ድለ

ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝገበሮ ዘይጎነጻዊ ሰውራ፡ ብእምነት ዝተደረኸ እዩ! ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝገበሮ ዘይጎነጻዊ ሰውራ፡ ብእምነት ዝተደረኸ እዩ! 

ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝገበሮ ዘይጎነጻዊ ሰውራ፡ ብእምነት ዝተደረኸ እዩ!

"ናይ ዘይጎነጻውነት ፍልስፍናን ስልትን ብኡንብኡ ካብ ዝምድናታት ኣህዛብ ጀሚሩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓውዲ ግጭት ደቂ ሰባት ኣርእስቲ መጽናዕትን ዕቱብ ፈተነን ኮይኑ እዩ" እዚ ሓደ ካብቲ ኣብ 1964 ዓ.ም. ተዓዋቲ ናይ ሰላም ኖቤል ሽልማት መጋቤ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዘበገሶ እዋናዊ መልእኽቲ ምዃኑ ጓሉ በረኒስ ምስ ዜን ቫቲካን ኣብ ዘካየደሎት ቃለ መሕትት ተጒልሕ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማርቲን ሉተር ኪንግ ድሕሪ ዓመታት፡ መብራህትን ኣርማን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ማእከል ብምግባር መራኸቢ ብዙሓን ቫቲካን ንበርኒስ ኪንግ ንጓል እቲ ዓቢ ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ መራሒ ኣብ ትነብረላን እስተርሓላን ከተማ ኣትላንታ ብዛዕባ ኣቦኣ ብስልኪ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ምልእኽቲ ኣቦኣ እዋናዊ ምዃኑ ተስተብህል።

ስለምንታይ ኣቦኺ "ክብሪ" ዝብል ቃል ኣብ ማእከል ቃልሱ ዘቐመጦ?

እወ ኣብ ኩሉ ስራሕ ኣቦይ ማእከላይ ኣምር ክብሪ ዝብል ቃል እዩ ነይሩ። ትብዓቱ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ካብ እምነት እዩ ዝመጽእ። ብዛዕባ ርክብ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰባት ብዕምቆት ምስ ኣተውዓለ፡ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ውልቀ - ሰብ ብኽብሪ ከም ዝዕቅቦ ተረድአ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ክብሪ ሰብ ኣብቲ ኣርኣያን ኣምሳልን ኣምላኽ ዝብል ኩላትና ብመልክዑን ኣርኣያኡን ከምተፈጠርና ዘረጋግጽ፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ክልሰ -ሓሳባውን መንፈሳውን ቅርጺ፡ ውልቃዊ ተመኩሮኡ እውን ካብዚ ዝነቕል እዩ። ኣቦይ ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ብዘይ ክብሪ ምሕላው ምንባር እንታይ ማለት ምዃኑ ተመኪርዎ እዩ። ኩሉ ግዜ ምስ ኣቦሓጎይ ጫማ ክገዝእ ዝኸደሉ መዓልቲ፡ እቲ በዓል ድኳን "ከገልግለኩም እንተደሊዅም ናብ ድሕሪት እቲ ድኳን ኪዱ" ዝበሎም ይዝክር። ኣቦሓጎይ እቲ በዓል ድኳን ዝበሎ ነጺጉ፡ ነቦይ "ምስ ከምዚ ዝኣመስለ ኩነታት ክሳብ ክንደይ ክነብር ከምዘለኒ ኣይግድሰንን እዩ፡ ፈጺመ ኣይቅበሎን እየ" በሎ። እዚ ክብረት እዩ፣ ድሒሩ ኣብ ዘማዕበሎ ዘይጎነጻዊ ፍልስፍናን ኣገባብን ድማ ናይ ገዛእ ርእሱ መትከል ገይርዎ።

ኣብዚ ሃይማኖታት ከም መመኽነይታ ንጽልኢ መጓሃሃሪ ኣብ ዝጥቀሙሉ ዘመን፡ ክርስትያንን መራሕቲ ሃይማኖትን ሰላማዊ ሰውራ ንምስፋሕ እንታይ ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ?

ኩሉ ነገር ናብቲ ማእከልነት እምነት ማለት ፍቕሪ ክምለስ ይግባእ። ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። ሰላማዊ ሰውራ ንምስፋን ክንዛረብ እንኮለና ድማ ካብዚ ኣምር ክንብገስ ኣሎና ዝብል እምነት ኣለኒ። ኲናት ብምክያድ ንሰላም ክንቃለስ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ኣብነት ኢየሱስን ደረትን መሰናኽላትን ሰጊሩ ከመይ ጌሩ ንፍቕሪ ንኹሉ ሰብ ከም ዘረጋገጸን ንርአ፣ እዚ ኩሉ ምስ ዘይጎነጻዊነት ኣምርን ተግባርን ብቐረባ ዝተኣሳሰር ኮይኑ፡ እዚ ድማ ብጀካ ኣብ ፍቕሪ ዘማእከለ ኣገባብ ካልእ ኣይኮነን። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዓመጽ ዝመልኦ ቋንቋ ንጥቀም፡ እንተኾነ ግን ክብርን ዋጋን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሸለል ክንብል ኣብ ሓደጋ ንርከብ።

ሳላ ቃልሲ ኣቦኺ ብዙሕ ተቐይሩ እዩ። ሎሚ ግና ከቢድ ኣድልዎን ዓሚቝ በደልን ምዝመዛን ንርኢ ኣለና።

ሓደ ካብቲ ኣዝዩ ትርጉም ዘለዎ መግለጺታት ኣቦይ ኣብ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ኣብ ዝተቐበሉ እዋን ዘስመዖ መደረ  ይጥቀስ፡ "ፍልስፍናን ሜላን ዘይጎነጻዊነት ብቕጽበት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓውዲ ሰብኣዊ ግጭት፡ ካብ ዝምድናታት ኣህዛብ ጀሚሩ፡ ጉዳይ መጽናዕትን ዕቱብ ፈተነን ክኸውን እላቦ" እንክብል ዘስመረሉ ሓሳብ ትዝክር። ሓደ ሰብ ንዘይጎነጻውነት ከምቲ ብመንጽር ሜላታት ብትምህርቲ ጋንዲ ኣዝዩ ዝተጸልወ ኣቦይ ዝነበሮን ዝመሃሮን እንተዘጽንዖ፡ ንፍትሒ ዝግበር ቃልሲ ክመርሑ ዝኽእሉ ኣዝዮም ጭቡጣት መትከላት ከምዘለዉ ምተረድአ። ዘይጎነጻውነት ንዝዓበየ ጽቡቕ ስቓይ ተበጃዊ፡ መሃሪ ክኸውን ከም ዝኽእል ይኣምን። እቲ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ እምበኣር ሕነ ምፍዳይ ወይ ሕነ ምፍዳይ ምድላይ ክኸውን ዘይክእል፣ ኣብ ናይ ዕርቂ መንገዲ ምጉዓዝ ይድሊ፡ ንሕና ድማ ንዓመጽን፡ ኣብ ዘይፍትሓዊ መሓውራትን ተግባራትን ዘለና ቁጥዐ፡ ብተመሳሳሊ ደረጃ ክብሪ ሰብኣዊ ኣኽብሮት ክንሕሉ እንኽእለሉ መንገዲ ክንረክብ ይግባእ።

ኣቦኺ ክቕተል እንከሎ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ጥራይ ኢኺ ኔርኪ ውልቃዊ ተዘክሮታትካ እንታይ ይመስል?

እቲ ዘሕዝን ግን ናይ ብሓቂ ንእሽቶ ስለ ዝነበርኩ ብዙሕ ኣይዝክሮን እየ። ሓደ ዝዝክሮ ዘደንቕ ነገር ግን፡ ንጻወቶ ዝነበርና ጸወታ እዩ፡ ካብ መገሻ ናብ ገዝኡ ምስ ተመልሰ፡ ኣብ ሕቑፉ ዘሊለ እንጻወቶ ዝነበርና፡ ንኣሕዋተይን ንኣደይን እውን ይድውለሎም ከም ዝነበረን ኣነ ድማ ወትሩ ኣብ ግንባሩ ይስዕሞ ነይረ - ኣሕዋተይ ድማ ኣብ ምዕጉርቱ ይስዕምዎ ነይሮም፡ ምስቲ ኩሉ ጽዑቕ ናይቲ ዝመርሖ ዝነበረ ምንቅስቓስን ዘጋጥሞ ነገራትን፡ ገዛ ንዕኡ መዕቆቢት እያ ነይራ። ናይ ብሓቂ መስሓቕ እዩ ነይሩ፤ ኣብ ቃልሱ ዝሓገዞ ዓቢ ናይ ዋዛ ስምዒት ከም ዝነበሮ ብዙሓት ኣይፈልጡን እዮም።

እቲ ንኣቦኺ ዝተወፈየ ክሳብ ዕለት 15 ጥሪ ሮማ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ሳፒየንዛ ንምርኢት ዝቐርብ ትርኢት፡ ኣብ ርእሲ ብዙሕ ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ምዕራባውያን ፈጺሞም ዘይሰማምዑሉ ንዘመናት ዝጸንሐ ጊልያነት መግዛእቲ ምፍልላይ ንምስትንታን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና . . .

ኣብ ዓለምና ዓሌታዊ ዘይምዕሩይነት ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብዙሕ ቃንዛ ፈጢሩ እዩ ይፈጥር እውን ኣሎ። ነዚ ጉዳይ እዚ እንተድኣ ኣመልኪትናዮ፡ እቶም ካብኡ ዝያዳ ተጠቀምቲ ዝኾኑ - ማሕበረሰብ ጸለምቲ- ነዚ ታሪኽ ምሉእ ብምሉእ ክርድኡን ፍትሓውነትን ፍትሕን ንምፍጣር ክሕግዙ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክንፈልጥ ይግባእ። እዚ ድማ መጽናዕቲ ይሓትት። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ነቲ ገና ዝቕጽል ዘሎ ስርዓታዊ ጭቈና ዝወረስና ብዛዕባ እዚ ግፍዕን መግለጺታቱን ናይ ምምሃርን ኣፍልጦ ናይ ምሃብን ሓላፍነት ኣሎና።

እቲ ኣብዚ ታሪኽ እዚ ዘጋጠመ ፍጻመታት ሎሚ እውን ጽልዋን ሳዕቤናትን ከም ዘለዎ ኣይርድእዎን እዮም ። ጸዓዱ ማሕበረሰብ ካብ ካልኦት ማሕበረሰባት ንላዕሊ ንሓድሕድካ ንምስሓብን ንምትሕብባርን ዝሓሸ ዕድል ከም ዘለዎ እኣምን እየ። ዓሌትነት ኣብ ውሽጢ መዋቕርናን ስርዓታትናን እዩ ዘሎ።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ድሕሪ ክልተ ወርሒ መቕተልቲ ኣቦኺ ኣብ 1968 ዝተመስረተ ማእከል ማራቲን ሉተር ኪንግ ኢኺ፡ ንጥፈታትኪ እንታይ እዩ?

ማእከል ማርቲን ሉተር ኪንግ ንስራሕን ህይወትን ሕድሪን ኣቦይ ህያው መዘከርታ ኮይኑ፡ ኣደይ መጻኢ ወለዶታት ለውጢ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ ንኽፈልጡ ግሉጽ ዕላማ ሒዛ ዝመስረተቶ እዩ። ስለዚ ቀንዲ ዕላማና ምምሃርን ምምልማልን ዘይጎነጻዊ ማሕበራዊ ለውጢ ምዝርጋሕን እዩ። ዘይጎነጻዊ ኩለንተናዊ ኣነባብራ እምበር መልክዕ ቃልሲ ጥራይ ስለዘይኮነ "ዘይጎነጻዊ ን365 መዓልታት - ብዘይ ምቑራጽ ዝንበር መትከል እዩ” ቢላ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት ትዛዝም።

16 Dec 2025, 09:26