ሶርያ ኣብ ሞንጎ ቀጻሊ ብድሆታት
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሶርያ፡ ድሕሪ ናይ ኣስታት 14 ዓመታት ግጭት ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ንነዊሕ እዋን ኣብታ ሃገር ዝነበረ ስርዓት ኣልበሽር ናጻ ዝኾነትሉ ቀዳማይ ዓመት ትጽምብል።
ን54 ዓመታት ስልጣን ሒዙ ዝጸንሐ ስርወ መንግስቲ ኣልኣሳድ፡ ድሕሪ’ቲ ብሰፊሕ ስቅያትን ዓፈናን ዝኽሰስ ናይ 24 ዓመት ስልጣኑ፡ መጥቃዕቲ ዓመጽቲ ንኣሳድ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላይ ከም እተዛዘመን። ክሳብ 300 ሽሕ ሰባት ደሃዮም ዝጠፍኡ ኮይኖም፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ጃምላዊ መቓብራት ከምዘለዉ ይእመን።
እቲ ኲናት ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ቅልውላዋት ስደት ዓለም ዘበገሰ ኮይኑ፡ 6.8 ሚልዮን ሶርያውያን - ኣስታት ሲሶ ካብ ጠቕላላ ህዝቢ - ኣብ 2021 ካብ ዓዲ ከም እተሰደን ልዕሊ ፍርቂ ኣብ ጎረቤት ሃገር ቱርኪ ዝነብሩ ኮይኖም፡ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ኣብ ሊባኖስን ዮርዳኖስን ዕቝባ ከም ዝረኸቡን ልዕሊ 3 ሚልዮን ሶርያውያን ድም ኣና ዓዶም ከም ዝተመልሱ ይንገር።
ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ ትማሊ ሶኑይ ሕብረት ኤውሮጳ ንሶርያ ዝህቦ ደገፍ ኣረጋጊጹ፣ ኣብ ፍትሒ፣ ዕርቅን ሕውየትን ዘተኮረ ሰላማዊ፣ ብሶርያ ዝምራሕ መስርሕ ክካየድ ቃል ክኣተው እንከሎ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ምስግጋር ክድግፎ ኣተሓሳሲቡ፣ ዓወት ኣብ ቀጻሊ ሰብኣዊ ምወላ፣ ዳግመ ህንጸትን ቁጠባዊ ምዕባለን ከምዝምርኮስ የተሓሳስቡ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ "እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ካብ ፖለቲካዊ ምስግጋር ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ፤ ዝተበታተኑ ማሕበረሰባት ዳግማይ ንምህናጽን ዓሚቝ ምፍልላይ ንምፍዋስን ዕድል'ዩ" እንክብል ሓላፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምምልካት፡ "ነፍሲ ወከፍ ሶርያዊ - ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ጾታ ወይ ፖለቲካዊ መርገጺኡ ብዘየገድስ - ብውሑስ መንገዲ፡ ብማዕረ፡ ብኽብሪ ክነብረሉ ዝኽእል ህዝቢ ንምፍጣር ዕድል'ዩ" ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ይሕብር።