ድለ

2021.09.16 Incontro delle Associazioni di Fedeli 2021.09.16 Incontro delle Associazioni di Fedeli 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንክንልወጥ ዓዲሞምና! ምንቅስቃሳትን ማሕበራትን ምእመናን ድሕሪ ርክብ ር.ሊ.ጳ

መራሕቲ ምንቅስቃሳትን ማሕበራትን ምእመናን ኣብቲ ብላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምእመናንን ሥድራቤትን ሕይወትን ዝሓሊ ክፍሊ ቅድስት መንበር ዝተሰናደወ ጉባኤ ተሳቲፎም ምስ ር.ሊ.ጳ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ቅዱስነቶም ንጹር ሓበሬታ ከምዝሃብዎም ምናዳ ኸኣ ንጸዋዕታ ነፍሲወከፍ ምንቅስቃስን መንፈስ መሥራቲኡን ኣብ ግምት ብም እታው ነፍስወከፍ መራሒ ኣገልጋሊ ምዃኑ ተገንዚቡ ካብ ኩሉ ምዝመዛ ሥልጣንን ካልእ ዓመጽን ሓራ ክኾኑ ሓደራ ዝበልዎም ብምዝካር ወከልቲ ፎኮላሪ ቅዱስ ኤጂድዮ ውህበታዊ ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ማሕበር ዮሓንስ መበል 23 ከምኡ እውን ምንቅስቃስ ኒዮ ካቶኩመናሊ ርእይቶታቶም ንኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ሂቦም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዝሓለፈ መደብና ከምዝገለጽናዮ ቅስዱነቶም ንመራሕቲ እዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሳን ካልኦት ዓለምለኸን ክልላውያንን ምንቅስቃሳት ም እመናን መራሕትን ድሕሪ እቲ ንም እመናንን ሥድራቤትን ሕይወትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስት መንበር ዘሰናድዎ ርክብ ተጋቢኦም ምስ ፈጸሙ ምስ ቅዱስነቶም ኣብ ዝተራኸበሉ ቅዱስነቶም ብመሠረት ሓዲስ ኣውጅ መርሕነት ናይተን ምንቅሳቃሳት ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ከምዝሃቡ ምናዳ ‘መራሒ ምዃን! ኣመሓዳሪ ምዃን’ ዝብላ ቃላት ኣብ ምሕደራ እዘን ምንቅስቃሳት እዚኤን ኣገልግሎት እምበር ጒይትነት ከምዘይኮነ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ድጋጊሞም ኣብ ቤተክርስትያን መራሒ ሓላፊ በዓል ሥልጣን ወዘተ ኰንካ እንክትምረጽ ኣገልግሎት እዩ፤ እዚ ምስ ዝዝንጋዕ ግን በብቊሩብ ብርሃን ክርስቶስ ክቅህም ይጅምር ጸልማት ዓለም ይስዕርር፤ በዚ ምኽንያት እዚ ቤተክርስትያን ብዙሕ ናይ ጸልማት ግዝያት ኣሕሊፋ እያ፤ ድሕሪ ጉባኤ ቫቲካን እውን እንተኾነ ንውሉደ ክህነትን ሰብ ውፉይ ሕይወትን እትምልከት ማሕበር ቅድስት መንበር ብዙሕ መጽናዕትታት ብምክያድ ገሊአን ማሕበራትን ምንቅስቃሳትን ኣብ ዓዘቅቲ ሰፍ ዘይብል ሓጢኣት ከምዝርከባ እንክምልከት ካብ ኩሉ እቲ ዝኸፍአ ጾታዊ ዓመጻት መሠረቱ ኣብ ምዝመዛ ሥልጣን ምዃኑ ተራእዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ዓመታት ብዙሕ ግዜ ቅድስት መንበር ቀለልቲ ዘይኮነ ናይ ምት ዕርራይ ዳኝነት ኣካዪዳ እያ! ዘተሓሳስበኒ ግን እዚ ጥራይ ዘይኮነ ድኽመት ውህበት መንፈስ ቅዱስ ናይ ገሊኤን ማሕበራት ኣይዝሑል ኣይምውቅ ኰይነን ንካልኦት ናብአን ናይ ምስሓብ ክእለተን ክጠፍእ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ፤ ንስኹም እውን እቲ ተዋሂቡኩም ዘሎ ሥልጣን እንትርፊ ኣገልግሎት ካልእ ኣይኮነን’ ድሕሪ ቢሎም ዕንቅፋት ህርፋን ሥልጣንን ዘይተኣማኒ ምዃንን’ ይትረፍ ንመራሕቲ ንማንም ክርስትያን ሓቀኛ ኣገልጋሊ ኣምላኽን ብጾቱን ከይከውን ይዕንቅጻ። ከም ኣብነት ከኣ ኣብ ዘዘለውዎ ሓላፍነት ኣብ ኩሉ ጒዳያት ናይታ ዝመርሕዋ ማሕበር ሰበኻ ቊምስና ወዘተ እንክውስኑ፤ ንገሊኡ ሥርሓት ግን ንካልኦት ክውኩሉ ዝእዝዝ መሪሕ እኳ እንተሎ፤ ብዙሕ ግዜ ኣብ ሓሳብ ጥራይ ይተርፍ፤ ንኩሉ ባዕለይ ክገብሮ ዝብል ነቲ ውክልና ይውሕጦ፤ በዚ ህርፋን እዚ ምትሕግጋዝን ምምልላእን ዓዲ ምስ ወዓለ እታ ካልአይቲ ፈተና ትቅልቀል ክልተ ክልተ ብምጥማት እምነት ምጒዳል! በቲ ሓደ ወገን ገለ ኰንካ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ተጻዩ ኰንካ ክንበር ይፍተን! ሕይወት ሓጢኣት እናነበርካ ጻድቅ ኰንካ ክትረአ ትቃለስ! ናይ መን ከም እትኸውን ማለት ናይ እግዚኣብሔርዶ ናይ ኣነነት ይጠፍ ኣካ ኩሉ ፋሕ ይብ! ዕንቅፋት ይፍጠር!’ ዝብል ተሪር መብርሂ ከምዝሃብዎም ዝዝከር እዩ። ነዚ ቅዱነቶም ‘ጒዕዞ ምንጻሕ’ ምንቅስቃሳትን ማሕበራትን ም እመናን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኢሎም ዝገለጽዎ ሰፊሕ ትንትርና ኣዋጅ ምልዋጥ መራሕቲ ካብ ዝተኸታተሉ መራሕቲ ገሊኤን ምንቅስቃሳት እንታይ ከምዝቀሰማ ን ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ዝሃባኦ መግለጺ ነቅርበልኩም።

ፎኮላሪ! ክንዮና ካልኦት እውን ክመርሑ ከምዝኽእሉ ንመሃር  

ምኽትል ፕረሲደንት ምንቅስቃስ ፎኮላሪ ኸሱስ ሞራን ንምኽሪ ቅዱስነቶም ኣመልኪቶም ‘ቅዱስነቶም ኣብ ዝሃቡና ቃል ምስ ምሕደራን መሪሕነት ዝተሓሓዝ ኩሉ ሓደጋታት ብምግላጽ ኣጠንቂቆምና እዚ ከኣ ካብቲ ኩነታት ቤተክርስትያን ዘይፍለዮ ሥልጣን ጀሚርካ ዘሎ ሓደጋታት እንክኾን ብብርሃን ወንጌል ክንሰግሮም ዘሎና ሓደጋታት እዮም፤ ምንም ምስትምሳል የሎን ቅድሚ ሕጂ ነሮም ሕጂ እውን ኣለው ንብዙሓት ከኣ ኣሕዚኖምና እዮም፤ ስለዚ ነዚ ኣብ ልብና ሒዝና ንኩሉ ክንእርም ነዚ ሓደጋታት ከኣ ክንሰግሮ ኢና’ ኢሎም።  

ከም ኣመለኻኽታ ሞራን ምዕዳን ቅዱስነቶም ሓዲስ ከምዘይኮነ እኳ ደኣ በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሓዙላ ዕለት ጀሚሮም ጒስነታውን ወንጌላውን ለውጢ ክንገብር ብምጽዋዕ ሡር ኩሉ ህርፋን ሥልጣን ምዃኑ ደጋጊሞም ገሊጾምዎ እዮም፤ ንኣብነት ዝምረጹ ኣሕሉቅ ከይተለወጡ ንነዊሕ ግዜ እንተጸኒሖም ዝገደደ ከኣ ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሓደጋ ውድቀት እንተተረኺቡ በብግዜኡ ኣሕሉቅ መሪጽካ ክትውልጥ የድሊ፤ ስለዚ እቲኦም ዝምረጹ ደጊም ኣብቂዔ እየ ተረከቡኒ ምባል ክመሃሩ ማሕበራት ከኣ ጽሩይ መረጻ ኣመሓደርቲ ክገብሩ ግድን እዩ፤ እንተ ዕንቅፋት ዘይግቡእ ኣጠቃቅማ ሥልጣንን ንምንቅስቃሶም እውን ብዙሕ ከምዘሳቀየ ኣይሓብአን።

ክበድ መዝነትካ ዘክር ዝብል ጻውዒት! ማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ!

ንምኽትል ሓላፊ ምንቅስቃስ ፎኮላሪ ስ ዒቢም ር እይቶኦም ዝሃቡ ናይ ቅዱስ ኤጂድዮ ማሕበር ፕረሲደንት ዝኾኑ ማርኮ ኢምፓልያዞ ነቲ ንነዊሕ ግዜ ማሕበሮም ኣብ ቤተክርስትያን ምናዳ ኸኣ ኣብ ኅብረሰብ ዘበርከቶ ዘኪሮም ቅዱስነቶም ንግደ ም እመናን ኣብ ቤተክርስትያን ኣብ ኅብረተሰብን ብምጒላሖም ዕጋበት ከምዝተሰምዖ ድሕሪ ምግላጽ፤ እዚ ግን ንክን እዱ ወይ ንከሐጒሱና ኢሎም ዘይኮነ ኣብ ውሽጡ ዓቢ መል እኽትን ጻው ዒትን ዝሓዘ እዩ ኢሎም፤ እዚ ጻው ዒት እዚ ከኣ ቅድሚ ዝ ኣገረ ዝተሰከምናዮ ሓላፍነት ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ክንግንዘብ እሞ ሓላፍነትና ብግቡእ ክንለብስ ምሳኣ ተታሓሒዛ ትመጽእ ከኣ ናይ ተጠንቀቅ ደወል ማለት እዚ ሓላፍነት እዚ ወይውን መዝነት ንበሎ ምሕደራ ከም ኣገልግሎት ክንቅበሎን ክንነብሮን ዘዘኻኽር ጻውዒት እዩ፤ እዚ ከኣ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ምሕደራ ቤተክርስትያን እምበር ብፍላይ ንምንቅስቃሳት ም እመናን ጥራይ ዝምልከት ከምዘይኮነ በሪሁልና ኢሎም። እዚ ኣገልግሎት እዚ ወንጌላዊ ኣገልግትሎ ኰይኑ ኣብ ጒ ዕዞ እዘን ምንቅስቃሳት እዚአን ዝተራእየ ብዙሕ ጸገማት ክህሉ ግድን እዩ ር.ሊ.ጳ ሓደ ክልተ ጠቂሶም ንተሓድሶን ለውጥን እንተዓደሙ ከኣ ግቡእ እዩ፤ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምልክታት ግዜ ብምንባብ ሓላፍነት ናብ ሓደስቲ ወለዶታት ንክሳገር ምቅያር መራሕቲ ግድን እዩ ኢሎም።

ህርፋን ሥልጣን ንኣገልግሎት ዘይባህሪኡ የልብሶ!

ኣብ መወዳእታ ር እይቶታቶም ዝሃቡ ፕረሲደትን ተሓድሶ ብመንፈስ ቅዱስ ሳልቫቶረ ማርቲነዝን ናይ ዮሓንስ መበል 23 ማሕበር ጠቅላሊ ሓላፊ ጆቫኒ ራሞንዳ ኰይኖም፤ ሳልቫቶረ ማርቲነዝ ናይዘን ማሕበራትን ምንቅስቃሳትን ዝተፈላለይ ውህበታት ኣብ ገግዜኡ ሓልዮት ኣምላኽ ዝግለጸለን መጋበሪታት ምዃነን ቅዱስነቶም ዝበልዎ ምናዳ ኸኣ ኣብ ዘመነ ለበዳ ኮቪድ 19 እግዚኣብሔር በዘን ማሕበራት እዚኤን ገቢሩ ሓልዮቱ ከምዝገለጸን ንብድሕሪ ሕጂ እውን እዘን ማሕበራት እዚኤን ንታሪኽን ግድነታት ደቂሰባትን ክፉታት ክኾና እሞ ካብ ፍቅሪ ሥልጣን ሥልጣን ፍቅሪ ተረዲኤን ንሥልጣን ፍቅሪ ክግዛኣ እዚ ከኣ ነቲ ዝተሰከማኦ ኣገልግሎት ባህርዩ ከልብሶ እዩ ኢሎም።

ጆቫኒ ራሞንዳ እውን ብወገኑ እንተደኣ እዘን ምንቅስቃሳትን ማሕበራትን ም እመናን እዚኤን ንድኻታት እሙን ኣገልግሎት ክህባ ኰይነን እዚ ቅዱስነቶም ዘቅርብዎ ጻው ዒት ተሓድሶን ለውጥን ብሓቂ ግዝያውን ዘሐድስን ትርጉም ዘለዎም እዩ እንክብሉ ር እይቶኦም ሂቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
18 September 2021, 13:17