ድለ

2023.01.15 Angelus 2023.01.15 Angelus  (Vatican Media)

ዕለት 30 መስከረም "ንምሉእ ሲኖዶስ ኣበው ናብ ኣምላኽ ንምውፋይ" ዝዓለመ ኢኩመኒካዊ ጸሎተ ዋዜማ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 15 ጥሪ 2023 ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ፡ ነቲ ካብ ዕለት 18 ክሳብ ዕለት 25 ጥሪ ዝካየድ ሳምንቲ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት ክርስቲያን፡ ‘ሠናይ ምግባር ተማሃሩ፡ ፍትሒ ድለዩ’ ብዝብል ኣርእስቲ ከምዝምራሕ ብምዝካር፡ ነዚ ኢኩመኒካዊ ጒዕዞ እዚ ምስ ‘ሲኖዶሳዊ ምልዋጥ ቤተ ክርስቲያን’ ኣተኣሳሲሮሞ። ኣስዒቦም ድማ ሎሚ እውን ሓድሽ ጻውዒት ‘ነቲ ኣዝዩ ዝሳቐ ዘሎ ብኩሉ ኩሉ ዘይጠዓሞ ህዝቢ ዩክሬን ኣይረስዕ! ነዚ ከኣ ኣብ ጐድኖም ብምዃንን ረድኤት ብምልኣኽን ብጸሎትን ንግበሮ’ እንክብሎ ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቲ ብዙሕ ምስንዳውዋት ዝግበረሉ ዘሎን ዝመጽ ወርሒ ጥቅምቲ ኪካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሲኖዶስ ኣበው ጳጳሳት መበል 25 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ሲኖዶስን ሲኖዶሳውነትን ብዝብል ቴማ ብዝምልከት ንኩሉ ተግባራት እቲ ሲኖዶስ ኣብ ኢድ እግዚኣብሔር ንምውፋይ ዝዓለመ ኢኩመአኒካዊ ጸሎተ ዋዜማ ንቀዳም 30 መስከረም 2023፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኪካየድ ምዃኑ ገሊጾም።

“ነቶም ኣብዚ ጸሎት ኪሳተፉ ዝመጹመንእሰያት ኣብታ ፍጻሜ ሶሙን እቲኣ ፍሉይ መደብ ክህሉ እዩ፣ እዚ ድማ ብማሕበረሰብ ታይዘ ዝተዳለወ እዩ። ካብ ሎሚ ጀሚረ እምበኣር ንኩሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስትያናት ኣባላት ኣብዚ ናይ ሕዝበ እግዚአብሔር ጉባኤ ክትሳትፉ እዕድመኩም ኣሎኹ።”

ኢኩመኒካዊዊ ጉዕዞን ሲኖዳላዊ ምልዋጥን ዝተታሓሕዙ እዮም!

ኣቀዲሙ ከምዝተገልጾ ቀዳማይ ገጽ ጉባኤ ሲኖዶስ ‘ንሓንቲ ሲኖዶሳዊት ቤተ ክርስቲያን: ሕብረት: ተሳትፎ: ተልእኾ" ብዝብል ኣርእስቲ ድሕሪ ቁሩብ መዓልታት ማለት 4 ጥቅምቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ክጅምር ኢዩ፣ ዕለት 29 ከኣ ክዕጾ እዩ።እቲ ካልኣይ ገጽ ድማ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2024 ክካየድ እዩ። ቅዱስነቶም "ጒዕዞ ሓድነት ክርስትያንን ጒዕዞ ሲኖዶሳዊ ለውጢ ቤተ ክርስቲያንን ዝተኣሳሰረ እዩ" እንክብሉ የስምሩሉ እሞ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዕለታት ንዝግበር ሳምቲ ጸሎት ምእንቲ ሓደነት ክርስትያን ካብ 18 ​​ክሳብ 25 ጥሪ 2023 ብምዝኽኻር ቀንዲ መልእኽቶም ከምዚ ክብሉ ኣመሓላለፉ።

“እቲ ብልማድ እንገብሮ ሳምንቲ ጸሎት ንሓድነት ክርስትያን ክካየድ እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ቴማ ካብ ነቢይ ኢሳይያስ ዝተወስደ ኮይኑ፡ ‘ሠናይ ምግባር ተማሃሩ፡ ፍትሒ ድለዩ’ ዝብል እዩ። ነቲ ንህዝቡ ብተኣማንነትን ብትዕግስትን ናብ ምሉእ ሕብረት ዝመርሕ ጎይታ ነመስግኖ፣ መንፈስ ቅዱስ ድማ ብውህበታቱ ከብርሃናን ክድግፈናን ንለምኖ።”

ንህዝቢ ዩክሬን ብስምዒትን ረድኤትን ጸሎትን ቅርበትና ንግለጸሎም!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ቃሎም ነታ ፍቅርቲ ሃገር ዝብልዋ ብውግ ትሕመስ ዘላ ሃገረ ኡክራይና ከይንርስዕ ከምዚ ክብሉ ጻውዒት ኣቅረቡ።

“ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ብጣዕሚ ዝሳቐ ዘሎ ብውግእ ዝሕመስ ዘሎ ህዝቢ ዩክሬን ኣይንረስዕ። ብስምዒትናን፡ ብረድኤትናን፡ ብጸሎትናን ንቕረቦም።”

ብድምጺ ንምክትታል!
16 January 2023, 13:51