ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዓለማዊ ቅልውላው ይቕጽል ኣሎ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዓለም ዝተገልጸ ስምምዕ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢራንን ተግባራዊ ክኸውን ኣብ እትጽበየሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ከባቢ መጻብቦ ሆርሙዝ ዝፍጠር ምዝንባዕ ማእከላይ ስክፍታ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።
ተመራመርቲ ስነ - ቑጠባ ሕቡራት ሃገራት፡ ዓለማዊ ቀረብ ነዳድን ዱኽዕን ኣብ “ሓደገይና ትሑት ደረጃ” ከምዘሎ የጠንቅቑ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ ምንካይ ምህርቲ መግቢ ስክፍታታት ዘቕርብ ምዃኑ እንከመላኽቱ፡
ስልታዊ ዕቑር ነዳዲ ናብ 357 ሚልዮን በርሚል ኣብ መዓልቲ ወሪዱ ከም ዘሎን እዚ ድማ ካብ መጀመርታ 1980ታት ጀሚሩ እቲ ዝወሓደ ደረጃ ስልታዊ ዕቑር ነዳዲ ምዃኑ የጒልሑ።
ምስ ኤል ኒኖ እተተሓሓዘ ኣብ ሰሜናዊ ንፍቀ - ክቢ ዘሎ ማዕበል ሙቐት ዘስዕቦ ጸቕጢ ይውስኽ ከም ዘሎን፡ ዝዀነ ይኹን ተወሳኺ ቀይድታት ምንቅስቓስ ብመጻብቦ ሆርሙዝ ናብ ዓለምለኻዊ ሕጽረት ነዳዲ ክመርሕ ዝኽእል ምዃኑ ይሕበር።
ንኣርባዕተ ወርሒ ዝጸንሐ ዓመጽን ምምዝባልን ኣብ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ከቢድ ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎን፡ ብዝሒ ሕዝቢ ዓለም ዝከታተል ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካል - UNFPA ከም ዝጸብጸቦ ልዕሊ 1.4 ሚልዮን ሰባት ማለት ልዕሊ 20 ሚእታዊት ህዝቢ ከም እተመዛበለን ካብዚኣቶም 16,000 ድማ ነፍሰ ጹር ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ መሳለጥያታት ጥዕና ዝወረደ ጕድኣት ነቲ ናይ ኣዴታትን ናይ ሕርስን ክንክንን ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ እውን ይድርቶ ምህላዉ ይንገር።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንኮሎ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ኲናት ሕጂ እውን ይቕጽል ከም ዘሎን ዩክረይን ንርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ነቲ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ኲናት ደው ንኸብሎ ጸቕጢ ንምግባር ሰኑይ ኣብ ሞስኮ ካልእ መጥቃዕቲ ከም ዝፈነወት ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብነፋሪት እተፈነወ መጥቃዕቲ ኣብ ሓደ ናይ ነዳዲ መጻረይ ፋብሪካ ከም ዝወደቐን እዚ ድማ ካብቲ ሩስያ ዕለት 24 ለካቲት 2022 ምሉእ ጸረ ዩክረይን ውግእ ካብ ዘግበሰትሉ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ርእሰ ከተማ ሩሲያ እተፈጸመ ዝዓበየ መጥቃዕቲ ምዃኑ ይንገር።
ተቘጻጸርቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጽዎ ግንቦት 2026 ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ሰላማውያን ሰባት ግዳያት ዝኾኑሉ ወርሒ ምንባሩ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጎ ሰራዊትን ሓይልታት ቅልጡፍ ደገፍን እተበገሰ ከቢድ ኲናት ኣብ ራብዓይ ዓመቱ ከም ዝኣተወን፡ ኣህጉራዊ ሕጊ እንኮላይ ስርዓታዊ ጾታዊ ዓመጽ እውን ዘጠቓልል ሰፊሕ ጥሕሰት ኣሎ።
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ስቓይ የውርዱ ከም ዘለዉን ኣብ ልዕሊ ወሳኒ ትሕተ ቅርጽታት ድማ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምጥቃም ከቢድ ኪሳራ የስዕቡ ከም ዘለዉን ኣብዚ ቐረባ እዋን ድማ ኣብ ስነ - ስርዓት ቀብሪ ዝተእከቡ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሕ ሞትን ማህሰይትን ከም ዘስዓበን ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳዕ ግንቦት 2026 ልዕሊ 1,000 ሰላማውያን ሰባት ብመጥቃዕቲ ነፈርቲ ከም እተቐትሉ ይንገር።