ድለ

ቅልውላው ቓዛ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዕብልለሉ ዘሎ እዋን፡ ፈረንሳንሃገረ ፍልስጤም ትድግፍ ቅልውላው ቓዛ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዕብልለሉ ዘሎ እዋን፡ ፈረንሳንሃገረ ፍልስጤም ትድግፍ  (2025 Getty Images)

ቅልውላው ቓዛ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝዕብልለሉ ዘሎ እዋን፡ ፈረንሳንሃገረ ፍልስጤም ትድግፍ

ሓይልታት እስራኤል ቓዛ ንምሓዝ ዝገብርዎ ዘለዉ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣብዚ ሰሙን ዝካየድ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት፡ ዛዕባ ኩናት ቓዛ ክዕብለል ትጽቢት ይግበር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኲናት ቓዛ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራት ዝዕብልል ዛዕባ ክኸውን ትጽቢት ይግበር

ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኤማኑኤል ማክሮን ትማሊ ሶኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፈረንሳ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ፖርቱጋልን ብምጽንባር፡ ንሓንቲ ሃገር ፍልስጤም ብወግዒ ኣፍልጦ ክትህብ ምዃና ገሊጹ፣ ብተወሳኺ ብሓማስ ጅሆ ዝተታሕዙ እስራኤላውያን ክፍትሑን እቲ ውግእ ደው ክብልን ጸዊዑ፣ ንልኡኻት ተጋባእያን “እቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምኽንይታዊ ክገብሮ ዝኽእል ነገር የለን” ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ንእስራኤል ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ከይትሕውስ ኣጠንቂቑ፣ ምስፋሕ ሰፈራታት ደው ክብል ከም ዘተሓሳሰበን፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ዕለት 23 መስከረም ምስ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ፣ ኢማራት ዓረብ፣ ቀጠር፣ ምስሪ፣ ዮርዳኖስ፣ ቱርኪ፣ ኢንዶነዥያን ፓኪስታንን ብምርኻብ ብዛዕባ ቓዛ ከም ዝዘተየ ክሕበር እንከሎ፣ ምምሕዳር ትራምፕ ንሃገራውነት ፍልስጤም ብትሪ ተቓውሞኡ ከም ዘስመዐ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

መጥቃዕቲ እስራኤል

ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት፣ ነበርቲ ቓዛ፡ እስራኤል ኣብ ከተማ ቓዛ ብሰብ ኣልቦ ነፈርት ደብዳብ ተካይድ ከምዘላን ኣባይቲ ንምፍራስ እውን ነታጒ ዝጸዓና መካይን ናብቲ ከባቢ ተዋፍር ከም ዘላን፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ካናዳ፣ ፈረንሳን ጀርመንን ዝርከብዎ ልዕሊ ክልተ ደርዘን ሃገራት፣ እስራኤል ኣብ መተሕላላፎ ቓዛን ብእስራኤል ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዮርዳኖስ ዘሎ ኣገልግሎት ሕክምና መውሃቢ ማእከል ዳግማይ ክትከፍቶ፣ ንሕክምና ዝኸውን ምስግጋር ሕሙማት ክትፈቅድ ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 Sep 2025, 15:34