ድለ

እግዚአብሔር ጨካን ዳኛ ኣይኮነን! እኳ ደአ መሓርን ይቅረ በሃልን እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ጎይታይ መንገዲ ትእዛዛትካ ምሃረኒ። ክሳዕ መወዳእታ ድማ ክሕልዎ እየ። ሕግኻ ክሕሉ መመያ ሃበኒ። ብምሉእ ልብኻ ድማ ተዓዘቦ። ኣብ መንገዲ ትእዛዛትካ ምራሕኒ፣ ምኽንያቱ ሓጎሰይ ኣብኦም ስለ ዘሎ። [...] መብራህቲ ስጉምተይ ቃልካ እዩ፣ ብርሃን ኣብ መንገደይ።’ (መዝ 119.33-35.105)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

ገና ብዛዕባ መመያ ዝገበርናዮ መዛዘሚ ሎሚ ንድምድሞ ስለዘሎና፣ እቶም ክሳብ ሕጂ ነዘን ኣስተንትኖ ዝተኸታተሉ ምናልባት: እዚ መመያስ ከመይ ዝበለ ዝተሓላለኸ ጉዳይ እዩ! ቢሎም ክሓስቡ ይኽእሉ። ከም ሓቁ ግን ህይወት እዩ ዝተሓላለኸ፡ ምንባቡ እንተዘይተማሂርና፡ ከምቲ ተሓላሊኻቶ ዘላ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዓቢ ጭንቀት ከውርዱና ብዚኽእሉ  ምኽኒታት ተጐቢእና ናይ ምብኻኑ ሓደጋ ከጋጥመና ይኽእል።

ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጉባኤና ንድለዮ ኣይንድለዮ ኣብ መዓልታዊ መነባብሮ ኩሉ ግዜ መመያ ነካይድ። እዚ ከኣ ኣብ እንበልዖስ ይኹን ኣብ እነንብቦ፡ ኣብ ስራሕስ ይኹን ኣብ ዝምድናታት፡ ኮታስ ኣብ ኩሉ ኩሉ መመያ ከም እንፍጽም ርኢናዮ ኢና። ህይወት ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሜና ምርጫታት ተቀምጠልና! ነዚ ኣስተዊዕልና እንተዘይገይርናዮ ድማ ኣብ መወዳእታ ህይወት ባዕላ ትመርጸልና እሞ፡ ክንከዶ ናብ ዘይንደልዮ ትወስደና።

ይኹን እምበር፡ መመያ በይንኻ ኣይኰነን ዚግበር። ሎሚ ብዛዕባ ነዚ ናይ መመያ ልምምድ ቀሊል ክገብርዎ ዝኽእሉ ገለ ሓገዛቲ ዝኾኑ ንመንፈሳዊ ህይወት ከኣ መተካእታ ኣልቦ ዝኾኑ ጉዳያት ክንምልክተ ኢና። እዚ ኸኣ ሽሕ’ኳ ብገለ መንገዲ ድሮ ኣብ መስርሕ ዝሓለፈ ጉባኤታት ኣጋጢሞምና እንተዀኑ  ጽማቕ ትሕዝቶኦም ምድጋም ብዙሕ ክሕግዘና እዩ።

መተካእታ ዘይብሉ ቀዳማይ ሓገዝ ነዚ ጉዳይዚ  ምስ ቃል ኣምላኽን ምስ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያንን ምውድዳሩ እዩ። እዘን ክልተ ጉዳያት እዚኤን ኣብ ልብና ንዝንቀሳቐሱ ነገራት ንክነንብብ ይሕግዙና፣ ንድምጺ ኣምላኽ ኣለሊና ካብቶም ኣቓልቦና ዝስሕቡ ዝመስሉ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ምድንጋር ዘእትውና ካልኦት ድምጽታት ንክንፈልዮ ይሕግዙና። ድምጺ ኣምላኽ ብህድኣት፡ ሓሳባትና ጠርኒፍና፡ ኣብ ስቕታ ተጸሚድና ጽን ቢልካ ዝድመጽ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የጠንቅቐና። እስከ ብዛዕባ ተመክሮ ነቢይ ኤልያስ ንሕሰብ፦ እግዚኣብሄር በቲ ኣእማን ዝፍንቀል ንፋስ ወይውን ብሓዊ ወይውን ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣይኮነን ዝተዛረቦ፣ እንታይ ደኣ ብህዱእ ንፋስ እዩ ዝተዛረቦ (1ነገ 19፡11-12 ርአ)። እዚ ኣብነት እዚ ኣምላኽ ብከመይ ከም ዝዛረብ ክንርዳእ ዝሕግዘና  ኣዝዩ ጽቡቅ ምሳሌ እዩ። ድምጺ ኣምላኽ ተጽዕኖ ኣይገብርን፡ ልቦና ዝመልኦን፡ ብክብረት ዝቀርብን እዩ። ብወገነይ ድምጺ ኣምላኽ ትሑት እዩ ክብል ምደፈርኩ፣ ብልክዕ ድማ በዚ ምኽንያት እዚ ሰላም ዘውርድ እዩ። ብሰላም ጥራይ ድማ ኢና ኣብ መዓሙቊ ውሻጠና ኣቲና ነቲ ጎይታ ኣብ ልብና ዘቐመጦ ሓቀኛ ድሌታቱ ማለት ፍቃዱ ከነለልዮ እንኽእል። እንተኾነ ብዙሕ ግዜ ናብታ ናይ ልቢ ሰላም ምእታው ቀሊል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ንሕና ወትሩ ትሑዛት ኢና፣ ኣብዚዶ ኣብትዶ ንየው ነጀው እናበልና ምሉእ መዓልቲ ዕንክሊል ንብል። ... እንተኾነ በጃኻትኩም፣ ቁሩብ ህድእ ቢልኩም፣ ኣብ ገዛእ ርእስኹም ተመለሱ፣ ኣብ ነብስኹም እተው። ንክልተ ደቓይቕ እሞ ደው በሉ። ኣብ ልብኹም እንታይ እንታይ ከም ዝስምዓኩም ተመልከቱ። ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ነዚ ብግዲ ክንገብሮ ኣሎና! ብዙሕ ክሕግዘና'ዩ፡ ምኽንያቱ ኣብታ ህሞት ህድኣት ብኡንብኡ ድምጺ ኣምላኽ ከምዚ ክብለና እዩ፡ ‘ተመልከት እሞ ዝወደይ ብዚ እሞ ተመልከት እዚ ትገብሮ ዘሎኻ ጽቡቅ እዩ’  ወዘተ እናበለ ብህዱእ ድምጺ ክዛረበና እዩ። እዚ ግን ድምጺ ኣምላኽ ኣብቲ ህድኣት ብኡንብኡ ንክመጽእ ምስ እነፍቀደሉ እዩ ከመይ ንሱ ወትሩ ነዚ ይጽበየና ኣሎ።

ንሓደ ኣማኒ ቃል ኣምላኽ ዝንበብ ጽሑፍ ጥራይ ኣይኮነን፣ ቃል ኣምላኽ ህያው ህላወ እዩ፣ ዘጸናንዕ፣ ዝምህር፣ ብርሃንን፣ ሓይልን፣ ምሕዳስን ሂቡ ንህይወት ፍናን ዝህብን ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ቅዱስ መጽሓፍ  ምንባብ፡ ሓደ ንእሽቶ ክፍሊ፡ ሓደ ወይውን ክልተ ናእሽቱ ክፍላት ቅዱስ መጽሓፍ  ምንባብ፡ ከም ሓጸርቲ ቴለግራማት ካብ ኣምላኽ ብኡንብኡ ናብ ልብኻ ዝበጽሕ እዩ።  ብዘይ ምንም ምግናን ቃል ኣምላኽ ናይ ብሓቂ ቅድመ-ጣዕሚ ገነት እዩ። ነዚ ከኣ ሓደ ዓቢ ቅዱስን ጓሳን ዝነበረ ኣምብሮስዮስ፡ ጳጳስ ሚላኖ፡ ጽቡቕ ጌሩ ተረዲእዎ ስለ ዝነበረ፡ "መለኮታዊ ጽሑፍ ከንብብ ከለኹ፡ ኣምላኽ ኣብ ምድራዊ ገነት  ይመላለስ" (መልእኽቲ፡ 49,3) ኢሉ ጽሒፉ ነይሩ። ብመጽሓፍ ቅዱስ ገቢርና ነቲ ዝመላለስ ኣምላኽ ማዕጾና ንኸፍት። ብሓቂ ዘደንቅ እዩ።

እዚ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ቅዱሳት መጻሕፍቲ፡ ምስ ወንጌል ዝህልወና ስሚዒታዊ ርክብ ምስ ጎይታ ኢየሱስ ፍቅራዊ ዝምድና ናብ ምግባር ይመርሕ፡ ነዚ ኣይትፍራሕ! ከመይ ልቢ ንልቢ ይዛረብ፡ እዚ ድማ መተካእታ ኣልቦ ህያብን ብቀሊሉ ብዋዛ ዘይርከብን ካልእ ሓገዝ እዩ። ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝተዛብዐ ሓሳብ ክህልወና ይኽእል እዩ፣ ከም ሓደ ገናሒ ዳኛ፣ ከም ሓደ ጨካን ፈራዲ፣ ኣብ ጌጋ ክርኽበና ድልው ዝኾነ ሻቦጥ ኣብ ኢዱ ሒዙ ክገርፈና ከምዝጽበ ክንምልከቶ ንኽእል። ኢየሱስ ግን ብኣንጻሩ ልክዕ ከምቲ ኣብ ምሳሌ ጥፉእ ወዲ ዘሎ ኣቦ፡ ንዓና ክረኽበና ኢሉ ርእሱ ክስውእ ድሉው ዝኾነ ርህራሄን ለውሃትን ዝመልአ ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጸልና (ሉቃ 15፡11-32)። ሓደ እዋን፡  ሓደ ሰብ እንተስ ንኣዲኡ ይኹን እንተስ ንኣደ ዓባዩ ኣይዝክረንን ‘ኣብዛ ሁመት እዚኣ ግን እንታይ ክገብር ኣለኒ?” ቢሉ ይሓትት። እታ ዝተሓተት ድማ ‘ዋእ ኣነ ደኣ እንታይ ክብለካ፡ ንኣምላኽ ጽን ቢልካ ስማዕ! ንሱ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ክነግረካ እዩ። ልብኻ ንኣምላኽ ክፈት’ በለቶ: ብሓቂ ጽቡቕቲ ምኽሪ። ከምዚ ሕጂ ይዝከረኒ ሓደ እዋን፣ ኣብቲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ናብቲ ካብ ብወኖስ ኣየርስ 70 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ መካነ ንግደት እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘሉኻን ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት መንእሰያት ንምፍጻም ምሉእ መዓልቲ ንጐዓዝ፤ ምሉእ ለይቲ ኸኣ አናዘዝ ነይረ። ሓደ ካብቶም መንእሰያት ወዲ 22 ዓመት ኣቢሉ ይኸውን፣  መዓት ሓንጀ መንጅን ሒዙ ብንቅሳት ዝመልአ ሰውነት ሒዙ ናባይ ቅርብ ምስ በል፣ ‘ጐይታይን ኣምላኸይን እንታይ ተርእየኒ ኣሎኻ ቢለ ሓሲበ - እዝስ እንታይከ ክኸውን እዩ? ቢለ እናሓሰብኩ "፣ ‘ከቢድ ጸገም ስለዘለኒ ናባኹ ከምዝመጻእኩ ኣይጠፍኣካን እዩ! ነቲ ጸገመይ ንኣደይ ምስ ነገርክዋ `ናብ ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ኪድ! መንፈሳዊ ንግደት እሞ ግበር ሽዑ ንሳ ክትነግረካ እያ` ኢላትኒ፣ ነዚ ከኣ እየ መጺኤ። ኣብዚ ምስ መጻእኩ ቅዱስ መጽሓፍ ተራኺበ፣ ቃል ኣምላኽ ሰሚዐ ንልበይ እውን ብጣዕሚ ተንኪፉኒ፣ ሕጂ ነዝን ነዝን ክገብር ወሲነ ኣሎኹ’ በለኒ። እወ ቃል ኣምላኽ ንልብኻ ይትንክፍ፣ ህይወትካውን ይቕይሮ። ከምዚ ዓይነት ታሪኻት ብዙሕ እየ ርእየ። እግዚኣብሔር ነዛእ ርእስና ክነጥፍእ ስለዘይደሊ ዕለት ዕለት ክንሕይልን፣ ክንመሓየሽን ይደሊ። ኣብ ቅድሚ መስቀል ብጽሞና ዝጸንሕ ሓድሽ ሰላም ይስምዖ፣ ንኣምላኽ ዘይምፍራሕ ይመሃር፣ ምኽንያቱ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ንማንም ሰብ ኣየፍርሕን እዩ፣ መስቀል ምንም ከምዘይትኽእል ዘመልክትን ናይቲ እትቅበሎ ፍጹም ፍቅርን ምልክት እዩ።  ንዝኾነ ፈተናና ክብድህ ዓቅሚ ኣለዎ።  ቅዱሳን ወትሩ ነቲ ዝተሰቕለ ኢየሱስ ይመርጹ። ዛንታ ስቓይን ሕማማትን ኢየሱስ ንዝኾነ ክፍኣተ ግብሪ ብዘይ ምንም ጸገም ንክትጋደል ዘኽእል ጐደና ዓወት እዩ። ኣብኡ ኩነኔ ወይውን ኢድካ ምሃብ ዝበሃል የለን፣ ምኽንያቱ ከኣ ብዓቢይ ብርሃን ናብ ብርሃን ፋሲካ ስለ ዘሰጋግር እዩ። እዚ ድማ ኣብቶም ዘስካሕክሑ ተግባራት ማንም ክዕንቅጾ ዘይክእል ዝኾነ ዕንቅፋት ይኹን ውድቀት ኪዓግቶ ዘይኽእል ዝዓበየ መደብ ኣምላኽ ንምርኣይ የኽእለና። ቃል ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ብኻልእ ሸነኽ ከም እትጥምት ይገብረካ፡ ማለት ኣብዚ መስቀል ኣሎ፡ ዘካሕክሕ እዩ፡ እንተኾነ ክንዮኡ ካልእ ጉዳይ ኣሎ፡ ተስፋ ኣሎ፡ ትንሳኤ ኣሎ። ቃል ኣምላኽ ንኩሉ ማዓጹ ይኸፍተልካ፣ ምኽንያቱ ንሱ ኣፍደገ እዩ፣ ንሱ ጐይታ እዩ። ሃየ እምበኣር ቅዱስ ወንጌል ኣብ ኢድና ንሓዝ፡ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ኢድና ንውሰድ፡ ኣብ መዓልቲ ንሓሙሽተ ደቓይቕ ነንብቦ፡ ካብዚ ንላዕሊ ኣየድልየናን እዩ። ደጋጊመ ከምዝበልኩኹም ንእሽቶ ኣብ ጁባ ዚኣቱ ወንጌል ምሳኻ ሓዙ፡ ወይውን ኣብ ሳንጣኻ ሒዝካ ምኻድ፡ ሽዑ ክትገይሽ ከለኻ፡ ካብ ጅባኻ ወይ ካብ ሳንጣኻ ኣውጺእካ ቃል ኣምላኽ ናብ ልብኻ ከም ዝቐርብ ብምግባር፡ በብዕለቱ ቁሩብ ስንቂ ንምውሳድ ንእሽቶ ክፋል ኣንብብ። ነዚ ግበር እሞ ህይወትካ ከመይ ከም ዝቕየር ክትዕዘብ ኢኻ። ምስ ቃል እግዚኣብሔር ቅርበት ይሃሉኻ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘እወ ኣባቴ ጽቡቅ ነሩ! እንተኾነ ኣነ ሕይወት ቅዱሳን ምንባብ ለሚደዮ እየ` ክብለኒ ይኽእል: ኣነ ኸኣ ‘እዚ ጽቡቕ እዩ፡ እንተኾነ ቃል ኣምላኽ ኣይተብኩር’ እብሎ። ወንጌል ወትሩ ምሳኻ ሓዞ እሞ ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ደቒቕ እውን ክትኣኽለካ እያ።

ዕለት ዕለት ምስ ጎይታ ዘሎካ ርክብ ከም ዕርክነት እናዓበየ ዝኸይድ ዕርከነት ኰይኑ ዝንበር ሕይወት ምሕሳቡ ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ እዩ። ዕርክነት ምስ ኣምላኽ – ብዛዕባ እዚ ትሓስብዶ! ንሱ እኮ እቲ መንገዲ እዩ! ብዛዕባ እግዚኣብሔር ንሕሰብ! ንሱ ኩሉ ይህበና... ኣምላኽ ብምሃብ ኣይኮናን እንልክዖ! ኣምላኽ የፍቅረና እዩ፡ ኣዕሩኽ ዝኾንዎ እዩ ዝደሊ! ምስ እግዚኣብሔር ምሕዝነት ልቢ ናይ ምልዋጥ ክእለት ኣለዎ፤ ንሱ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ፍርሃት እግዚኣብሔር፣ ንኣቦነት እግዚኣብሄር ከነለሊ ብቑዓት ይገብረና፣ ምዉቕ ኣቦ፣ ፈቃር ኣቦ፣ ዘፍቅረና ኣቦ፣ ኩሉ ግዜ ዘፍቅረና ኣቦ ኣለና: ነዚ ኣብ ሕይወትና ምስ እንሙከሮን እነስተማቅሮና ልብና ይኽፈት ዘሎ ምጥርጣራትን ፍርህን ሕማቅ ስምዒታትን ኩሉ ዓነው ነው ይብል። ነዚ ምስ ጎይታ እንገብሮ ርክብ ማንም ክቃወሞ ኣይክእልን።

እዚ ጉዳይ እዚ ካልእ ዓቢ ሓገዝ የዘኻኽረና፣ ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ዝምህረና፣ ነቲ እነንብቦ ቃል ኣምላኽ ህያው ዝገብር፣ ሓድሽ ትርጉማት ዝሕብር፣ ዝተዓጽወ ዝመስል ማዕጾ ዝኸፍት፣ መንገድታት ዘመልክት ኣባና ዘሎ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኣብቲ ጸልማትን ምድንጋርን ጥራይ ዝሓዘ ዝመስል ህይወት መውጽኢ መንገዲ ይሕብር። እስኪ ክሓተኩም! ናብ መንፈስ ቅዱስ ትጽልዩዶ? ምናልባት ንሱ ግን መን እዩ? ክትብሉኒ ትኽእሉ! እወ እቲ ብዙሕ ዘይፍለጥ እዩ? ኣቡነ ዘበሰማያት እናደገምና ንሕና ብልማድ ብዙሕ ግዜ ናብ እግዚአብሔር ኣቦ  ከምኡ እውን ናብ ኢየሱስ ንጽሊ ኢና እንተኾነ ንመንፈስ ቅዱስ ንርስዖ! ሓደ ግዜ ንቆልዑ ትምህርተ ክርስቶስ እናመሃርኩ "መንፈስ ቅዱስ መን ምዃኑ ካባኻትኩም መን ይፈልጥ?" ቢለ ምስ ሓተትኩዎም፣ ሓደ ቆልዓ  "ኣነ እፈልጥ!" - በለኒ! ሃየ  "መንከ እዩ?"  ምስ በልክዎ – “እቲ መጻጒዕ”  ብቋንቋ ጣልያን ፓራክሊቶ ዝብሉ ሰሚዑ ምስ ፓራሊቲኮ ኣደናጊሩ እዩ ነዙይ ዝበለ፣ መጻጉዕ ዝኾነ መሲልዎ ነበረ።  እዚኣ ፍጻሜ ብዙሕ ኣተሓሳሲባትኒ! ከመይ ንዓና መንፈስ ቅዱስ ከም ሓደ ወትሩ ምሳኻ ኣልዩ ኣብ ቁጽሪ ዘይተእትዎ ኰይኑ ይረኤ። መንፈስ ቅዱስ ንነፍስኻ ሕይወት ዝህባ እዩ! ኪኣቱ ኣፍቅደሉ! ከምቲ ምስ ኣቦን፡ ምስ ወልድን እትዘራረብዎ ምስ መንፈስ ተዘራረቡ፣ ምስ ምስ መጻጒዕ ምንም ዘራኽብ ዘይብሉ ጰራቅሊጦስ ምስ ንቤተክርስትያን ሓይሊ ዝህብ ንዓኻ ኸኣ ንቕድሚት ዘገስግሰካ መንፈስ ቅዱስ ተዘራረብ። መንፈስ ቅዱስከስ መመያ ኣብ ተግባር ኰይኑ  ህላወ እግዚኣብሔር ኣባና ዝኾነ ህያብ እዩ፣ እዚ ህያብ እዚ እግዚአብሔር ኣቦ ነቶም ዝልምዎ ዝህቦ እቲ ዝዓበየ ውህበት እዩ (ሉቃ 11፡13)። ኢየሱስከ መን ቢሉ ይጽውዖ፧ እንተበልና ‘ውህበት’ ይብሎ ንሓዋርያቱ ድማ ‘ውህበት ኣምላኽ እናተጸበኹም ኣብዚ ኣብ ኢየሩሳሌም ጽንሑ’ ይብሎም። እዚ ድማ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ምስ መንፈስ ቅዱስ ብዕርክነት ህይወት ምምራሕ መሳጢ እዩ: ንሱ ይቕይረካ: ከምእትዓቢ እውን ይገብረካ።

ጸሎተ ሰዓታት ናይ መዝሙረ ዳዊት ንቐንዲ ህሞታት ዕለታዊ ጸሎት ‘ኦ ኣምላኽ ከተድሕነኒ ምጻእ! ኦ ጎይታ ንክትረድኣኒ ቀልጢፍካ ምጻእ` ብዝብል ጸሎት ይጅምሮ። `ኦ ጎይታ ሓግዘኒ!` ይብል ምኽንያቱ ከኣ በይነይ ክቕጽል ስለ ዘይክእል፡ ከፍቅር ስለ ዘይክእል፡ ክነብር ኣይክእልን እየ ከም ማለት እዩ።  እዚ ምህለላ ድሕነት እዚኣ ካብ መዓሙቕ ህላወና እትፍልፍል ዘይትዕገት ልመና እያ። መመያኸስ ጐይታ ኣብ ህይወተይ ዝገበሮ ድሕነት ንምልላይ ዝዓለመ እዩ፣ ፈጺመ በይነይ ከምዘይኮንኩን ኣብ ግዜ ቃልሲ እንተልየ እውን ኣድላይነት ናይዚ የዘኻኽረኒ።  መንፈስ ቅዱስ ኩሉ ግዜ ምሳና እዩ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ‘ኣንቱም ኣቦይ ሕማቕ ነገር ፈጺመ ኣሎኹ፡ ናብ ኑዛዜ ክኸይድ ኣለኒ፡ ዓቅለይ ጸቢቡኒ! ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይክእልን እየ...” ክብለኒ ይኽእል። ኣነ ግን፡ ሕማቕ ነገር ዲኻ ጌርካ? ብቀጥታ ምስቲ ምሳኻ ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ተዛረብ! 'ሓግዘኒ ነዚ ኣዝዩ ሕማቕ ዝኾነ ነገር ፈጺመረ ...' በሎ እብሎ። ምስ መንፈስ ቅዱስ ዝግበር ዝርርብ ግን ፈጺምካ ከይትስርዝ። ከምኡ እውን ‘ኣንቱም ኣቦይ ኣብ ኣብ ዓቢ ሓጢኣት ወዲቀ ኣሎኹ” ክብለኒ ይኽእል: ኣነ ኸኣ ብዙሕ ኣይትጨነቅ፣ ብቀዳምነት ንነብስኻ ይቕረ ክትብልን ምስ ገዛእ ርእስኻ ንክትዕረቅ ምእንቲ ክሕግዘካን ምስ መንፈስ ቅዱስ ተዘራረብ። ነዚ  ምስ መንፈስ ቅዱስ ዝግበር ዝርርብ ፈጺምካ ኣይትግደፎ። በዚ እግዚኣብሔር ዝህበና ሓገዛት ሒዝናኸስ ምንም ክንፈርሕ የብልናን። ኣጆና ብትብዓትን ብሓጐስን ንቕድሚት ንቅድሚት ንገስግስ።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 December 2022, 17:11

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >