ድለ

ርእሰ ብሔር ቤኒን ድሕሪ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘሎ ኣፍሊጡ ርእሰ ብሔር ቤኒን ድሕሪ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘሎ ኣፍሊጡ 

ርእሰ ብሔር ቤኒን ድሕሪ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኣውሮጳን ነቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ናይ ክልተ እብረ ገደብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ዝግበኦ ርእሰ ብሔር ፓትሪስ ታሎን ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተባሂሉ ዝግለጽ ዘሎ ተግባር “ብትሪ” ኮኒኖሞ። ሕጂ እቲ ኩነታት "ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር" ከምዘሎ ይግለጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃን ሳሕልን ሊዮናርዶ ሳንቶስ ሲማኦ፡ ነቲ ዕለት 7 ታሕሳስ ኣብ ቤኒን ንርእሰ ብሔር ፓትሪስ ታሎን ንምእላይ ዝተገብረ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ተባሂሉ ዝግለጽ "ብትሪ ኮኒኑ"። ካብ ሕብረት ኣፍሪቃን ሕብረት ኤውሮጳን እውን ተመሳሳሊ መግለጺታት እውን ከም እተወሃበ ይንገር።

እቲ ዳግመ ህንጸታት

ብመሰረት ናይ መጀመርታ ጸብጻባት፡ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ብደገፍ ጎረቤት ሃገር ናይጀርያ ከምዝፈሸለ፡ እዚ ድማ ወተሃደራዊ ምትእትታው ከም እተገብረን። ባዕሉ ካብ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ (Ecowas) ወተሃደራዊ ደገፍ ዝረኸበ ታሎን፡ ዕለት 8 ታሕሳስ ጉጅለ ዓመጽቲ ወተሃደራት ናብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ መደብር ተለቪዥን ብምእታው ንርእሰ ብሔር ካብ ስልጣኖም ከም ዝሰጐጉ ሕገ መንግስቲ ጠጠው ከም ዘበሉ ከምኡውን ኵለን ትካላትን ፖለቲካዊ ውድባትን ከም ዘፈረሱ ድሕሪ ምግላጾም፡ "እቲ ዅነታት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር ኣትዩ ኣሎ።" ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ኣብ ኮቶኑ ተዅሲ ኸም ዝሰምዑ እውን ገሊጾም ከም ዝነበሩ ይንገር።

እቲ ናይ ክልተ ተርም ገደብ

ክልተ ተኸታተልቲ እዋናት ዘገልገለ ታሎን ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ትጽቢት ይግበር ፡ እንተኾነ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ግን ሰበ - ስልጣን እታ ሃገር ንሓደ ኣባል እቲ ቐንዲ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ውድብ ኣብ ምርጫ ንርእሰ ብሔር ሕጹይ ኮይኑ ክቐርብ ዝነበሮ መሰል ብምንጻግ ምኽንያት ዝተለዓዓለ ናዕብን ክስታት ወሲኹ ኣብዘን ዝሓለፋ 10 ዓመታት ኣብታ ሃገር ዓብዪ ቝጠባዊ ዕቤት እኳ እንተ ተራእየ ሓደገይና ማዕበል ዓመጽ ጂሃዳውያን እውን ይርአ ምህላዉ እዩ ዝፍለጥ።

09 Dec 2025, 17:43