ድለ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንውሳነ ቓዛ ድሕሪ ምጽዳቑ ዓመጽ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ይቕጽል ኣሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንውሳነ ቓዛ ድሕሪ ምጽዳቑ ዓመጽ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ይቕጽል ኣሎ 

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንውሳነ ቓዛ ድሕሪ ምጽዳቑ ዓመጽ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ይቕጽል ኣሎ

ኣብ መስቀላዊ መገዲ ጉሽ ኤጽዮን ኣብ ኣፍ ደገ ሰፈራ ኣይሁድ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓደ እስራኤላዊ ከም ተቐትለን ካልኦት ሰለስተ ድማ ከም ዝቖሰሉን ይንገር። ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ንነጀው እቲ ዞባዊ ውጥሪ ፈጺሙ ከም ዘይነከየን፡ ብመሰረት ወግዓዊ ሓበሬታ እንተ ወሓደ 43 እስራኤላውያን ብመጥቃዕቲ ፍልስጥኤም ወይ ኣብ ወተሃደራዊ ወራር ከም ዝተቐትሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ 1,000 ፍልስጥኤማውያን ብወተሃደራት ጸጥታ እስራኤልን ኣብ መጥቃዕትታት ሰፈራታት ከም ዝተቐትሉ ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ኻብቶም ኣብ መስቀላዊ መገዲ ጉሽ ኤጽዮን ኣብ ኣፍ ደገ ሰፈራ ኣይሁድ ኣብ መንጎ ከተማታት ቤት -ልሄምን ኬብሮንን ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ኣርባዕተ እስራኤላውያን ከም እተቐትሉን እቶም ዝቘሰሉ ናብ ክልተ ኣብ ኢየሩሳሌም ናብ ዝርከባ ኣባይቲ ሕክምና ከም እተወስዱ ምንጭታት እስራኤል የረጋግጽ።

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ዝተፈጸመ ዓመጽ

ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ፍልስጤም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ወሰኽ ዓመጽ ከም ዘሎን ብመሰረት ወግዓዊ ኣሃዛት እስራኤል፡ ብውሕዱ 43 እስራኤላውያን ሰላማውያንን ወተሃደራትን ኣብ መጥቃዕቲ ፍልስጤም ወይ ኣብ ወተሃደራዊ ወራር ከም እተቐትሉ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ፡ "ሓይልታት ጸጥታን ሰፋሮን እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ፡ እንኮላይ ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ብውሑዱ 1,017 ፍልስጤማውያን” ከም እተቐትሉ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ሽማግለ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ታሚን ኣል - ኪታን ከም ዘፍለጠን እዚ እውን ምስ ኣሃዛት ሃገራዊ በዓል መዚ ፍልስጤም ዝሰማማዕ ጸብጻብ ምዃኑ ይንገር።

ሕቡራት ሃገራት

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ናይ ፍልስጥኤም ሃገራዊ መርሕነት ንባዕሉ ነቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ቃዛ ዝወጸ ናይ ኣቕዋም መግለጺ "ሓንጐፋይ ቢሉ ከም እተቐበሎ እንክሕበር፡ ሞስኮን ቤጂንግን ተዓቅቦ ድምጺ ከም ዝገበራን፡ 13 ሃገራት እወታዊ ድምጺ ከም ዝሃባሉን ክሕበር እንከሎ እቲ ዝተኻየደ ድምጺ ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት ዶናልድ ትራምፕ ንወሽመጥ ቓዛ ዘውጽኦ መደብ ሰላም መሰረት ዝገበረ ኮይኑ፡ እዙ ዝጸደቐ ኣቕዋም እዚ ሓማስ ኣጽዋር ከፈትሕ ዝእዝዝን ርግኣት ፍልስጥኤም ዝውሕስ ኣህጉራዊ ሓይሊ ክኣቱ ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ይኹን እምበር እስላማዊ ጕጅለ ብግዲኡ እቲ ውሳኔ ኣብቲ ዞባ ናይ ወጻኢ ሓለዋ ጸጥታ ክኣትው ዝብል ብምዃኑ ሓደገይ ስጕምቲ እዩ እንክብሉ ድሮ ከም ዝነጸጎ ክንገር እንከሎ፡ ሓማስ እቲ ኣብ ጉሽ ኤጽዮን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዮርዳኖስ ዝርከቡ ወተሃደራትን ሰፋሮ እስራኤላውያንን ዝፍጽምዎ ጸረ ፍልስኤማውያን ዝኾኑ ተግባራት ዝፈጠሮ ቍጥዓ "ባህርያዊ ምላሽ" እዩ እንክብል ከም ዝገለጾ ይንገር።

19 Nov 2025, 15:29