ድለ

መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕ. ሃ. ኣብ ቅሪተ-ኣካላት ነዳዲ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕ. ሃ. ኣብ ቅሪተ-ኣካላት ነዳዲ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ  (AFP or licensors)

መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕ. ሃ. ኣብ ቅሪተ-ኣካላት ነዳዲ ብዘይ ስምምዕ ተዛዚሙ

ኣብ ማእከል ኣማዞን ብኣጋኡ ተስፋታት እኳ እንተነበረ፡ እቲ ዋዕላ ብዛዕባ ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ ብዘይ ስምምዕ ከም እተዛዘመን፡ እዚ ድማ ተቓላዕቲ ሃገራት ተስፋ ክቖርጹን ብዝሓ - ጎናዊ መስርሓት ኣብ ሓደጋ ክወድቅ ከም ዝገበረ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ልዊስ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ርእሰ ብሔር ብራዚል ብዘደንቕ መብጽዓ ዕለት 10 ሕዳር ዝጀመረ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዕለት 21 ሕዳር "ተስፋ ምቑራጽ፡ ከምኡ'ውን ንቡዙሓት እቲ ብዝሓ - ጎናዊ መስርሕ ከባቢያዊ ኣየርን ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት ክምለስ ክዕዘቡን ዘየረጋግእ ስምዒት" ብዘሕደረሎም ኵነታት ምዝዛሙ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ መርሎ ሓቢራ፡ ንበል 15 ግዜ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተሳተፈ ፕሮፌሰር ጆን ስዊነይ፡ ክኢላ ስነ ከባያዊ ኣየር፡ እቲ መበለ 30 ዓውደ ጉባኤ በቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ተስፋ ምቝራጽ ዘይኰነስ በቲ ብዙሓት ሰባት ክብጻሕ ግምት ሂቦምሉ ዝነበረ ስምምዕ ብዘይ ምርግጋጹ ዝፈሸለ ኮይኑ ይስምዓኒ እንክብል ይሕብር።

መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ስዊነይ ምስ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን መርሎ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት፡ እቲ ዋዕላ ርኡይ መሰረት ዝተነብሮ ከም ዝነበረን ብፍላይ ኣብ ኣማዞን ምእንጋዱ ዕሽሽ ዘይበሃል መርኣያታትን ህጹጽነትን ዝሓዘ ብምንባሩ ብዕቱብ ስምምዕ ክዛዘም እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩ፡ ኣብ ምክልኻል ኣግራብ፡ ደረጃ ብደረጃ ምውጋድ ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ፡ ከምኡ’ውን ንዝተቓልዑ ሃገራት ቍጠባዊ ሓገዝ ኣብ ዝምልከት ተወፋይነት ዝጠልብ፡ ይኹን እምበር፡ እዚ ዅሉ ኣይተረጋገጸን፡ “እቲ ዓቢ ተዓዋቲ” ናይ ዋሽንግቶን ፖለቲካ ክበሃል ይከኣል፡ ኣብ መንጎ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ስዑዲ ዓረብን ቅድሚ እቲ ናይ መወዳእታ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ለውጢ ከባቢ ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት መዓልታት ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ናይቲ ዋዕላ ናይ ፍጻሜ ሰነድ መሰረት ዘትሓዘ እዩ ዝመስል። እዚ እውን ቅሪተ - ኣካላት ነዳዲ ደረጃ ብደረጃ ምውጋድ ዝብል ውሳኔ ዘርሓቐን ብፍላይ ንመብዛሕትአን እተን ኣብ ሱር ጠንቂ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ዝርከባ ሃገራት ወሳኒ ቃል ንኽህልወን ጸቕጢ ንዝገብራ ዝነበራ ሃገራት፡ መሪር ስዕረት እዩ ነይሩ - ምስ በለ - ድሕሪ 30 ዓመታት ንፈለማ እዋን መንግስቲ ኣመሪካ ኣብቲ ኣብ ቤለም ዝተኻየደ መደብ ወግዓዊ ውክልና ኣይነበሮን እዚ እውን ኣብ ውጽኢት እቲ ዋዕላ ኣሉታዊ ጽልዋ ዘሕደረ ውሳነ እዩ፡ ነቲ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ዝፈጥሮ ብጭቡጥ ኣብ ኣማዞን ዝልለ ጠንቕታቱ ሸለል ዝበለ ውሳነ እዩ እንክብል የብርህ።

ነባሪ ዋጋን ደረትን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት ሃገራት

ኣብዚ መበል 30 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዛዕባ ለውጢ ከባቢያዊ ኣሀር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ተስፋ ዝተነበረሉ ሸቶ ዝተበጽሐ ኣይኹን - ብርግጽ እዚ ብዙሕ ዘቖጥዕን ዘሕዝንን እውን እንተኾነ -  ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ብዛዕባ ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር እተን ዝነኣሳ ሃገራት ከምተን ዓበይቲ ሃገራት ብማዕረ ክጽውዓሉ ካብ ዝኾኑ ውሑዳት መድረኻት ሓደ ብምዃኑ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ፡ ኣገዳሲ መድረኽ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ - በቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምልኣት ባሕርታት ተደጋጋምን ኣዕናውን እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን ምኽንያት፡ ነዚ ሓቅታታ እዚ ዕሽሽ ክትብሎ ስለ ዘይከኣል።

ጻውዒት

መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ኩነታት ኣየር ሕቡራት ሃገራት - COP30 ከም ነጥበ መቐይሮ፡ ከምኡ’ውን ከምቲ ናብ ዘላቒ መጻኢ ዝወስድ መንገዲ ዝዘርገሐ ኣኼባ ተገይሩ ኣይክዝከርን እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ብዛዕባ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝምልከት ጉባኤታት ዝቕጽል እዩ። እቲ መስርሕ ፍጹም ስለዝኾነ ዘይኮነስ፡ እቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ኣህዛብ ድምጾም ክሳብ ሕጂ ዝስማዕሉ ቦታ ስለዘድልዮም እዩ። ኣብቲ ተነቃፍን ዘይፍጹምን ምትእኽኻብ ኣህዛብ ድማ፡ ድኹም እኳ እንተ ዀነ ሓባራዊ ተስፋ ናይ ምርካብ ተኽእሎ ገና ይቕጽል ኣሎ” እንክብል ፕሮፈሰር ጆን ስዊነይ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።

24 Nov 2025, 15:11