መጥምቀ መለኮት ዮሓንስ ‘ምስ እነበርክቶ ተራን ሓላፍነትን ካብ ምትእስሳር ሓራ ምዃን ይምህረና’! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ናይ ዕለቱ ወንጌል ዮሓ 1.29-34 ኮይኑ ‘ዮሓንስ ንኢየሱስ ናብኡ ኽመጽእ እንከሎ ምስ ረአዮ ‘ኃጢኣት ዓለም ዝድምስስ ናይ እግዚኣብሔር በጊዕ እንሆ!’ በለ። እቲ ኣነ ብዛዕባኡ ‘እቲ ብድኅረይ ዝመጽእ ቅድመይ ስለ ዝነበረ ንሱ ኻባይ ኣመና የዓብየኒ እዩ’ ዝበልኩኹም እዙይ እዩ! ኣነ ኣይፈለጥክዎን፤ ንሱ ግና ንእስራኤል ምእንቲ ኽግለጽ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኹ። ዮሓንስ ድማ ኸምዙይ ኢሉ መስከረ፦ ‘መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ኽወርድ እንከሎ ረአኹ፤ ኣብ ልዕሊኡውን ተቐመጠ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለኣኸኒ ‘መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብ ልዕሊኡ ኽቕመጥ እንከሎ እትርእዮ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዘጥምቕ’ ኢሉኒ ድኣ እምበር ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ባዕለይ ከዓ ረአኹ፤ ንሱ ወዲ እግዚኣብሔር ምዃኑ ድማ መስከርኩ።’ ዝብል ነበረ።
ቅዱስነቶም ኣብዚ ቃል ወንጌል ነቱይ መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ ንመድሓኒናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣጠመቐ ዘርኣዮ መንፈስ ኣገልግሎትን ትሕትናን ተኣዛዞን ከምዘመልክት ገሊጾም። ቅዱስነቶም ንቅዱስ ዮሓንስ እንክዝክሩ ‘ንመሲሕ መገዲ ከዳሉ ተላኢኹስ ነዚ ከኣ ነብሱ ከይተረፈ ከምዝገበረ’ ኣመልኪቶም ‘ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ዓቢ ሽልማት ክወሃቦ ይግባእ ቢልካ ክሕሰብ ይከኣል፣ እንተኾነ ኣብ ክንድኡ እቲ መጥምቕ ተልእኾኡ ምስ ፈጸመ ወሰን ምሓዝ መሪጹ ንኢየሱስ ኣጒሊሑ ንከርኢ ይኽወል። እዚ ገርሀይና ምስክርነት እዚኸስ መንፈስ ቅዱስ ከም ርግቢ ካብ ሰማይ ወሪዱ ኣብ ልዕሊ ክርስቶስ ክወርድ እንከሎ ክርኢ ኣብቂዕዎ’ ኢሎም።
መንፈስ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ ረኣየ፣ ሓጢኣት ዓለም ዝድምስስ ገንሸል ኣምላኽ ምዃኑ ኣመልኪቱ፣ ነቲ ዝነበሮ ቦታ ንኣኡ ሓዲጉ ብግዲኡ ብትሕትና ጽን ቢሉ ይሰምዕ። ካብ ነቢይ ምዃን ናብ ወደ መዝሙር ምዃን ይሰጋገር። ንህዝቢ ሰቢኹ ደቀ መዛሙርቲ እውን ኣኪቡ ንነዊሕ እዋን ኣሰልጢኑ። እንተኾነ ምስ ካብዚኣቶም ኣይተኣሳሰርን! ሓራ ይኸውን። ግደ መምህራን ወይውን ኣበርክቶ ኰስኰስትኸስ ከምዚ እዩ ክኸውን ዘለዎ።
ግደ ወይውን ተራ መምህራን!
ቅዱስነቶም ከምዚ መጥምቀ መለኮት ዝገብሮ ምግባር ብጣዕሚ ከቢድ ምዃኑ የዘኻኽሩ እንተኾነ ‘ምልክት ናይቲ ሓቀኛ መምህር እዩ: ንሰባት ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘይምእሳር’ ክብሉ ገሊጾም። ብምቅጻል ከኣ ትምህርቲ ቅዱስ ዮሓንስ ‘ንደቀ መዛሙርቱ ኣሰር ኢየሱስ ከምዝስዕቡ እምበር ንገዛእ ርእሱ ማንም ተኸታሊ ክህልዎ፡ ወይውን ክብርን ዓወትን ክረክብ ቢሉ ኣይጸዕርን። እንታይ ደኣ ይምስክር እሞ ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት ይምለስ፡ ምኽንያቱ ከኣ ብዙሓት ምስ ኢየሱስ ብምርኻብ ሓጐስ ምእንቲ ክህልዎም ነዚ ገበረ። ምንም ዓይነት ግብረ መልሲ ዘይደሊ ኣገግሎትከስ እዚ እዩ’ ኢሎም።
ግብረ መልሲ ዘይደሊ ኣገልግሎት!
ቅዱስነቶም ኣብ ንቡር ሕይወትና ተረዲኡናስ ይኹን ከይተረደኣና እንገብሮ ምቁጽጻርን ነቲ ዘገልገልካዮ ክትውንኖ ናይ ምድላይ ጽምእን ንምውጋድ ኣብነት መጥምቀ መለኮት ተኸቲልና ምንም ዓይነት ግብረ መልስን ጥቅምን ዘይደሊ ኣገልግሎት ንክነዘውትር ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ምፍናው ተማሃር!
ቅዱስነቶም ቀጺሎም ካብ ሕይወት ቅዱስ ዮሓንስ ክንመሃሮም ካብ እንኽል ብዙሕ ነገራት እታ ቀዳመይቲ ኣብ ትኽክለኛ ህሞት ካብቲ ዝነበርካዮ ንጐድኒ እልይ ብምባል፡ እቲ ሓቀኛ መወከሲ ሕይወት ኢየሱስ ምዃኑ ምምስካር ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።
ሓላፍነትን ናጽነትን!
ቅዱስነቶም ነታ ደጋጊሞም ዝበልዋ ነጻነት በይና ከምዝይኮነት ንምግላጽ ምስ ሓላፍነት ብምትሕሓዝ ናይ ምምራጽ ነጻነት እኳ እንተሎና ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ሓላፍነት ከም እንለብስ ንምግላጽ ወለዲ ንደቆም እናሰነዩ ህላወኦም ምርግጋጽ ክቕጽሉ ጽቡቕን ቅኑዕን እዩ እንተኾነ ግን ጥበብ ብዝመልኦ ሜላን ብዘይ ምንም ምትእትታውን ናይ ምዕባይን ምብሳልን ነጻነት ብቁሩብ ቃላት ክገልጹሎም የድሊ። ከምኡ’ውን ኣብ ካልእ መዳያት ከም ዕርክነት፡ ሓዳር፡ ማሕበረሰባዊ ህይወት ነዚ ኣገባብ እዚ ክኽተል ጽቡቅ እዩ። ስለዚ ካብ ዝኾነ ምትእስሳር ኣነነት ሓራ ምውጻእን ግዜኡ ምስ በጽሔ እልይ ምባልን ዋጋ እኳ ዘኽፍል እንተኾነ ኣብ መንፈስ ኣገልግሎት ንምዕባይ ወሳኒ ስጒምቲ እዩ። እስኪ ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና ነዘን ሕቶታት ነስተንትን።
ነዚ ንኻልኦት ዝወሃብ ኣገልግሎት ንምፍጻም፡ እታ ነጻ ኣገልጋሊት እግዚአብሔር ዝኾነት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም፡ ንጐይታን ንኻልኦትን ቦታ ክንህብ ካብ ዝኾነ ምትእስሳር ነጻ ክንከውን ትሓግዘና፡ ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።