ድለ

ሽምግልና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሩሲያን ይክረይንን ሽምግልና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሩሲያን ይክረይንን 

ሽምግልና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ሩሲያን ይክረይንን

እቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ዝግበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ጻዕርታት እንተ ወሓደ ብመሰረት መንግስቲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ነጥበ - መቐይሮ ዝበጸሐ ይመስል። ዕለት 12 ግንቦት ርእሰ ብሔር ዶናልድ ትራምፕ ምዝዛም እቲ ግጭት "ኣዝዩ ቐረባ" ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘመልከተ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ትራምፕ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ቀረባ እዋን ክዛዘም ዝከኣል ምዃኑ ዕለት 12 ግንቦት ንጋዜጠይናታት ዝሃብዎ መግለጺ፡ ክሬምሊን ብዛዕባ መሰረታዊ ስጕምትታት እንክሕብር፡ መንግስቲ ኪየቭ ግን ዝኾነ ይኹን ዘረጋግጽ ኮነ ዝኽሕድ መግለጺ ከይሃበ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ መዓልትታት እተኣወጀ እሱራት ናይ ምልውዋጥ ስምምዕ ምድንጓዩ ይኹንን።

ሕብረት ኤውሮጳ ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ልቓሕ የረጋግጽ

እቲ መግለጺታት ብኸፊል ብወሃቢ ቃል ክሬምሊን ፐስኮቭ፡ ዝያዳ ብጥንቁቕ ኣቕዋም ዝተረጋገጸ ኮይኑ፡ ብመሰረቱ እቲ ግጭት ንምፍታሕ ብዙሕ ስጕምትታት ከም እተወስደ ግን ንጹር ዕለታትን ሸቶታትን ዘተ ብዝምልከት ገና ብዙሕ ይስራሕ ከም ዘሎ ይፍለጥ። መንግስቲ ኪየቭ ብዛዕብ ነቲ ትራምፕ ዝሃቦ መግለጺ ዘረጋግጽ ኮነ ዝኽሕድ መግለጺ ከይሃበ - ዘለንስኪ ምስ 20 ሃገራት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምዕዳግ ስምምዕ ኣብ ፍጻመ ንምብጻሕ ይጽዕር ከም ዘሎ እንክንገር ገለ ናይ መንግስቱ ኣባላት ብብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ገበናት ከም ዝጥርጠሩን ኣብዚ ኩነታት እዚ ኣውሮጳ ንዩክረይን ዝለዋ ምሉእ ደገፍ ተረጋግጽ።

ለይቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ሩሲያ ብዝፈነወቶ መጥቃዕቲ ኣብ ዞባ ድኒፕሮፔትሮቭስክ ሸሞንተ ሰባት ከም ዝሞቱን ዓሰርተ ሓደ ድማ ከም ዝቖሰሉን ሓይልታት ምክልኻል ኣየር ዩክሬን ኣብ ሓደ ለይቲ፡ ካብተን ሩስያ ዘወንጨፈተን 139 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ እተን 111 ከም ዘፍሸለት ክንገር እንከሎ ሰራዊት ሩስያ ዕለት 12 ግንቦት ምሸት 286 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዩክሬን ከምዝዓገተን ከምዘዕነወን እውን ይሕብር። ኣብዚ መንጽር እዚ፡ ምንጭታት ዩክሬን ሩስያ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብትራምፕ ዝተኣወጀ "1000 ን 1000" ዝብል ምልውዋጥ እሱራት ተደናጉዮ ኣላ ዝብል ክስታት የቕርቡ ምህላዎም ዜና ቫቲካን ይሕብር።

13 May 2026, 14:46