ቀጠር፡ ተኹሲ ደው ምባል ኣብ ቓዛ ከም ምሉእ ምኽባር ስምምዕ ሰላም ክሕሰብ ዘይከኣል እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
መራሒ መንግስቲ ቀጠር ሸኽ መሓመድ ቢን ዓብደልራሕማን ኣልጣንኒ ንጉባኤ ዶሕ ኣብ ዝሃብዎ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 5 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓይልታት እስራኤል ብዋሽንግተንን ሕቡራት ሃገራትን ዝድገፍ ውጥን ሰላም መሰረት ካብ ወሽመጥ ቓዛ ክሳብ ዘይንሰሓቡ ምሉእ ብምሉ ተግባራዊ ኮይኑ ምባል ጌጋ እዩ እንክብል ኣጠንቂቑ፡ ኣቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ መንጎይና ኣካል፡ ነቲ ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ስምምዕ ሰላም “ንቕድሚት ዝወስድ ተግባሪ መገዲ ክብገስ” ይዓዪ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። “ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኵነታት ክሳብ ሕጂ ምቁራጽ ተኹሲ ተተግቢሩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና . . . ሓይልታት እስራኤል ካብ ቓዛ እንተዘይወጺኦም፡ ምርግጋእ ተመሊሱ፡ ሰባት ብናጽነት ክንቀሳቐሱ እንተዘይክኢሎም፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ውዒሉ ምባል ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ስምምዕ ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ከቢድ ኵናት ደው ዘበሎ እኳ እተኾነ፡ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ልዕሊ 360 ፍልስጤማውያን እስራኤል ብዝፈነወቶ ቶዂሲ ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ጥዕና ቓዛ ዝሃቦ ጸብጻብ ጠቒሱ የረጋግጽ።
ዕለት 5 ታሕሳስ ካብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ግብጺ፣ ዮርዳኖስ፣ ኢንዶነዥያ፣ ፓኪስታን፣ ቱርኪ፣ ስዑዲ ዓረብን ቀጠርን ዝመጹ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፣ እስራኤል ንመሳገሪ ራፋሕ ነበርቲ ቓዛ ናብ ግብጺ ንምግዓዝ ብሓደ መንገዲ ጥራይ ክኽፈት፣ ዝብል ሓሳብ ዘሕደረሎም ስክፍታ ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣፍሊጦም፡ ፍልስጤማውያን ብሓይሊ ካብ ቓዛ ንኽወጹ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ፈተነ ብምንጻግ፡ ነቲ ብርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ እቲ መሳገሪ ብኽልቲኡ ወገን ክፉት ክኸውን ዘቕረቦ ውጥን፡ ክትግብር ሓቲቶም፡ መሰጋገሪ ራፋሕ ካብ ግንቦት 2024 ጀሚሩ፡ ሓይልታት እስራኤል ግዝኣታት ፍልስጤም ካብ ዝሓዙሉ እዋን ጀሚሮም መብዛሕትኡ ግዜ ተዓጽዩ ከም ዝጸነሐን። ቅድሚኡ፡ ቀንዲ መውጽኢ ካብ ቓዛን ቀንዲ መእተዊ ሰብኣዊ ሓገዝን ከም ዝነበረ ዝዝኸር እዩ።