ድለ

ሶርያ ብዛዕባ ቀታሊ ዓመጽ ፈላሚ ፍርዳዊ ክሂሎት ተበገስ ሶርያ ብዛዕባ ቀታሊ ዓመጽ ፈላሚ ፍርዳዊ ክሂሎት ተበገስ  (ANSA)

ሶርያ ብዛዕባ ቀታሊ ዓመጽ ፈላሚ ፍርዳዊ ክሂሎት ተበገስ

ሶርያ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዝተፈጸመ ቀታሊ ግጭት ዝምርምር ክሂሎት ክትጅምር ከም ዝኾነትን ኣብዚ እዋን’ዚ ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ተዋጋእቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዓዶም ኣማኢት ኣባላት ውሁዳን ዓላዊት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝፈጸምዎ ግብረ ቅትለት ዝምልከት ኮይኑ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ብሰፊሑ ነቲ ርእሰ ብሔር ኣሕመድ ኣል - ሻራ ዝኣተዎ ናይ ተሓታትነት መብጽዓ ዝፍትን ምዃኑ ይንገር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ደገፍቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ርእሰ ብሔር ሶርያ በሽር ኣል ኣሳድን ንዝተፈጥረ ግጭት መንግስቲ ንኣዋርሕ ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ 14 ተኸሰስቲ ዕለት 18 ሕዳር ኣለፖ ኣብ ዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረቡ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሶርያ ሓቢረን።

ካብቶም ኣብ ቤት ፍርዲ ዝቐረቡ ጥርጡራት እቶም 7 ናይ ኣል ኣሳድ እሙናት፡ እቶም ካልኦት 7 ድማ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ሓድሽ መንግስቲ ሶርያ ከም ዝኾኑ ምንጭታት ሶሪያ ኣፍሊጠን።

እዚ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ብሻሪዓ ዝምራሕ ሱኒ እስላማውያን ዓመጽቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ውሁዳን ዓላዊ ክፍሊ ሕብረተሰብ፡ ኣል - ኣሳድ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ እቲ ዝኸፍአ ለበዳ ዓመጽ ምዃኑ ይንገር።

እቶም ተጠርጠርቲ፡ ኲናት ሓድሕድ ምልዕዓል፡ ምግንጻል፡ ቀዲሙ ዝተወጠነ ቅትለትን ምዝማትን ተሓተትቲ ዝብል ክሲ ከም ዝቐረበሎምን ኩሎም ሰላማውያን ሰባት ብምቕታልን ኣብ መፈተሺ ነቑጣታት ሰራዊትን መንግስታዊ ትካላትን መጥቃዕቲ ዘካየዱ ምልሻታት ምቛምን ብዝብል ክሲ ክሕተቱ ምዃኖም ይግለጽ።

መርመራ ሮይተርስን ጸብጻብ መንግስትን ከም ዘመልክቶ፡ ሓይልታት ሶርያ ኣብ መንጎ ዕለት 7 ክሳብ ዕለት 9 መጋቢት ኣስታት 1500 ሶርያውያን ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዓላዊ ከም ዝቐተሉ ይሕብር። እዚ መጥቃዕቲ፡ ​​ንኣሳድ እሙናት ብዝኾኑ መኮንናት ነበር ዝተወደበ ንሓደ መዓልቲ ዝቐጸለ ናዕቢ ግብረ መልሲ ንምሃብ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ 200 ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ከም ዝቐትሉ የመላኽት።

ነቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ገበን ዝከታተሉ ኣካላት ከም ዝገለጽዎ ሰበ - ስልጣን እቲ ዘሕዝን ምዕራፍ ምስጢራዊ ምልካዊ ኣገዛዝኣ ኣብቂዑ ነቲ ሓድሽ መዋእል ተሓተታትነት ብቓልን ግብርን ከረጋግጹ ምዃኖም ሓቢሮም  ኣብ ሶርያ ንኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ብገበን ኣብ ፍርዲ ምቕራብ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር ምዃኑ ይሕብሩ። ርእሰ ብሔር ሻራ ነቲ ዓመጽ ንሶርያ ንምጥርናፍ ዝገብሮ ዘሎ ተልእኾ ስግኣት ምዃኑ ብምኹናን ተሓተትቲ ግቡእ ፍርዶም ክረኽቡ ምዃኖ የረጋግጽ።

19 Nov 2025, 15:34