ድለ

FILE PHOTO: Artisanal miners work at the Tilwezembe outside of Kolwezi FILE PHOTO: Artisanal miners work at the Tilwezembe outside of Kolwezi 

ብሓደጋ ዕደና ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ መዐደኒ ነሓስን ኮባልትን ዝርከብ ድልድል ብምኽንያት ብዝሒ ህዝቢ ድሕሪ ምፍራሱ እንተ ወሓደ 32 ሰባት ሞይቶም። ኣብቲ ብማዕድን ሃብታም ዝዀነ ዞባ ዘሎ ዓብዪ ገንዘባዊ ረብሓታት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ግርጭትን ጸጋማትን ከጐሃህር ኢዩ ዝርከብ ዘሎ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብልሽውናን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምግዓዝን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣስዒቡ ይርከብ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ኣውራጃ ሉኣላባ ኣብ ደቡባዊ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከም ዝገለጾ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናምን ምህማም መሬትን ናብ መዐደኒ ካላንዶ ምእታው ብጽኑዕ ክልኩል እኳ እንተ ነበረ፣ ዘይሕጋውያን ዓደንቲ ግን ናብቲ ጐዳጉዲ ምእታው ኣየቋረጹን ክብል የመላኽት።

ኣብቲ ግዜ እቲ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ወተሃደራት፣ ነቲ እገዳ ኣብ ግብሪ ከውዕሉ ምስ ፈተኑ ናይ ምልክት ተዅሲ ምስ ከፈቶም፣ ነቶም ናብቲ ድልድል ዚጐዩ ዝነበሩ ሰባት ፍርሂ ኣለዓዓለ። እቲ ዝተፈጥረ ዕግርግር ድማ ነቲ ህንጻ ኸም ዚፈርስ ገበሮ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እቶም ዓደንቲ ኣብ ልዕሊኦም ተዀሚሮም ዝነብረ ሓመድ ፈረሶም፣ ብዓሰርተታት ዚቝጸሩ ሰባት ድማ ህይወቶም ስኢኖም ብዙሓት ድማ ቈሲሎም ይርከቡ ኣለዉ።

ናይ ኮንጎ ንሰራሕተይናታት ንኣሽቱ መዐደኒ ደገፍን መምርሕን ኣገልግሎትን ዝሕብ ማሕበር ዘውጽኦ  ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ እንተ ወሓደ 40 ሰባት ሞይቶም ተረኺቦም ኣለዉ።

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ግጭትን ናይ ወጻኢ ረብሓታትን

ኣብቲ መዐደኒ ወተሃደራት ምህላዎም ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ማእከል ናይቲ ኣብ መንጎ ዓደንቲ ዋይልድካትን ከምኡውን ኣብ መንጎ እቲ ዕዮ ንምውዳብ ተባሂሉ እተዳለወ ምትሕብባርን ሕጋውያን ኣወሃሃድቲ እቲ ቦታን ዘሎ ክርክር ዘስዓቦ ኢዩ ዝነበረ።

ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዓለም እታ ዝዓበየት ኣፍራዪት ኮባልት ዝተሰምየ ንጥረ ነገር እያ፣ እዚ ማዕድን እዚ ንኤለክትሪክ ማካይንን ናይ ኢድ ተሌፎናትን ካልእ ፍርያትን ዚኸውን ሊትዩም-ዮን ባትሪ ንምድላው ዜገልግል ንጥረ ነገር እዩ። ፖለቲካውን ማሕበራውን ቍጠባውን ዘይምርግጋእን ውርሻ መግዛእትን ኣብ መንጎ እቶም 80 ሚእታዊት ፍርያት ዝቈጻጸራ ናይ ወጻኢ ኩባንያታት ከቢድ ውድድር ኣስዒቡ ይርከብ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ብዙሓት ተመዛቢሎም ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝነብሩላ ሃገር ኮይና ድማ ትርከብ ኣላ ።

ብዛዕባ ሸቕሊ ቈልዑን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን፣ ድሕንነት ዘይብሉ ኵነታትን ብልሽውናን ብዝምልከት ዝቐረበ ኽስታት ንኢንዱስትሪ መዐደኒ ኮባልት፣ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብልሽውና ፈጢሩ ይርከብ፣ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን እተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታትን እንተላይ ኣብ መንጎ እቲ ንሩዋንዳ ዝድገፍ ኤም 23 ዝተሰምየ ዕጡቕ ጉጅለ ዘሎ ግጭት ነቲ ድሮ ዝጸንሐ ኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋዲድዎ ይርከብ

 

(ምንጪ AP)

20 Nov 2025, 11:31