ድለ

ETHIOPIA-EGYPT-SUDAN-ENERGY-POLITICS-DAM ETHIOPIA-EGYPT-SUDAN-ENERGY-POLITICS-DAM  (AFP or licensors)

ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ናይ ማያዊ ጸዓት ኤለክትሪት ዘመንጩ ግድብ ኣመሪቓ

ሃገረ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ውጥን ማያዊ ጸዓት ኤለክትሪት ዘመንጩ ግድብ ብወግዒ መሪቓ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሃገረ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ፕሮጀክት ሃይድሮኤለክትሪክ ከመንጩ ዝክእል ዓብዪ ዲጋ ህዳሴ ብወግዒ ጸምቢላቶ ትርከብ፣ እዚ ድማ እታ ሃገር ንነጻነት ጸዓትን ቍጠባዊ ዕቤትን ኣብ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ዓብዪ ምዕራፍ ክኸውን ኢዩ።

እቲ 5 ቢልዮን ዶላር ዝፈሰሶ ዲጋ ኣብ ጥቓ ዶብ ሱዳን ኣብ ፈለግ ሰማያዊ ኒል እተሃንጸ ኾይኑ፣ ንብሚልዮናት ንዝቝጸሩ ኢትዮጵያውያን ቀረብ ጸዓት ኤለክትሪክ ዘውሕስን፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ጎረባብቲ ሃገረት ንምክፋል ዘድሊ ትርፊ ሓይሊ ዘመንጩ ክኸውንን ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ነቲ ፕሮጀክት ከም ምልክት ሃገራዊ ሓበንን ዕቤትን ገይሩ ገሊጽዎ ይርከብ፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ናይ ጸዓት ሃጓፋትን ምንሃር ዋጋ ነዳድን ንምዕጋት ክሕግዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

እቲ ኣብ ሓደ ስንጭሮ፣ 1.78 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱን 145 ሜትሮ ዝቝመቱን ዲጋብ ኮይኑ ዝተሓጸ፣ ብልዕሊ 11 ሚልዮን ኲቢክ ሜትር ስሚንቶ እዩ ተሓንጹ። እቲ በዚ ዲጋ እተፈጥረ ቐላይ ኒጋት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኮይኑ፣ እዚ ሰፊሕ ዝተዓቝረ ማይ ድሮ ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ናይ ማይ ቀረብ ኣውሒስዎ ይርከብ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ብሰፊሑ ይጽንበል እኳ እንተ ሃለወ፣ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ምስ ግብጽን ሱዳንን፣ እዚ ዲጋ እዚ ንድሓድነቶም ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታት ውን ኣሎ፣ ነቲ ኣብ መንጐአን ዝለኦ ወጥሪ ውን ኣጋዲድዎ ርይከብ።

እታ 90 ሚእታዊት ናይ ቀረብ ጽሩይ ማይ ኣብ ፈለግ ኒል እትምርኰስ ሃገረ ግብጺ፣ እዚ ዲጋ እዚ ኣብ እዋን ደርቂ ንዋሕዚ እዚ ፈለግ ከም ዝንክዮን፣ ኣብ መጻኢ ኣብ ላዕለዋይ ወሓይዝ ዝካየድ ውጥናት መርኣዪ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዘለዋ ሓያል ሻቕሎት ገሊጻ ኣላ። ካይሮ ነቲ ዲጋ ናይ ሃገራዊ ጸጥታ ጕዳይ ኢላ ብምጽዋዕ ንረብሓኣ ንምሕላው "ኵሉ ግቡእ ስጕምትታት" ከም እትወስድ ድማ ኣጠንቂቓ ኣላ።

ሱዳን ነቲ ግብጺ ብዛዕባ እቲ ዲጋ ንምምላእን ኣብ ምስራሕን ሕጋዊ ቀያዲ ስምምዕ ክግበር ዘቕረበቶ ሕቶ ውን ደጊማ ተቃልሕ። ይኹን እምበር ካርቱም ምምሕያሽ ምዕልቕላቕ ማይን ብዋጋ ዘይሽነን ኤለክትሪክ ምርካብን ዝኣመሰለ ጥቕምታት እውን ብሚዛናዊ መንገዲ ክትርኢ ፈቲና ኣላ።

ንዓመታት ዝወሰደ ዝርርብ እኳ እንተ ተገብረ፣ ሰለስቲአን እዘን ሃገራት ግን ገና ኣብ ስምምዕ ኣይበጽሓን ዘለዋ። ኢትዮጵያ እቲ ግድብ ንዋሕዚ እቲ ፈለግ ናብ ታሕተዋይ ክፋል እታ ሃገራት ከም ዘይጐድእ ትገልጽ፣ ንሃብቲ ፈለግ ኒል ናይ ምጥቃም ሉዓላዊ መሰል ከም ዘለዋ ድማ ኣትሪራ ትገልጽ።

10 Sep 2025, 17:25