ድለ

ቓዛ ምስ ብዙሕ ሰብኣዊ ጸገማት ትቃለስ ቓዛ ምስ ብዙሕ ሰብኣዊ ጸገማት ትቃለስ   (ANSA)

ቓዛ ምስ ብዙሕ ሰብኣዊ ጸገማት ትቃለስ

ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ቓዛ ከቢድ ጽቕጥቕጥ ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋንን ኩነታት ጥዕና ህዝቢ እናተበላሸወ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ዝተፈላለየ ዓይነት ሕማም ንምክልኻል ይጽዕራ ኣለዋ።

ዜና ቫቲካን

ናይ ትካል ሓልዮ ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - UNICEF ወሃቢ ቃል ጀምስ ኤልደር ከም ዝገለጾ፡ እቲ ኣብ ቓዛ ዘሎ ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ጭካነ ዝመልኦን ዘይጭበጥ ሕልሚ" ኰይኑ ኣሎ፣ ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝወጸ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ዕርቂ ካብ ዝእወጅ ኣትሒዙ ልዕሊ 250 ፍልስጥኤማውያን ቈልዑ ከም ዘተቐትሉ ብምምልካት፡ ኣስዒቡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ እንተ ወሓደ ሓደ ቘልዓ ኸም ዝቕተልን ልዕሊ 400 ካልኦት ድማ ከም ዝቘሰሉ ብዙሓት ከኣ ህይወቶም ዚቕይር ቍስሊ ኸም ዘጋጥሞ ኣፍሊጡ፡ ቈልዑ ኣብ ኣባይትን ኣብያተ-ትምህርትን መዕቈቢታትን ይሞቱ ኸም ዘለዉን ብቐጻሊ ንዓመጽ ምቅላዕ ንብዙሓት ሰባት ከቢድ ስነ - ኣእምሮኣዊ መጒዳእቲ ከም ዘስዕበሎም ድማ ኣጠንቒቑ፡ እዚ ኸምዚ ኢሉ እነከሎ ኣብ መላእ ቓዛ ዘሎ ሰብኣዊ ዅነታት ኣዝዩ ኸቢድ እዩ ከም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ትካላት ረድኤት ከቢድ ሕጽረት ዘይቲ ሞተር፡ ጎማታትን መለዋወጢ ኣቑሑትን ከምዘጋጠመንን፡ እዚ ድማ ንህይወት ‑ ዘድሕን ስርሓት ኣብ ሓደጋ ከምዘእቱ ብምሕባር። ዓለም ለኸ ሽማግለ ቀይሕ መስቀል ብሰንኪ ሕጽረት ኬሚካላትን መለዋወጢ ኣቑሑትን ምህርቲ ማይ ካብቲ ቅድሚ ጥቅምቲ 2023 ዝነበረ ብ40% ከምዝወረደ ይሕብር።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 70% ህዝቢ ቓዛ ኣብቲ ብትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤም ስደተይናታት - UNRWAን መሻርኽቲ ትካላትን ኣብ ዘቕርብዎ ዝስተ ማይ እዩ ዝምርኮስ። ብመሰረት ጸብጻብ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት - UNICEF 1.1 ሚልዮን ህጻናት መዓልታዊ ሕጽረት ቀረብ ማይ የጋጥሞም ከም ዘሎን ኣብ ካልእ ቦታታት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ብኲናት ሓማስን እስራኤልን ኣብ ዝዓነወ ከባቢታት፡ ንኣሽቱ ሕርሻዊ ንጥፈታቶም ዳግማይ ንምህናጽ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓረስቶት ዝድግፍ ኮይኑ፡ ኣብዚ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ንጥፈታት እስራኤል፡ ሓረስቶት “ኣብቲ እናንከየ ዝኾይድ ዘሎ ናይ ዞባታቶም ቦታ ክጨናነቑ ዝድርክ እውን ምዃኑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ።

ትካል መርሓ ግብሪ መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት፡ ንዝያዳ ፍልስጤማውያን ወሳኒ ሓገዛት፡ ናብ ቓዛ ብቐሊሉ ንኽበጽሑ ህጹጽ ጻውዒት የቕርብ።

20 Jul 2026, 15:47