ድለ

ኣብ ቡቻ ዘስቅቅ ጭቃኔ ተራእዩ! ውግእ ደው ይበል! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ሮቡዕ ዕለት 6 ሚያዝያ 2022 ዓም ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ካብ ርእሰ ከተማ ኡክራይና ክየቭ ውጽእ ኢላ ኣብ እትርከብ ቡቻ በመራኸቢ ብዙሓን ዝተዘርገሔ ፈቀዶኡ ዝተዛሕዘሐ ሬሳታት ‘ዘስቅቅ ጫካኔ’ ክብሉ ምስ ገለጹ ካብ ኡክራይና ዝተሰዱ ሕጻናት ካብ ቡቻ ዝመጸት ባንደራ ምስ ኣረከብዎም `ካብ መረበትካ ክትምንቈስ ከቢድ እዩ’ ምስበልዎም `ድምጺ ውግእ ደው ኣብሉ’ እንክብሉ ተሪር ምሕጽንታ ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቲ ፍጻሜ ማሳክሮ ማለት ጽንተት ጅምላዊ ቅትለት ህልቂት ምዃኑ ብምግላጽ እዚ ግን ብቀጥታ ናብ ሰማይ ናብ እግዚአብሔር ዚዓርግ ገዓርን ኣውያትን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ‘በጃኹም እዚ ውግእ እዚ ደው ይበል! ድምጺ ኣጽዋር ሱቁ ይበል፣ ሞትን ዕንወትን ምዝራእ ደው ይበል’ እንክብሉ ነቲ ልዕሊ ሰብዓ ረሳታት ሰላማውያን ሰባት ኣብ መንገድታት ቡቻ ተሰጢሖም ገሊኡ ረሳታት ንድሕሪት ኣእዳው ዝተኣስረ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ኰኒኖም።

ካብ ውግእ ኡክራይና ዝመጽእ ዜና ክንዲ መስተርሆትን ተስፋን ሓደስቲ ጭካነ ዝመልኦም ግፍዕታት ከም ጃምላዊ ቅትለት ቡቻ የግሁዱ ኣለው። ተጻይ ሰላማውያን ሰባትን ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣንስትን ሕጻናትን ዝፍጸም ዘስካሕክሕ ጫካነ እዩ! እዞም ግዳያት እዚኦም ንጹሕ ደሞም ክሳብ ሰማይ ብምግዓር ‘እዚ ውግእ እዚ መወዳእታ ይገበረሉ! ድምጺ ኣጽዋር ውግእ ሱቊ ይበል! ሞትን ዕንወትን ምዝራእ ደው ይበል’ እናበለ የዕዊ ኣሎ ኢሎም።

ካብ ቡቻ ዝመጸት ባንደራ!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣደራሽ ንዝነበሩ ብሕዙን ቃና ስለዚ ኩሉ ክጽልዩ ድሕሪ ምምሕጻን ካብ መንበሮም ተላዒሎም ኣብ ትሕቲኦም ንዝነበረት ባንደራ ኡክራይና ኣልዒሎም ‘ትማሊ ካብ ቡቻ ነዛ ባደራ እዚኣ ኣምጺኦምለይ። እዛ ባንደራ ካብ ግንባር ውግእ ካብታ ብስቃይ ትደሃኽ ዘላ ቡቻ ማለተይ እዩ’ ኢሎም።

ሰላምታን ህያብን ሕጻናት!

ቅዱስነቶም ብዛዕባ ኡክራይና ኣብ ዚዛረቡሉ ዝነበረ ህሞት ካብ ኡክራይና ዝመጹ ስደተኛታት ሕጻናት ብወለዶም ተሰንዮም ብኢዶም ዝሰኣልዎም ባደራታት ኡክራይናን ጣልያንን ምልክት ፍቅሪ ልብን ዝተሳእሎ ምስ ሃብዎም ‘ነዞም ሕጻናት ሰላም ንበሎም ምሳኦም ሓቢርና ኸኣ ንጸሊ’ ኢሎም።

“እዚኦም ሕጻናት እዚኦም ካብ ዓዶም ክሃድሙን ኣብ ዓዲ ጓና ክመጹን ተገዲዶ፣ ፍረ ውግእ ከኣ እዚ እዩ። ኣይንረስዓዮም ንሕዝቢ ኡክራይና እውን ኣይንረስዕ ኢሎም።”

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነታ ባንደራ ስዒሞም ባሪኾም ምስ ኣውረዱ፣ ነቶም ሕጻናት ናይ ፋሲካ እንቛቊሖ ብምልጋስ ባሪኾም ሓባራዊ ስእሊ ተሳኢሎም ምስ ኣፋነውዎም ኣብ መንበሮም ኰፍ ክብሉ እንከለው ‘ካብ መረበትካ ብምኽንያት ውግእ ክትምንቈስ ብዘይመጠን ጽንኩር እዩ’ ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 April 2022, 16:04