ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ እዋን በዓለ ሃኑካ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ሲድኒ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ቦንዲ ኣብ ጽምብል በዓል ኣይሁድ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ብውሕዱ 15 ሰባት ከም እተቐትሉን 29 ድማ ከም ዝቖሰሉ ናይ ከተማ ሲድኒ ቤት ጽሕፈት ሓይሊ ጸጥታ ከም ዝሓበረን እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝፈጸሙ እቲ ሓደ ከም እተቐትለን እቲ ካልኣዩ ድማ ኣብ ኣዝዩ ኣሰካፊ ኩነታት ከምዘሎ ይግለጽ።
መርመርቲ ሳልሳይ ሓደ ካብቶም መጥቓዕቲ ዝፈጸሙ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጠራ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከም ዘእተውዎን እውን እንተኾነ ጉዳዩ ገና ይጻረ ከም ዘሎ እንክሕብሩ ሰብመዚ ከምዝበልዎ፡ ኣብቲ ቦታ ዘይተፈንጀረ ነታጒ ከም ዝረኸቡን። እቲ ኩነታት ቀጻሊ ስርሒት ሓይሊ ጸጥታ ዝጠልብ ምዃኑ ሰበ ስልጣን ይሕብሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሓላፊ ባይቶ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ኣውስትራልያ፡ ነቲ መጥቃዕቲ “ክግመት ዝከኣል መዓት” እንክብል ከም ዝገለጾን መራሔ መንግስቲ ኣንቶኒ ኣልባነስ ንሰራሕተይናታት ህጹጽ ረድኤት ብምንኣድ፡ ነቲ ጃምላዊ ተኹሲ “ዘሰንብድን ዘጨንቕን” እንክብል ብምግላጽ፡ ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት ኣብ ኣውስትራልያ ሳሕቲ ምዃኑ ብምምልካት፡ እቲ "ኣብ ገማግም ባሕሪ ቦንዲ ዝተፈትሐ መንፈስ ክፍኣት ክትርድኦ ብሓቂ የጸግም” ከም ዝበለን፡ መራሔ መንግስቲ ብሪጣንያ ኬር ስታርመር ኣብ ኤክስ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ ናይ ግሊ ኣድራሻኡ ኣቢሉ፡ “ካብ ኣውስትራልያ ኣዝዩ ዘጨንቕ ዜና ይበጽሓና ኣሎ፡ ዓባይ ብሪጣንያ ንኹሎም በቲ “ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ” ዝተሃስዩ ሰባት ጽንዓት ተመሓላልፍ ከም ዝበለን፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ወጻእን ተመሳሳሊ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ከም እተመሓላለፈን፡ ብወገኑ ባይቶ ሽማግለታት ሃይማኖት ምስልምና ነቲ ጃምላዊ ቅትለት "ብትሪ ኮኒኑ" "ንኻልእ ዘጥቕዕ ቃላትን፡ ኣኽራርነትን ዓሌትነትን ንምምካት ዝግበር ኣህጉራዊ ጻዕርታት ክሕይል ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ኣብ ርእሲኡ ድማ ሱር ጠንቅታት ከምዚ ዓይነት ዘስካሕክሕ ዓመጽ ንምፍታሕ፡ ዘተን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ብምስፋን" ክሕይል ጸዊዒት ከም ዘቕረቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብ ሮማ፡ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቅዱስ ኤጂዲዮ፡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እዚ ከቢድ መጥቃዕቲ፡ ነቲ ኣብ ሕብረተሰባትና ሰሊኹ ዝኣትው ሃዋህው ጽልኢ ከነስተንትነሉ ይገብረና። ነዚ ናይ ዓመጽ ስምዒታት ከነጥፍኦ ኣለና” እንክብል ነቶም ኣደዳ መጥቓዕቲ ዝኾኑ ቅርበቱ ከም ዘረጋገጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።