ድለ

TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT TOPSHOT-PALESTINIAN-ISRAEL-CONFLICT  (AFP or licensors)

ዓመተ 2025 ንጋዜጠኛታት ቀታሊት ዓመት

ሰገር ዶባት ዝኾኑ ግዜጠይናታብ ኣብዚ ዓመት እዚ ቍጽሪ እቶም እተቐትሉ ጋዜጠኛታት ዝገልጽ ጸብጻብ ኣውጺኦም "ዓመተ 2025 ንጋዜጠኛታት ቀታሊት ዓመት ከም ምንባራ፣ ናብ ጽልእን ዓመጻን ዝመርሕ እዩ ኩነት ኢዩ" ድማ ይብሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

እዛ ብግጭታት እተመልከተት ዓመት፣ እተወደበ ገበናት ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ጽልእን ዝመልአ ዓመት ኮይና፣ 67 ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም 503 ተኣሲሮም 135 ጠፊኦም 20 ድማ ጅሆ ተታሒዞም ይርከቡ ኣለዉ። እዚ ኣሃዛት እዚ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ዓመታዊ ጸብጻብ ሪፖርተራት ሰገር ዶብ (RSF) ዝቐረበ ኣሃዛት ግዳያት ኲናት ጥራይ ዘይኰነስ፣ ንሓቂ ንምምስካር ቈራጽነት ዝገበሩ ድምፂ ሕዝቢ፣ ደይመደይ ኢልካ ስቕ ንምባል እተገብረ ምንቅስቓሳት ዜመልክት ኢዩ።

"እዞም ጋዜጠኛታት ኣይሞቱን። ተቐቲሎም እዮም።" እዚ ፍልልይ እዚ ኣብ ልዕሊ ጋዜጣዊ ዘገባታት ዚፍጸም ዓመጽ ብሃንደበት ዘይኰነስ ደይመደይ ኢልካ ዚፍጸም እዩ - እቶም ናጻ ሓበሬታ ክገልጹ ዚኽእሉ ንኽርዕዱ ዚገብርዎ ውጥን ድማ ኢዩ ዜርኢ።

ዳርጋ ፍርቂ ካብቶም ኣብዚ ዓመት እዚ እተቐትሉ ጋዜጠኛታት - 43 ሚእታዊት - ኣብ ቃዛ ህይወቶም ህይወቶም ዝሰኣኑ እዮም፣ ብመሰረት እቲ ዝወጸ መግለጺ ከም ዘመልክቶ ሓይልታት እስራኤል ብተደጋጋሚ ንሰራሕተኛታት መራኸቢ ብዙሓን ዒላማ ገይሮምሉ እዮም ዘጥቅዑ ዘለዉ። እቲ ዝተዋህበ መግለጺ፣ ነዚ ሓቂ እዚ ብምምዝጋብ ልክዕ ከም ግጭታት ሓደገኛ ዝዀነ ዞባ እዩ ክብል ዘመላኽት።

እዚ ግን ኣብ ቃዛ ጥራይ ኣይኮነን ዝነበረ። ካብ ዩክረይን ክሳዕ ሱዳን፣ ካብ የመን ክሳዕ ሶርያ፣ ጋዜጠይናታት ይጠፍኡ ይእሰሩ ወይ ብቐጥታዊ ዒላማ ወተሃደራውን ካልኦት ጕጅለታትን መጥቃዕቲ ይወርዶም ኣሎ። እዚ ብሃንደበት ካብ ግንባራት ዝቐረበ ጸብጻባት ዘይኰነስ፣ ካብ ናይ ግዳያት መሰኻኽር እተገብረ ጻዕሪ ምዃኑ ውን የጉልሕ።

ኣብ ስግር ውቅያኖሳት ካልእ መስርሓት እውን ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ላቲን ኣመሪካ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሜክሲኮ እንተ ወሓደ ትሽዓተ ጋዜጠኛታት ተቐቲሎም፣ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ዝፍጸም ዓመጽ ናይ ገዛእ ርእሱ ጭካነ ዝመልኦ ጕዕዞ ኮይኑ ይርከብ ኣሎ። ናይ ዕጸ ፋርስ ምዝውዋራት፣ ሓሽሽ፡ ብልሹውና ዝኣመሰሉ ተግባራት ናይቲ ኸባቢ ሓይልታት ከምኡውን ሱር ዝሰደደ ምንቅስቓስ ገበነኛታት መርበብ ሓቂ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ሞት ፍርዲ ዘምጽእ ሃዋህው ኮይኑ ኣሎ።

እዚ መግለጺ ከም ዘመልክቶ፣ ነዚ ቐጻሊ ቅልውላው እዚ፣ ዓመጻ "ሜክሲካዊነት" ክብል ገሊጽዎ ይርከብ፣ እዚ ኸኣ ምፍርራህን ምጥፋእን ቅትለትን ብናጻ ጋዜጠይናታት ስቕ ንምባል ብስርዓት ዚጥቀመሉ መስረሕ ምስፍሕፋሑ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣጋጣሚታት እቶም ገበነኛታት ኣይተተንከፉን ብዘይ መቕጻዕቲ ድማ ተወሳኺ ምፍሳስ ደም ኣብ ምግባር ይቕጽሉ ኣለዉ።

ካብ ማእከላይ ምብራቕ ክሳዕ ላቲን ኣመሪካ፣ ነዞም እተፈላለዩ ዞባታት ሓድነት ከም ዝህልዎም ዝገበረ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት፣ ማለት መሰል ሓበሬታ ምርካብ ብቐጻሊ ምብልሻው እዩ። ጋዜጠኛታት ዒላማ ምስ ዝኾኑ፣ ሕብረተ-ሰብ ኣዒንቶምን ኣእዛኖምን ይዕጸዉ ኣለዉ። ኣብዛ ብግጉይ ሓበሬታን ምክፍፋልን እናተቐረጸት እትኸይድ ዘላ ዓለም፣ ናጻ ሓበሬታ ዘይምህላው ንማሕበረሰብ ንምትላልን ንፍፍራህን እተቓልዑ ይገብሮም ኣሎ።

እዚ መግለጺ ከም ዝመልከቶ ንሓቂ ምጥባቕ ወይ ምክልኻል፣ ካብ ምክልኻል ህይወት ዘይፍለ ምዃኑ ዘዘኻኽር ውን ኢዩ።

11 Dec 2025, 12:29