ናይጀርያ፡ ካብ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም ዝተጨውዩ ሚእቲ ህጻናት ነጻ ተለቒቖም
ማሕበር ክርስትያን ናይጀርያ እቶም ካብ ካቶሊካዊት ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም ተጨውዮም ዝነበሩ ተመሃሮ ናጻ ከም እተለቁ ክሕብር እንከሎ እዚ ሓበሬታ እዚ ግን ሰብ መዚ ዘረጋገጽዎ እውን እንተኾነ ብዛዕባ ኩነታት እቲ ምፍታሕ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃቡን: ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ህጻናት ምስቶም ዝማረኹዎም ብዝተገብረ ድርድር ድዮም ወይስ ብሰንኪ ስርሒት ጸጥታ ከምዝተፈትሑ ንጹር ኣይኮነን።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 21 ሕዳር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጉጅለ ዕጡቓት ብውሕዱ 303 ተማሃሮን 12 መምህራንን ካብ ካቶሊካዊት መባእታን ካልኣይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ቅድስቲ ማርያም ጨውዮም ከም ዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ሓምሳ ተማሃሮ ብቕጽበት ክሃድሙ ከም ዝኸኣሉን ልዕሊ 100 ተማሃሮ ኣብ ኢድ ጨወይቶም ከም ዝነበሩ እዩ ዝፍለጥ።
መዓት ጭውያ
እዚ ጭውያ እዚ ኣብ ሰሜናዊ ናይጀርያ ስግኣት ከም ዝፈጠረን ኣብኡ ድማ ዕጡቓት ሸፋቱ እቶት ንምርካብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብያተ-ትምህርቲ ንጃምላ ጭውያ ዒላማ ከም ዝገብሩን ካብ 2014 ኣትሒዙ ዕጡቓት ቦኮ ሓራም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ግዝኣት ቦርኖ ኣብ ቺቦክ ልዕሊ 200 ኣዋልድ ምስ ጨውዩ እቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ናይጄሪያ ዝፍጸም ጭውያ እናገደደ ይኸይድ ከም ዘሎ እዩ ዝንገር።
09 Dec 2025, 17:48