ድለ

ሓይሊ ጸጥታ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ስደተይናታት ዝፈጸሞ ዘመተ ሓይሊ ጸጥታ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ስደተይናታት ዝፈጸሞ ዘመተ 

ሓይሊ ጸጥታ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ስደተይናታት ዝፈጸሞ ዘመተ

ላዛሪኒ ሓላፊ ትካል ስደተይናታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) መለለዪ ሰንደቕ ዕላማ ብናይ እስራኤል ሰንደቕ ዕላማ ዝተፈጽመ ምትካኣ ይኹንን። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ወጥሪ ይውስኽ ኣሎ፡ ሓላፊ ሰራዊት እስራኤል ጀነራል ኢያል ዛሚር፡ እቲ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝሰሓቡሉ መስመር ምሕንጻጽ ዶብ ከም "ሓድሽ ዶብ" ከም ዝቑጸር ይገልጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ሓማስ ባሲም ናይም ምስ ኣገልግሎት ዜና ኤፒ ኣብ ዝገበሮ ቃለ - መሕትት፡ ልክዕ ከምቲ ኣዛዚ ሰራዊት እስራኤል ጀነራል ኢያል ዛሚር ነቶም ኣብ ሰፈር ቓዛ ዝነበሩ ዕቑር ወተሃደራት እስራኤል፡ እቲ ወተሃደራት እስራኤል ካብ ቓዛ ዝወጹሉ መስመር ዶብ "ሓድሽ ዶብ" ከም ዝዀነ ገሊጹ እንክብል ፡ ብመሰረት እቲ ምስ ሓማስ እተገብረ ስምምዕ ዕርቅን እቲ ተዅሲ ምቍራጽ ዕለት 10 ጥቅምቲ ኣብ ግብሪ ምውዓልን ወተሃደራት እስራኤል በብቝሩብ ካብ ሰፈር ቓዛ ኺወጹ ኣለዎምም” ይብል።

ዘተ ኣብ ኒውዮርክ፡ ወጥሪ ኣብ ኢየሩሳሌም

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ኒውዮርክ ብዛዕባ ካልኣይ ምዕራፍ ስምምዕ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ይቕጽል ከም ዘሎን፡ እዚ ድማ ናብ ምፍታሕ ኣጽዋር ሓማስን ወሽመጥ ቓዛ ዘመሓድርን ኣካል ምቛም ኣብ ዝብል ዛዕባ ይመክር ከም ዘሎ ይግመት። ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ ኣብቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ቀጠርን ዝተኻየደ ዘተ ተረኺቡ፣ እዚ ድማ ድሕሪ’ቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ንምቁራጽ ስምምዕ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ዝለዓለ መድርኽ ዘተ ምዃኑ እዩ ዝንገር።
ኣብ ባይታ ግን ወጥሪ በርቲዑ ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብ ውሽመጥ ቓዛ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣባላት ዶብ ኣልቦ ሓኻይም (MSF) ዋላ'ኳ ኣብዚ እዋን'ዚ ስምምዕ ሰላም እንተሃለወ፡ ክንክን ኣገልግሎት ጥዕና "ትሑት ደረጃ ዘለዎ" ምዃኑ ይሕብሩ፡ ኣመሓዳሪ ትካል ስደተህናታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፕ ላዛሪኒ ሎሚ ንግሆ ፖሊስ እስራኤል ኣብ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተይናታት ፍልስጤም (UNRWA) ዘካየዶ ዘመተ ጸብጺቡ። ኮምፒዩተራት፡ ኣቑሑ ኣባይቲ ጽሕፈትን ካልእ ናውትን ከም ዝወሰደን። ርክባት ተቛሪጹ፡ ሰነደቕ ዕላማ ናይቲ ትካል ሕቡራት ሃገራት ወሪዱ፡ ብናይ እስራኤል ሰንደቕ ዕላማ ተተኪኡ። ሰራሕተይናታት ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀረባ ምብራቕ ንዝርከቡ ስደተይና ታት ፍልስጤም (UNRWA) ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ካብቲ ቦታ ክወጹ ተገዲዶም ነይሮም፡ "ግን ብውሽጢ ውሽጢ ዝውሰድ ስጉምቲ ብዘየገድስ፡ እቲ ቀጽሪ ከም ናይ ሕቡራት ሃገራት ቦታ ዘለዎ ቅዋማዊ መሰል ዝዕቅብ ኮይኑ ካብ ዝኾነ ዓይነት ምትእትታው ነጻ እዩ" ክብል ላዛሪኒ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዘሎ ወግዓዊ ኣድራሻታቱ ኣቢሉ ሓቢሩ ከም ዝነበረን፡  እቲ ስጉምቲ፡ "እስራኤል ከም ኣባል ሕቡራት ሃገራት መጠን ንዘይግህሰት ቦታታት ሕቡራት ሃገራት ንምሕላውን ንምኽባርን ዝኣተወት ቃል ብግልጺ ዕሽሽ ምባል ዝውክል'ዩ" ክብል ወሲኹ ከም ዝገለጸ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Dec 2025, 17:45