ድለ

Several injured in Israeli airstrike in southern Gaza Several injured in Israeli airstrike in southern Gaza  (ANSA)

ማእከላይ ምብራቕ፦ ኣብ ጋዛ ጓል ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ ብምቕታላ ተወሳኺ ሰባት ይሞቱ ኣለው

እስራኤል ኣብ ቃዛ ወተሃደራዊ ንጥፈታታ ትቕጽል ኣላ፣ ሓንቲ ጓል ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ከም እተቐትሉ ድማ ተገሊጹ ኣሎ፣ ኣብ ከተማ ሮማ ሓድሽ ዝርርብ እስራኤልን ሊባኖስን ይካየድ ኣሎ፣ ከምኡ ውን እስራኤል ኣብ ጥቅምቲ ናይ ፓርላማ ምርጫ ንምክያድ ትዳሎ ኣላ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ሰንበት ብውሕዱ ሓሙሽተ ሰባት ኣብ ሰፈራታት ቃዛ ብዝተፈጸመ መጥቃዕትታት እስራኤል ተቐቲሎም ኣለዉ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል ኣብ ከተማ ቃዛ ኣብ ከባቢ ሳብራ መጥቃዕቲ ከም እተፈጸመ ተረጋጊጹ፣ ነቲ ገና ስርሒቱ ዝፍጽም ዘሎ ኣጽዋር ዜፍሪ ሃማስ ዒላማ ኸም ዝገበረ ብምግላጽ፣ ነቲ ቐጻሊ ዝርርብን እቲ ጕጅለ ነቲ ናይ ስራሕ ክእለቱ ንምምላስ ዝገበሮ ፈተነን ብንጹር ከም ዝጥሕስ ተገሊጹ ኣሎ።

ሰራዊት እስራኤል ግን ኣብ ኑሴራት ኣብ ዝርከብ ደምበ፣ ሓንቲ ጓል ትሽዓተ ዓመት ቈልዓ ከም እተቐትለት ዝገልጽ ጸብጻባት ርግጽነት ኣይሃቡን።

ግንባር ሊባኖስ

እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብ ዲፕሎማስያዊ ግንባር ኣብ መንጎ እስራኤልን ሊባኖስን ሓድሽ ዙር ዝርርብ ሎሚ ዕለት 14 ሓምለ ክጅምር ትጽቢት ይግበረሉ ኣሎ፣ ክሳዕ ጽባሕ ዕለት 15 ሓምለ ድማ ኣብ ሮማ ኣብ ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ክቕጽል ትጽቢት ይግበረሉ።

ብመሰረት ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ልኡኻት እስራኤልን ሊባኖስን ድሮ ናብ ርእሰ ከተማ ኢጣልያ በጺሖም ኣለዉ። እቲ ዝርርባት ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ክልተ ናይ ፈተነ ዞባታት ኣብ ምፍጣር ዘተኰረ ክኸውን ድማ ትጽቢት ይግበረሉ።

ምርጫ ኣብ እስራኤል

ኣብ እስራኤል ኣብ ዕለት 27 ጥቅምቲ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ፓርላማ ምርጫ እውን ኣቓልቦ ይግበረሉ ኣሎ።

ካብ 1988 ንነጀው ኣብ መወዳእታ ምሉእ ሓጋጊ እዋን ዝካየድ ናይ ፓርላማ ምርጫ ድማ ክኸውን ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ካልእ ናይ ስልጣን እዋን ክረክብ ድማ ትጽቢት ይግበረሉ፣ ነቲ ዝመረጾ ተካኢ ድማ ድሮ ከም ዝተሓበረ ተገሊጹ ኣሎ። ቀቅድሚ እቲ ኣብ ዕለት 4 ነሓሰ ዝካየድ ናይ ሊኩድ ምርጫ "ሰፊሕ ሃገራዊ መንግስቲ" ክግበር ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ብመሰረት ጸብጻባት መራኸቢ ብዙሓን ምምሕዳር ትራምፕ ንየማናይ ርሑቕ ዘይጠቅም መንግስቲ ንምቛም ድማ ይድግፍ ኣሎ።

14 Jul 2026, 18:51