ድለ

ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 100 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 100 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም  (ANSA)

ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 100 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም

እስራኤል ኣብ መላእ ውሽመጥ ቓዛ ዕለት 28 ጥቅምቲ ኣጋምሸት ክሳብ ዕለት 29 ጥቅምቲ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 100 ፍልስጤማውያን ከም እተቐትሉ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ማእከላይ ምብራቕ ጠቒሱ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እስራኤል ካብ ዕለት 28 ጥቅምቲ ምሸት ክሳብ ዕለት 29 ጥቅምቲ ኣብ ስግር ውሽመጥ ቓዛ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ብውሕዱ 100 ፍልስጤማውያን ከም እተቐትሉን፡ እዚ ድማ ሰበስልጣን ድሕሪ’ቲ ዕለት 10 ጥቅምቲ ዝተፈጸመ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ እንክሕብሩ፡ ወሃቢ ቃል በርገሳዊ ምክልኻል ቓዛ ፡ እቲ ደብዳብ ኣብ መንበሪ ኣባይትን ተመዛበልቲ ዘዕቁቡ ድኳናትን ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ገሊጹ፡ ካብቶም ዝተቐትሉ እቶም 35 ህጻናት ምዃኖን ይሕብር።

ምክልኻል እስራኤል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ኣብ ልዕሊ “ዓሰርተታት ዒላማታት ግብረሽበራን ኣሸበርትን” ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ከም እተጀመረ እንክሕብር፡ እዚ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ድሕሪ’ቲ ኣብ ራፋሕ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ናይ እስራኤል መኪና ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ በዚ መጥቓዕቲ እዚ እውን ሓደ ኣባል ዕቑር ወተሃደራት እስራኤልም ከም እተቐትለ የመላኽት።

ኣህጉራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል ናብ ፍልስጤማውያን እሱራት ከይበጽሑ ተኣጊዱ

እስራኤል ንወከልቲ ኣህጉራዊ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል ኣብ ትሕቲ “ዘይሕጋውያን ዕጡቓት” ብዝብል ገበን ንዝተኣስሩ ፍልስጤማውያን ከይበጽሑ ከም ዝኸልከለትን ናይ እስራኤል ሚኒስተር ምክልኻል እስራኤል ካትዝ፡ ከምዚ ዓይነት ምብጻሕ ምፍቃድ "ንሃገራዊ ድሕነት ብኸቢድ ከም ዝጎድእ" ብክኢላታት ዝተዋህበ ገምጋም መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ከፍልጥ እንከሎ፡ ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ እስራኤል 2,673 ፍልስጤማውያን ዘይሕጋውያን ዕጡቓት ብዝብል ገበን ኣብ ቤት ማሕቡስ እስራኤል ከምዝርከቡ እስራኤላዊ ጉጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሃሞከድ ዘውጸኦ መረዳእታ ይሕብር።

30 Oct 2025, 16:57