ድለ

AdobeStock_518358830.jpeg

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ‘ደቂ ኣንስትዮ ኣኽራን የንቀሳቕሳ!’።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ብዓለምለኸ ደረጃ ዝዝኸር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣኽራን ብምኽዝካር ኩሎም እቶም ኣኽራን ክሕልዉን ክከናኸኑን ዝተበገሱ ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ናይ ሎሚ ዘመን ዝኽሪ “ደቂ ኣንስትዮ ኣኽራን የንቀሳቕሳ” ዝብል መሪሕ ቃል ርእይቶኦም ሂቦም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ሰንበት 11 ታሕሣሥ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ኣዕረጉ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተፈላለየ ማሕበራትን ጒጅለታትን ወኪሎም ብሓባር ዝመጹን በብውልቆም ካብ ሮማን ዝተፈላለየ ክፍልታት ዓለምና ዝተጋብኡን ነጋድያንን ምእመናንን ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ  ጐይታ ንዝዓደለና ጸጋ ተፈጥሮ ኣመልኪቶም ‘ነዚ ንህይወት ፕላኔትናን ሰብኣውነትን ዝኸውን ድንቂ ጸጋ ኣፍልጦ ክንህቦ ዝዕድመና’ ንዝበልዎ ክብረ በዓል  ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣኽራን ኣመልኪቶም ምናዳ ኸኣ ነታ ኣብዚ ዓመት ንኣህጉራዊ መዓልቲ ዝተመርጸት መሪሕ ሓሳብ “ደቂ ኣንስትዮ ኣኽራን የንቀሳቕሳ” ንእትብል ኣድናቖቶም ከምዚ ክብሉ ገሊጹ።ሓቂ እዩ: ደቂ ኣንስትዮ ኣኽራን የንቀሳቕሳ! እዚ ድማ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምሕብሓብ ከባቢ፡ ኣብ ምዕቃብ ልምድታት ህዝብታት ኣኽራን ዓቢ ከምዝኾነ የዘኻኽረና። ካብ ልምዳታት ናይ ኣኽራን ሰባት  ማሕበረሰባዊ  ስምዒት ንመሃር፣ ብሓባር ምጉዓዝ ንመሃር።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣኽራን!

ዓመት መጸ ዕለት 11 ታሕሣሥ ዝኽበር ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣኽራን፡ ጾታዊ ማዕርነት ንምድንፋዕ ብኡ ኣቢሉ ድማ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ መነባብሮን ጽንዓትን ኣብ ምምሕያሽ ዓቢ ኣበርክቶ ዝገብር ፍጻሜ እዩ። ንናይ ሎምዘመን ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣኽራን  ዝቀረበ መሪሕ ቃል ከኣ "ደቂ ኣንስትዮ ኣኽራናት የንቀሳቕሳ" ዝብል እዩ። ከምቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣህጉራዊ መዓልቲ ዝተገልጸ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምክልኻል ከባቢ ኣኽራንን ማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለን ዓቢ ግደ ኣለወን።

“መብዛሕትኡ ግዜ ቀንዲ ኣካየድቲ ሃብቲ ኣኽራን፡ ሓለውቲ ብዙሕነት ህይወት፡ ሓለውቲ ባህላዊ ፍልጠት፡ ሓለውቲ ናይቲ ከባቢ ባህሊ፡ ከምኡ’ውን ክኢላታት ባህላዊ ሕክምና ደቂኣንስትዮ እየን።”

ብተወሳኺ፡ ለውጢ ክሊማ እናከፍአ ኣብ ዝከደሉን ምስቲ ዘሎ ምስ ሕጽረት ወፍሪ ኣብ ሕርሻ ኣኽራንን ልምዓት ገጠርን ተደሚሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ደቂ ተባዕትዮ ኣማራጺ መነባብሮ ንምርካብ ናብ ካልእ ቦታታት ናብ ዓበይቲ ከተማታት ክስደዱ ከም ዝደፍኦም ይሕብር።  ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ቅድሚ ሕጂ ብደቂ ተባዕትዮ ዝስራሕ ዝነበረ ዕማማት ወሲደን ይዓያ ኣለዋ፣ እንተኾነ ግን ደቂ ኣንስትዮ ኣኽራን ብሰንኪ ገደብ ስልጣን ማለትታብ ውሳኔ   ዘይምዕሩይነት ስልጣን ከማኡ እውን ኣብ ምቅሊት ጸጋታት  መብዛሕትኡ ግዜ ጐሊሐን ኣይረኣያን እየን።

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ኣኽራን 2022 ከስ ጾታዊ ማዕርነት ንምድንፋዕ ዝሕግዝ ዕድል ኮይኑ ማሕበራዊ ፍትሒ፡ መነባብሮን ጽንዓትን ኣብ ምምሕያሽ ኣበርክቶ ከገብር ትጽቢት ይግበረሉ።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 December 2022, 17:21