ድለ

ማሕበረሰባት ደቀባት ብዛዕባ ከባቢያዊ ለውጢ እንታይ ይምህሩና? ማሕበረሰባት ደቀባት ብዛዕባ ከባቢያዊ ለውጢ እንታይ ይምህሩና? 

ማሕበረሰባት ደቀባት ብዛዕባ ከባቢያዊ ለውጢ እንታይ ይምህሩና?

ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር፡ ምምዝባል እንስሳ ዘገዳምን ፖለቲካዊ ዶባትን ንማሕበረሰባት ደቀባት ብኸመይ ዳግማይ ይቐርጽዎም ከምዘለዉ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብዝተፈላለየ መርትዖታት ዘረጋግጽዎ ሓቂ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ደቀባት ዝነብሩሉ መሬታት መዳርግቲ ዘይብሉ ሃብቲ ብዙሕነት ህይወት ዝሓዙ ኮይኖም፣ ሎሚ ልዕሊ 470 ሚልዮን ደቀባት ኣብ መላእ ኣስታት 90 ሃገራት ዝነብሩ ክኾኑ እንከለዉ፣ ክብሪ ፍልጠት ደቀባት ኣብ ምዕቃብ ብዙሕነት ህይወት ምፍላጥን ጽልዋታት ለውጢ ከባቢያዊ ኣየር ምፍታሕን ማለት ምዃኑ ክንገር እንከሎ፡ “መሰል ርእሰ ውሳኔ ደቀባት፣ መገዲ ውሕስነት መግብን ልዑላውውነት ደቀባት መንነቶም ናይ ምዕቃብ መሰል ከም ዘለዎም ዝተረጋገጸ እኳ እንተኾነ፣ እዚ መሰል እዚ ግን ብሰንኪ እቲ ካብ እተፈላለየ ሃገራትን መንግስታትን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ምግባት መሬት ሕርሻ ኣመና ኣብ ሓደጋ ወዲቁ ከም ዘሎ እዩ ዝፍለጥ፡ እዚ ዝፍጸም ምምንዛዕ መሬት፣ ኣብ ልዕሊ ደቀባት ብዙሕ ጉድኣት ዘስዕብን መሰል ማሕበረሰባት ክቡር ህይወት ኣብ ሓደጋ ዘእቱን እዩ።

"ባህሉን መንነቱን ናይ ምዕቃብ መሰል ምክልኻልን፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዎ ሉዑል ክቡር ዋጋ ኣፍልጦ ምሃብ፡ ከምኡ'ውን ምሕላው ህላወኦምን መነባብሮኦምን ኣገደስቲ ዝኾኑ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ይጠልብ" ምክልኻል መሰላት ደቀባት ናይ ፍትሒ ጉዳይን ከምኡ’ውን ንኹሉ ሰብኣውነት ዘላቒ መጻኢ ዝውሕስ መንገዲ እዩ። “ናይ ሰብኣዊ ስድራቤት ምዃንና ብዘለና ስምዒት ተደሪኽና፡ መጻኢ ወለዶታት ምስቲ ንኢድ ኣምላኽ ኣብ ፍጥረት ዝመርሖ ጽባቐን ሰናይን ዝሰማማዕ ዓለም ከስተማቕሩ ከም ዝኽእሉ ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና፣” ንውርሻ ደቀባት ብምንኣድ፡ ትውፊት ኣቦታቶም “ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን፡ ብጽዑቕን ዝተሓላለኸን ብድሆታትን ብዙሕ ወጥሪታትን ዝተለለየ ናይ ተስፋ ኣድማስ” እዩ።

መሰልን ትውፊትን ደቀባት ንምሕላው ዝግበር ጻዕሪ ፍረ ክህልዎ መታን “እዚ ጻዕርታት እዚ ንመራሕቲ ሃገራት ደቅሰብ ነቲ ሓባራዊ ረብሓ ንምርካብ ብሓባር ምእንቲ ኽመላለሱ ግቡእ ስጕምትታት ንኽወስዱ ክተባብዑ ኣለዎም።

22 May 2026, 13:25