ድለ

2026.05.20 Udienza Generale 2026.05.20 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ኣብ ሊባኖስን ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ክሰፍን ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ንኣርመንያዊ ካቶሊኮስ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትርያክ ኣራም ቀዳማይ ሰላምታ ኣብ ዘቕረቡሎም እዋን፣ ኣብ ሊባኖስን ማእከላይ ምብራቕን ሰላም ምእንቲ ክሰፍን ኵሉ ሰብ ክጽሊ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንብፁዕ ወቅዱስ ፓርያርክ ኣርም ቀዳማዊ ካቶሊኮስ ናይ መላእ ሓዋርያዊት ቤተ-ክርስትያን ኣንመንያ - መንበር ቂልቅያ፣ ረቡዕ ዕለት 20 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ተቐቢሎም ዳግም ሰላምታ ኣቕረቡሎም።

ካቶሊኮስ ኣራም ቀዳማዊ ብወገኖም፣ “ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብዚ መድረኽ እዚ፣ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሓቢረዮም ኣሎኹ፣ እዚ ድማ ደድሕሪ እቲ ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 18 ግንቦት፣ እዞም ክልተ መራሕቲ ቤተክርስቲያን ተራኺቦም ኣብ ሓዋርያዊ ህንጻ ድሕሪ ብሕብረት ዝጸለዩሎ ዕለት ዝኸውን ዘሎ ኢዩ” ክብሉ መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መእተዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘካፈልዎ ቃል፣ ቅዱስ ኣቦና ንካቶሊኮስ ኣራም ቀዳማዊን ንኹሎም እቶም ኣባኡ እተረኽቡ ልኡኻት ኣርመናዊት ኣርቶዶክስ ቤትክርስቲያን ሓንጐፋይ ኢሎም ብምቕባል ሓጐሶም ገለጹሎም፣ ነዚ ሕውነታዊ ምብጻሕ ድማ፣


 ነቲ ኣብ መንጎ እዘን ኣብያተ ክርስትያን ድሮ ዘሎ ዘሎ ሕብረት፣ ናብ ምሉእ ሕብረት ናይዘን ኣብያተ ክርስቲያን ከም ዘምርሕን ነቲ ማእሰር ሓድነት ንምድልዳልን ኣገዳሲ ኣጋጣሚ” ክብሉ ድማ ገለጽዎ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ኣስዒቦም፣ ነቲ ናይ ኣርመንያ ካቶሊኮስ ናብ መቓብር ቅዱሳን ሓዋርያት ጴጥሮስን ጳውሎስን ዝገበርዎ ዘለዉ ንግደት መንፈስ ቅዱስ ክባርኾ ጸልዮም።

"ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ ነጋድያንን መንፈሳውያን በጻሕትን ድማ ጉባኤታቶም ናብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝመርሓሉ መገዲ፣ ተወሳኺ ስጕምቲ ምእንቲ ክኸውን፣ ናብ ጐይታ ልባዊ ጸሎት ክገብሩ እዕድሞም ኣለኹ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ወሲኾም ድማ፣ ኣብ ሊባኖስን ማእከላይ ምብራቕን "እንደገና ብዓመጽን ውግእን እተበታተነ" ሰላም ምእንቲ ክህሉ ኩሎም ምእመና ክጽልዪ እውን ተማሕጺኖም።

መንበረ ካቶሊኮስ ኪልቂያ፣ ንሊባኖስ፡ ሶርያ፡ ቆጵሮስ፡ ኩዌት፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ወሽመጥ ኢራን፡ ግሪኽ፡ ከምኡውን ኣመሪካ ዘጠቓልል እዩ። ካብ 1930 ዓ.ም. ኣትሒዚ እቲ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ናይዞም ካቶሊኮስ ናይታ ዓባይ መበረ ኪልቅያ ኣብ ኣንጥልያስ ሊባኖስ እያ እትርከብ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ምስ ካቶሊኮስ ኣራም ቀዳማዊ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 ምስ ካቶሊኮስ ኣራም ቀዳማዊ ኣብ ሓፈሻዊ ኣስተምህቶ ትምህርተ ክርስቶስ   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰኑይ  ምስ ካቶሊኮስ ኣራም ቀዳማዊ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ነዞም ፓትርያርክ ኣብ መዓልታዊ ጸሎቶም ንህዝቢ ሊባኖስን ኣብያተ ክርስትያን ማእከላይ ምብራቕን ከም ዝዝክርዎም ኣረጋገጹሎም።

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ኣብቲ ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ንብፁዕ ወቅዱስ ካቶሊኮስ ኣራም ቀዳማዊ፣ ስለቲ "ንክርስቲያናዊ ሕብረት ዝገብርዎ ዘየቋርጽ ብሕታዊ ቈራጽነትን" ብፍላይ ከአ በቲ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያንን ጸብሓዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያንን ዝካየድ ዘሎ ስነ-መለኮታዊ ዘተታት ኣመስገንዎም።

ኣብ መደምደምታ ቅዱስ ኣቦና፣ "ብሓባር ኴንና ናብ ምልኣት እቲ ዅላትና እንደልዮ ሓድነት ንኸብርሁልና ናብ ቅዱስ ግሪጎርዮስ ብርሃናዊ፣ ቅዱስ ግሪጎርዮስ ብዓል ናሬግ፣ ቅዱስ ኔርሴስ ጸጋዊ ልዕሊ ዅሉ ድማ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ ንጸሊ” ክብሉ ቃለ ምሕጽንታኦም ዛዘሙ።

20 May 2026, 15:51