደተይናታት ናይ ልምዓትን ረዴትን ማሕበር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ከም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ሰበስልጣን ጉዳያት ክንክን ጥዕና ኣብ ቓዛ ጋዛ፡ እቲ ግጭት ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ካብ ዝጅምር ንደሓር 28,340 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ከም ዝበለ የመላኽት።

14 February 2024, 14:56