ድለ

Ucraina:Cir e Save The Children, trasferite in Italia 92 persone Ucraina:Cir e Save The Children, trasferite in Italia 92 persone  (ANSA)

ሕጻናት ዩክሬን ኣደራዕ ኢሰብኣዊ ትራጀዲ ኲናት ተሰኪሞም ይነብሩ አለው! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ብሰንኪ ቀጻሊ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክሬን ንዝተፈጸመ ስቓይ ሕጻናት እንክዝክሩ ‘ንንጹሕ ገጽታ ሕጻናት ዩክሬን እንክትዕዘብ ብዙሓት ካብኣቶም ፍሽኽታ ከይተረፈ ከም ዘጸግሞም ተስተብህል’ እንክብሉ ኣደራዕ ትራጀዲ ውግእ ዝስከሙ ንጹሓት ሕጻናት ምዃኖም ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ባህርያት ንጹሓት ሕጻናት ፍሽኽታ ምዃኑ ብምዝኽኻር ‘ሕጻን  ናይ ፍሽኽታ ክእለት ምስ ዝስእን ወይ ፍሽኽ ምባል ምስ ዝሕርብቶ ብሓቂ  ከቢድ ኩነት እዩ።’ እንክብሉ ክበድ ውግእን ሳዕቤናቱን ምናዳ ኣብቲ ንጹሕ ሕልናን ኣእምሮን ሕጻናት ዝፈጥሮ ተጽዕኖ ኣብ ምዝዛም ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ገሊጾም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ናይዚ ሰብ ሰርሖ ትራጀዲ ግዳይ ዝኾኑ ሕጻናትን ሕዝብን ዪክሬን ዘሕልፍዎ ስቃይን ብምዝካር ከኣ ‘በዚ ኲናት እዚ ዝሳቐዩ ዘለዉ፡ እኳ ደኣ ኣዝዮም ዝሳቐዩ ዘለዉ ደቂ ዩክሬን ብጣዕሚ የሰክፉኒ’ ኢሎም።

ትራጀዲ ናይቲ ኲናት!

ቅዱስነቶም ኣብዚ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓል ልደት ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምብዓል ኣብ እትሸባሸበሉ ዘላ እዋን ብዘተን መንጎኝነትን ክፍታሕ ዝኽእል ውግእ ኣብ ልዕሊ መላእ ሕዝቢ ዪክሬን ምናዳ ኸኣ ኣምሳል ናይቲ ምእንቲ ድሕነትና ሰብ ኰይኑ ከም ሕጻን ኣብ ማእከልና ክውለድ ዝመደበ በዓል ኣመልኪቶም “ኣብ በዓል ናይቲ ሕጻን ዝኸውን ዘሎ እግዚኣብሔር ብዛዕባ ሕጻናት ዩክሬን እስከ ነስተንትን” እንክብሉ ነቶም ኣይ ብኢዶም ኣይ ብኣፎም ምንም ዘይፈልጥዎ ኩነት ዘስዕቦ ዘሎ ትራጀዲ “ናይቲ ውግእ፣ ኣዝዩ ኢሰብኣዊ፣ ኣዝዩ ጽንኩር”  ጾር ዝስከሙ ዘለው ኩነታት ኣስሚሮምሉ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ማዕረ እቲ ውግእ ከኣ ስእነት መሠረታዊ ነገራት ዕንወት ኣባይትን ተፈጥሮ ዑደቱ ቈጺሩ ዘምጽኦ ክረምቲ ሰሜናዊ ንፍቀ ክበብ ዓለምና ዝፍንዎ ቀዝሒ መሪር ቁርን በረድን ዝናምን ዝጻወሩ ዘለዉ ደቂ ዩክሬንን ዘኪርና ነፍስወፍና ጸሎትና ከንዕርግ ከምዚ ክብሉ ኣተባቢዕም።

“ኣብዚ በዓለ ልደት ብዛዕባ ህዝቢ ዩክሬን ንሕሰብ። ብዘይ መውዓዪ፣ ብዘይ መሠረታውያን ነገራት ንኽነብሩ ዝተገደዱ እዮም። እግዚኣብሔር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ሰላም ከምጽኣሎም ንጸሊ።”

ደገፍ ሃገረ ፖላንድ!

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፉ በብሃገራቶምን ጒጅለታቶምን ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ ኣብቲ ጉባኤ ንዝተሳተፉ ፕላንዳውያን ከኣ ‘ንእሙን ህዝቢ ፖላንድ ሰላምታይ አቅርብ’ ምስ በሉ፡ ህዝቢ ፖላንድ ብመሰረት ዋዜማ በዓለ ልደት፡ ስድራቤታት “ንዘይተጸበይዎ ጋሻ ኣብ መኣዲ ባዶ ቦታ ይገድፉ” ዝብል ሃገራዊ ትውፊት ዘኪሮም ነዚ ሓደራ እዚ ኣወፈዩ።

“ኣብ ናይ ሎምዘመን በዓለ ልደት እዚ ንዘይተጸበይዎ ጋሻ ኣብ መኣዲ ዝሕደግ ባዶ ቦታ በቶም ካብ ዩክሬን ዝመጹ ብዓቢ ልግሲ ከኣ ማዕጾ ገዛውትኹም ዝኸፈትኩምሎም ብዙሓት ስደተኛታት ክቅመጡሉ እዮም። እቲ ኣብ ቤተልሔም ዝውለድ ወልደ እግዚአብሔር ንነፍሲ ​​ወከፍኩምን ንስድራቤትኩምን ነቶም እትሕግዝዎምን ብፍቕሪ ይመልኣኩም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
21 December 2022, 18:12