ድለ

ኣብ ቬንዙዌላ  ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ይቕጽል ኣሎ ኣብ ቬንዙዌላ ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ይቕጽል ኣሎ  (AFP or licensors)

ኣብ ቬንዙዌላ ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ይቕጽል ኣሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብተኸታታሊ ብከቢድ ርእደ መሬት ንዝተሃርመ ህዝቢ ቬንዙዌላ ድሕሪ ዘቕረብዎ ጸሎትን ሓገዝን፡ ዕለት 29 ሰነ ኣጋ ምሸት 4.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ርእደ መሬት⁠ ኣብ ሰሜን ርእሰ ከተማ ካራካስ ከም እተሰምዐን፣ ⁠ጉጅለታት ኣድሕን ህይወት ድማ ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ንኽረኽቡ ተስፋ ብምግባር ንራብዓይ መዓልቲ ብዘይምቁራጽ ን24 ሰዓት ይሰርሑ ከም ዘለዉ ዜና ቫቲካን የረጋግጽ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ኣዕናዊ ርእደ መሬት ሰኑይ ዕለት 29 ሰነ ኣጋ ምሸት ኣብ ቬንዙዌላ ዘጋጠመ ርእደ መሬት በርገሳውያንን ህጹጽ ረድኤት ዝህቡን ጉጅለታት ኣድሕን ህይወትን ዝፈረሱ ዑናታት ኣብ ምእላይን ተቐቢሮም ዝተረፉ ሰባት ኣብ ምርካብን ኣብ ዝተውፈሩሉ እዋን ዘጋጠመ ኮይኑ፡

ሓደ በዓል ስልጣን ሃገራዊ ባይቶ ቬንዙዌላ፡ ብሰንኪ እቲ ዕለት 29 ሰነ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ተወሳኺ ጕድኣት ኣስዒቡ ድዩ ኣየስዓበን ዝሕብር ብኡንብኡ ዝቐረበ ጸብጻብ ከም ዘየለ እንክሕብር፡ እቲ ዕለት 24 ሰነ ዘጋጠመ ክልተ ተኸታታሊ ድርእደ መሬትን ኣስታት 1,500 ሰባት ከም ዝቐተለን። እቲ ናይ ምድሓን ጻዕርታት ብፍላይ ኣብቲ ከቢድ ጒድኣት ዘጋጠመሉ ላ ጓይራ ዘተኰረ እዩ።

ብዝሒ ደሃዮም ዘይተረኽበ

ኣስታት 50,000 ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ከም ዝጠፍኡ ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት ከኣ ብህይወት ዘለዉ ሰባት ናይ ምርካብ ተኽእሎ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ስንበት ዕለት 28 ሰነ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፍሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ንዅሎም እቶም በቲ ርእደ መሬት እተጐድኡ ሰባት ጥብቂ ርክብ ከም ዘለዎም ገሊጾም። ነቶም "ናይ ምድላይን ምድሓንን ጻዕርታት ብልግሲ ዚፍጽሙ" ሰባት እውን ከም ዜመስገኑ ዝዝከር ኮይኑ፡ ክኢላታት ከም ዝገለጽዎ ድሕሪ ባህርያዊ ሓደጋ ናይ መጀመርታ 48 ክሳዕ 72 ሰዓታት ንምድሓን ወሳኒ እኳ እንተ ዀነ ኣብ ትሕቲ ፍርስራስ እተዓጽዉ ሰባት ምግብን ማይን እንተ ረኺቦም ብህይወት ኪጸንሑ ከም ዝኽእሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቬንዙዌላውያን መንግስቲ ዝመርሖም ናይ ምድሓን ጻዕርታት ጽላሎት ከም ዘለዎን ብቑዕ እውን ከም ዝዀነን ብምግላጽ ብርቱዕ ነቐፈታ የቕርቡ ከም ዘለዉ ይሕበር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ቬንዝዌላ ደልሲ ሮድሪገዝ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ልዕሊ 2,600 ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወትን ዝሰልጠኑ ናይ ምንዳይ ብቕዓት ዘለዎም ኣኽላባትን መጋበርያታትን ሒዞም ብምምጻኦም እቲ ብህይወት ዝተረፉ ሰባት ምድላይ ዝግበር ጻዕሪ ክቕጽል ምዃኑ ንህዝቢ ከም ዘረጋገጸት እውን ይንገር።

30 Jun 2026, 16:21