ድለ

መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ‘ምስ እነበርክቶ ተራን ሓላፍነትን ካብ ምትእስሳር ሓራ ምዃን ይምህረና’! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 15 ጥሪ 2023 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ክርስትያን ዘቦኡ ረኣዩለይ ስምዑለይ ንዘይደሊ ናይ ኣገልግሎት መንፈስ ከም ዝተጸውዑ ዘዘኻኽር ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ‘ኩሉ ሰብ ከማኡ ምስንባት ከመሃር’ ይዕድም’ እንክብሉ ኣስተምሂሮም። ምናዳ ኸኣ ካህናትን ወለድን ንምእመናንን ንደቆምን ናብ ኢየሱስ ከሰንይዎም ከማኡ እውን ኣብ ናብራኦም ከሰንዎም እንተኾነ መንገዶም ንክኽተሉ ሓራ ክገድፍዎም የድሊ እንክብሉ ሓርነት ናይ እተሰንዮ ሰብ ወትሩ ክሕሎ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓ 1.29-34 ኮይኑ ‘ዮሓንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመጽእ እንከሎ ምስ ረአዮ ‘ኃጢኣት ዓለም ዝድምስስ ናይ እግዚኣብሔር በጊዕ እንሆ!’ በለ። እቲ ኣነ ብዛዕባኡ ‘እቲ ብድኅረይ ዝመጽእ ቅድመይ ስለ ዝነበረ ንሱ ኻባይ ኣመና የዓብየኒ እዩ’ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ! ኣነ ኣይፈለጥክዎን፤ ንሱ ግና ንእስራኤል ምእንቲ ኽግለጽ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኹ። ዮሓንስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መስከረ፦ ‘መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ኽወርድ እንከሎ ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ተቐመጠ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ‘መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ኽቕመጥ እንከሎ እትርእዮ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዘጥምቕ’ ኢሉኒ ድኣ እምበር ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ባዕለይ ከዓ ረአኹ፤ ንሱ ወዲ እግዚኣብሔር ምዃኑ ድማ መስከርኩ።’ ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ቃል ወንጌል ነቱይ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ንመድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣጠመቐ ዘርኣዮ መንፈስ ኣገልግሎትን ትሕትናን ተኣዛዞን ከምዘመልክት ገሊጾም። ቅዱስነቶም ንቅዱስ ዮሓንስ እንክዝክሩ ‘ንመሲሕ መገዲ ከዳሉ ተላኢኹስ ነዚ ከኣ  ነብሱ ከይተረፈ ከምዝገበረ’ ኣመልኪቶም  ‘ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ  ዓቢ ሽልማት ክወሃቦ ይግባእ ቢልካ ክሕሰብ ይከኣል፣ እንተኾነ ኣብ ክንድኡ እቲ መጥምቕ ተልእኾኡ ምስ ፈጸመ ወሰን ምሓዝ መሪጹ ንኢየሱስ ኣጒሊሑ ንከርኢ ይኽወል። እዚ ገርሀይና ምስክርነት እዚኸስ  መንፈስ ቅዱስ ከም ርግቢ ካብ ሰማይ ወሪዱ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ክወርድ እንከሎ ክርኢ ኣብቂዕዎ’ ኢሎም።

መንፈስ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ ረኣየ፣ ሓጢኣት ዓለም ዝድምስስ ገንሸል ኣምላኽ ምዃኑ ኣመልኪቱ፣ ነቲ ዝነበሮ ቦታ ንኣኡ ሓዲጉ ብግዲኡ ብትሕትና ጽን ቢሉ ይሰምዕ። ካብ ነቢይ ምዃን ናብ ወደ መዝሙር ምዃን ይሰጋገር። ንህዝቢ ሰቢኹ ደቀ መዛሙርቲ እውን ኣኪቡ ንነዊሕ እዋን ኣሰልጢኑ።  እንተኾነ ምስ ካብዚኣቶም ኣይተኣሳሰርን! ሓራ ይኸውን። ግደ መምህራን ወይውን ኣበርክቶ ኰስኰስትኸስ ከምዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ።

ግደ ወይውን ተራ መምህራን!

ቅዱስነቶም ከምዚ መጥምቀ መለኮት ዝገብሮ ምግባር ብጣዕሚ ከቢድ ምዃኑ  የዘኻኽሩ እንተኾነ ‘ምልክት ናይቲ ሓቀኛ መምህር እዩ: ንሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘይምእሳር’ ክብሉ ገሊጾም። ብምቅጻል ከኣ ትምህርቲ ቅዱስ ዮሓንስ ‘ንደቀ መዛሙርቱ ኣሰር ኢየሱስ ከምዝስዕቡ እምበር ንገዛእ ርእሱ ማንም ተኸታሊ ክህልዎ፡ ወይውን ክብርን ዓወትን ክረክብ ቢሉ ኣይጸዕርን። እንታይ ደኣ ይምስክር እሞ ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት ይምለስ፡ ምኽንያቱ ከኣ ብዙሓት ምስ ኢየሱስ  ብምርኻብ ሓጐስ ምእንቲ ክህልዎም ነዚ ገበረ። ምንም ዓይነት ግብረ መልሲ ዘይደሊ ኣገግሎትከስ እዚ እዩ’ ኢሎም።

ግብረ መልሲ ዘይደሊ ኣገልግሎት!

ቅዱስነቶም ኣብ ንቡር ሕይወትና ተረዲኡናስ ይኹን ከይተረደኣና እንገብሮ ምቁጽጻርን ነቲ ዘገልገልካዮ ክትውንኖ ናይ ምድላይ ጽምእን ንምውጋድ ኣብነት መጥምቀ መለኮት ተኸቲልና ምንም ዓይነት ግብረ መልስን ጥቅምን ዘይደሊ ኣገልግሎት ንክነዘውትር ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“ዮሓንስ መጥምቕ በዚ መንፈሱ ኣገልግሎት እዙይ - እዚ ድማ ሓቀኛ መንፈስ ኣገልግሎት እዩ - ምስቲ ንኢየሱስ ቦታ ናይ ምሃብ ክእለቱ፡ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ይምህረና፡ ንሱ ድማ ካብ ዝኾነ ምትእስሳር ሓራ ምዃን እዩ። ምስ ዝኾነ ኣገልግሎት ካብ ምትእስሳር ሓራ ምዃን ይምህረና። እወ፡ ምኽንያቱ ምስ እነወፍዮ ኣገልግሎትን እነበርክቶ ተራታትን ጽፍሕታትን ምትእስሳር፡ ከማኡ እውን ተፈላጥነትን ክብርን ሃሰው ምባል ሽልማት ክትደሊ ቀሊል እዩ። እንተኾነ እዚ ጉዳያት እዚ ዋላ እኳ ባህርያዊ እንተኾነ፡ ጽቡቕ ነገር ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ሓቀኛ ኣገልግሎት ብናጻ ዝውፈ ኮይኑ ንካልኦት እንከተገልግል ምንም ዓይነት ጥቅሚ ከይደለኻ ብዘይተጉላባነት ተሓጒስካ ብነጻነት እተወፍዮ ምስ ዝኸውን እዩ።”

ምፍናው ተማሃር!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ካብ ሕይወት ቅዱስ ዮሓንስ ክንመሃሮም ካብ እንኽል ብዙሕ ነገራት እታ ቀዳመይቲ ኣብ ትኽክለኛ ህሞት ካብቲ ዝነበርካዮ ንጐድኒ እልይ ብምባል፡ እቲ ሓቀኛ መወከሲ ሕይወት ኢየሱስ ምዃኑ ምምስካር ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ቦታኻ ገዲፍካ ንጎኒ እልይ ምባል ማለት ምፍናው ምምሃር እዩ። ተፋኒኻ ምኽኣል፣ እዚ ተልእኾ እዚ ፈጺመዮ እየ፡ ነቲ ዘድሊ ርክባት ፈጺመ እየ ሕጂ እልይ እብል እሞ ንጐይታ ቦታ እሓድግ። እልይ ምባል እንክትመሃር ዝኾነ ነገር ስለ እቲ ዘበርከትካዮ ኣገልግሎት ኣይትሓትትን ምንም ዓይነት ግብረ መልሲ ናይ ጥቅሚ እውን ኣይተሓትትን ማለት እዩ። ብፍላይ ነቶም ኣብ ኣገልግሎት ክህነት ተዋፊሮም ዘለውን ግድል ወላዲ ዘጋጥሞም ኣቦታትን ኣደታትን ነዚ መንፈስ እዚ ክለብሱ ኣለዎም። እዚ ንሓደ ካህን ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ እሞ ንሕሰብ፣ ክህነትሲ ንክትሰብኽን ሥርዓታት ክትፍጽምን እትቅበሎ ጸዋዕታ እዩ፣ ካህን ንረብሓን ንረኣዩለይ ስምዑለይን ዘይኮነ ንኻልኦት ናብ ኢየሱስ ንከሰንዮም ዝተጸውዐ ሰብ እዩ። እዚ ነቶም ብብዙሕ መሥዋዕቲ ደቆም ዘዕብዩ እንተኾነ ክንዲ ሰብ ምስ ኣኸሉ መንገዲ ሕይወቶም ክመርጹ ሓራ ክገድፍዎም ዘለዎም እሞ ንሕሰብ! ነዚ ኩሉ ምስ ገበሩ ንውሉዶም ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ሓዳር፡ ኣብ ህይወት ናይ ገዛእ ርእሶም መንገዲ ክኽተሉ ነጻ ክገድፍዎም ኣለዎም።”

ሓላፍነትን ናጽነትን!

ቅዱስነቶም ነታ ደጋጊሞም ዝበልዋ ነጻነት በይና ከምዝይኮነት ንምግላጽ ምስ ሓላፍነት ብምትሕሓዝ ናይ ምምራጽ ነጻነት እኳ እንተሎና ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ሓላፍነት ከም እንለብስ ንምግላጽ ወለዲ ንደቆም እናሰነዩ  ህላወኦም ምርግጋጽ ክቕጽሉ ጽቡቕን ቅኑዕን እዩ እንተኾነ ግን ጥበብ ብዝመልኦ ሜላን ብዘይ ምንም ምትእትታውን ናይ ምዕባይን ምብሳልን ነጻነት ብቁሩብ ቃላት ክገልጹሎም የድሊ። ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ መዳያት ከም ዕርክነት፡ ሓዳር፡ ማሕበረሰባዊ ህይወት ነዚ ኣገባብ እዚ ክኽተል ጽቡቅ እዩ። ስለዚ ካብ ዝኾነ ምትእስሳር ኣነነት ሓራ ምውጻእን ግዜኡ ምስ በጽሔ እልይ ምባልን ዋጋ እኳ ዘኽፍል እንተኾነ ኣብ መንፈስ ኣገልግሎት ንምዕባይ ወሳኒ ስጒምቲ እዩ። እስኪ ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና ነዘን ሕቶታት ነስተንትን።

“ንኻልኦት ናብ ኢየሱስ ዲና ንስሕቦም ወይስ ናብ ገዛእ ርእስና? ሕጂ’ውን ኣብነት ዮሓንስ ብምኽታል፡ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም መንገዶም ሒዞም ጻዋዕታኦም እንክስዕቡ፡ ዋላ’ውን እዚ ካባና ቁሩብ ምፍልላይ ዘጠቓልል እንተኾነ፡ ከመይ ጌርና ከም እንሕጐስ ንፈልጥ ዲና? እምበርከ ብቕንዕናን ብዘይ ምንም ቅንእን ብዓወታቶም ንሕጐስ ዲና?”

ነዚ ንኻልኦት ዝወሃብ ኣገልግሎት ንምፍጻም፡ እታ ነጻ ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም፡ ንጐይታን ንኻልኦትን ቦታ ክንህብ ካብ ዝኾነ ምትእስሳር ነጻ ክንከውን ትሓግዘና፡ ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
16 January 2023, 13:58

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ናይ መጨረሻ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር/ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት

ንኩሉ ኣንብብ >