ድለ

ሃይቲ፡ ኣብ ጥቓ ፖርት - ኦ - ፕሪንስ ዕጡቓት ጕጅለታት ከቢድ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ሃይቲ፡ ኣብ ጥቓ ፖርት - ኦ - ፕሪንስ ዕጡቓት ጕጅለታት ከቢድ መጥቃዕቲ ፈጺሞም 

ሃይቲ፡ ኣብ ጥቓ ፖርት - ኦ - ፕሪንስ ዕጡቓት ጕጅለታት ከቢድ መጥቃዕቲ ፈጺሞም

ኣብ ሃይቲ ልዕሊ 40 ሰባት ከም ዝተቐትሉን መንግስቲ ነቲ ፍጻመ "ጽዩፍ መጥቃዕቲ" ብምባል ጸጥታ ከሐይል ቃል ይኣትው። ኣብ ኬንስኮፍ (እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ካብ ርእሰ ከተማ ርሕቕ ቢላ እትርከብ ከተማ) ዝርከቡ ሃይቲውያን ኣብ ከቢድ ተስፋ ምቑራጽ ከም ዝርከቡን፡ ሓላፊ ሓይሊ ጸጥታ እቲ ከባቢ ካብ ስልጣኑ ክወርድ እውን ይሓቱ ከም ዘለዉን፡ ንልዕሊ ኣስታት 70 ክሳብ 75% ርእሰ ከተማ ይጸልዉ ወይ ይቆጻጸሩ ተባሂሉ ዝንገረሎም ዕጡቓት ጉጅለታት ካብ 10,000 ክሳብ 15,000 ዝኾኑ ወተሃደራት ዘለዎም ምዃኑ ይግመት።

ዜና ቫቲካን

ዕጡቓት ጕጅለታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃይቲ ዕንወት የውርዱ ኣለዉ። ኣብ ፖርት - ኦ - ፕሪንስ ከባብን ዝምልከት ኣብ ዝተኻየደ ካልእ ናይ ለይቲ ወራር ጕጅለታት ዝተረኽበ ዳሕረዋይ ጸብጻብ 47 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 22 ድማ ከምዝቖሰሉን ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ዝግምት ሃገራዊ መርበብ ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላት (Réseau National de Défense des Droits Humains) ይሕብር።

ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ

መንግስቲ ነቲ ፍጻመ "ጽዩፍ መጥቃዕቲ" ብምባል ጸጥታ ከሐይል ቃል ኣትዩ ኣሎ። ኣብ ኬንስኮፍ (እቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ካብ ርእሰ ከተማ ርሕቕ ቢላ እትርከብ ከተማ ርእሰ) ዝርከቡ ሃይቲውያን ብሓቂ ተስፋ ከም ዝቖረጹን መኮንናት ሓይሊ ጸጥታ ውጽኢታዊ መርበብ ድሕነት ከቕርቡ ኣይከኣሉን ብምባል፡ ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ይሓቱ ከም ዘለዉን። ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ብቕልጡፍ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ "ክፍሊ ከተማ ኬንስኮፍ በይና ከም ዘይትሕደግን፡ ብዘይ “ምሕላልን ምድጓይን” ሕግን ስርዓትን ክምለስ ምዃኑ የረጋግጽ። እታ ካብ ርእሰ ከተማ ንደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 10 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ከተማ፡ ናብ ፖርት-ኦ-ፕሪንስ ዝኣትዉ መስመራት ስለ እትቆጻጸር፡ ከም ስልታዊ ነጥቢ ትቑጸር። በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድሮ ብዕጡቓት ጕጅለታት ደርዘን መጥቃዕትታት ኣጋጢምዋ ኣሎ፡ እዚ ድማ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ገዝኦም ክሃድሙ ተገዲዶም። ብመሰረት ኣብ ሃይቲ ፍሉይ ወኪል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ካርሎስ ሩይዝ ማሴው ኣብ መንጎ ሚያዝያን ሰነን ዘቕረቦ ኣሃዛት 1.5 ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም 1600 ግዳያት ኮይኖም ኣለዉ። እቲ ስነ ሜላዊ ክልተኣዊ ብተወሳኺ ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ልዕሊ ኣስታት 70 - 75% ፖርት - ኦ - ፕሪንስ ጽልዋ ወይ ዝቆጻጸሩ ካብ 10,000 ክሳብ 15,000 ዝኾኑ ሰራዊት ክህልዎም ከምዝኽእሉ ኣመልኪቱ። ብመሰረት ማሴው፡ ዋላ’ኳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቓልቦን ደገፍን እንተሃለዎ፡ ነቶም ጕጅለታት ምግታእ ግን ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ኣስታት 1.5 ሚልዮን ተመዛበልቲ ውሽጢ ሃገር

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ኣህጉራዊ ትካል ስደተይናታት ነዚ ጉዳይ ኣልዒሉ፡ ኣብ መእለይ ተመዛበልቲ፡ ሕጽረት መጽለሊ፡ መግቢ፡ ዝስተ ማይ፡ ክንክን ጥዕናን ስነ - ኣእምሮኣዊ ደገፍን ከምዘሎ ጸብጺቡ። ብመሰረት ጸብጻብ ዓለም ለኸ ትካል ስደት - IOM፡ ሃይቲ ክብረወሰን ዝሓዘ ቁጽሪ ኣስታት 1.5 ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ተመዛበልቲ ከም ዘለዉዋን፡ እዚ ድማ ካብ ጠቕልላ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ኣስታት 12% ዝሽፍን እዩ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣዋልድን ህጻናትን ዝያዳ ይጥቅዑ። ፍልይቲ ወኪል ዋና ጸሓፊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንህጻናትን ዕጥቃዊ ግጭትን ቫኔሳ ፍረዘር፡ ኣብ 2025 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብጉጅለታት ዝግበር ምልመላን ምጥቃምን ምስቲ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ኣቃሊዓ። ሕጂ ህጻናት ካብ 30% ክሳብ 50% ኣባላት ገበነይናታት ጕጅለታት ይውክሉ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ፡ ህጻናት ዝቕተሉ ወይ ስንኩላን ዝረኣዩሉ ጉዳያት ዳርጋ ብዕጽፊ ክውስኽ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ ግን ክሳብ ሕጂ ብሰፊሑ ይርአ ኣሎ። ፍሬዘር ኣስዒባ - ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝገበረቶ ዑደት፡ “ኣብ ሃይቲ፡ ህጻናት ኣብ ቀጻሊ ዑደት ዓመጽ ይነብሩ፡ ምዕባይ ማለት ድማ መዓልታዊ ንኽነብሩ ምቅላስ፡ ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ ምንባር፡ ከምኡ’ውን ንሽዳን፡ ምግፋፍ፡ ዓመጽን ስንባደን ምግጣም” ማለት ምዃኑ ብቕረባ ከም እተዓዘበት ተረጋግጽ።

ወቕቲ ህቦብላ ይጅምር

እቲ ኩነታት ምስ ምጅማር እቲ ክሳብ ሕዳር ክጸንሕ ትጽቢት ዝግበረሉ ወቕቲ ህቦብላ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ። እቲ ምዕባይን ምሕያልን ዓመጽ ምስቲ ድሕሪ 2016 ንፈለማ እዋን ዝካየድ ናይ ርእሰ ብሔርን ሓጋጊ ኣካልን ምርጫ ዕለት 13 ታሕሳስ ዝውስን ክኸውን ከም ዝኽእልን፡ ኣብቲ ዝካይገድ ምርጫ ብቑዕ ድምጺ ዝረኸበ ሕጹይ ተምራጺ እንተይ ተረኺቡ ኣብ መንጎ እቶም ዝለዓለ ድምጺ ዝረክቡ ክልተ ሕጹያት ካልኣይ ምርጫ ዕለት 21 ለካቲት 2027 ክካየድ መደብ ከም ዘሎን እዚ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ውጽኢት ህዝባዊ ምርጫ ዕለት 7 መጋቢት ብወግዒ ክንገር ዝድርኽ ይኸውን። እቶም ዝተቐመጡ ዕለታት ምስ ኩነታት ጸጥታ እታ ሃገርን ንዋጋታት ምርጫ ዝሽፍን ገንዘብን ብቐረባ ዝተኣሳሰሩ ምዃኖም ርዱእ እዩ። ኣብዚ ቀረባ እዋን መረጻ ብተደጋጋሚ ተናዊሑ እዩ። ይኹን እምበር መደብ ውዳበ ምርጫ ተጀሚሩ ኣሎ፣ ዕለት 31 ሓምለ ድማ ኣብቶም ውሑሳት ተባሂሎም ዝሕሰቡ ከባቢታት ዓሰርተ ማእከላት ብምኽፋት ምዝገባ መረጽቲ ተጀሚሩ ኣሎ። ሓይቲ ካብ 2017 ክሳብ 7 ሓምለ 2021 ነታ ሃገር ዝመርሐ ጆቨነል ሞይሰ ካብ ዝቕተል ንደሓር ዝተመርጸ ርእሰ ብሔር የብላን። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዓመጽ፡ ትካላት ብደሞክራስያዊ ምርጫ ንኸይሕደሱ ይኽልክል። እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝድገፍ ሓይሊ ምዕፋን ጕጅለታት ንሓይሊ ጸጥታ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ዕጡቓት ጕጅለታት ንምሕጋዝ ዝተዋህቦ ኮይኑ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ክሳብ ዝመጽእ ጽድያ ቁጽሪ ወትሃደራት ካብ 5500 ክብ ናይ ምባል ዕላማ እውን ኣሎ።

26 Aug 2026, 15:44