ድለ

ዘመነ ምጽኣት ንጐይታ ብዝተሓደሰ መንገዲ ንክንፈልጦ ዚኣክል ግዜ የወፍየልና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር. ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናይ ሰንበት ዕለት 11 ታሕሣሥ 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ዘመነ ምጽኣት ከም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ጐይታ መን ምዃኑ ዘለና ርድኢት ከነሐድስን ብናይ እግዚኣብሔር ምሕረትን ለውሃትን ክንግረም ከም እንኽእልን ንመሃር እንክብሉ ኣስተምሂሮም። ኣብ ፍጻሜ ከኣ ነቲ ብህጻናትን ስድራቤቶምን ዘምጽእዎ ናይ ልደት ህጻን ኢየሱስ ምስልታት ከምዝባረኹ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብዚ ሳልሳይ ሰንበት ዘመነ ምጽኣት ንዕለቱ ዝቀረበ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ዝምልከት ቃለ ወንጌልን ነቲ ብዙሓት ስድራቤታት ምስ ደቆም ኣብዚ ዕለት እዚ ንኽባረኹ ሒዝምዎ ዝመጹ ንኣሽቱ ምስልታት ኢየሱስ ህጻንን ብዝምልከት ዓሚቊ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም። እቲ ስድራቤታት ናኣሽቱ ደቆምስ ይኹኑ ንሶም ኣብ በዓቲ ልደት ዘንብርዎ ምስሊ ኢየሱስ ሕጻን  ኣብዚ ዕለትዚ ንቡራኬ ምቅራብ ብር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተኣታተዎ ንልዕሊ ሓምሳ ዓመታት ዝግበር ቅዱስ ልማድ እዩ።

ናይ ዕለቱ ቃለወንጌል  ካብ ማቴ 11.2 ዝተወስደ ‘ዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ብዛዕባ ተግባራት ክርስቶስ ምስ ሰምዐ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ ‘እቲ ዝመጽእ ንስኻ ዲኻ ወይ ድማ እንጽበዮ ኻልእ ኣሎ? በሎ። ኢየሱስ ከዓ ‘ኬድኩም እዝ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘለኹም ንዮሓንስ ንገርዎ።  ዕዉራት ይርእዩ፤ ሓንካሳት ይኸዱ፤ ለምጻማት ይነጽሁ፤ ጸማማት ይሰምዑ ፤ ምዉታን ይትሥኡ፤ ድኻታት ወንጌል ይብሠሩ ኣለዉ። 6 ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከዓ ብፁዕ እዩ’ በሎም።  ልኡኻት ዮሓንስ ምስ ከዱ ነቶም ሕዝቢ . . . ብዛዕባ ዮሓንስ ‘ንሱ እቲ ብዛዕባኡ እንሆ ኣነ ቀቅድሜኻ መንገድኻ ዝጸርግ ልኡኸይ ኣቐዲመ እልእኽ ኣለኹ ተብሂሉ ዝተጽሓፈሉ እዩ እሞ  ኣንስቲ ኻብ ዝወለዳኦም ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ዝዓቢ ሓደ እኳ ኸም ዘይተሥአ ሓቂ ብሓቂ  እብለኩም ኣለኹ። ኣብ መንግሥተ ሰማያት ግና እቲ ኻብኡ ዝንእስ እዩ ዝዓብዮ` ዝብል ዝርከቦ  ብዛዕባ እቲ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንደቀ መዛሙርቱ ዝልኣኾ ዝምልከት ነበረ።  ቅዱስ ኣብዚ ቃል ኣምላኽ ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ፡ እቲ ነቢያት ብዛዕባኡ ዝተነበዩ ንሱ ከይተረፈ ዝተነበየሉ መድሓኒ መሲሕ ምዃኑ ነዚ ከኣ ብዘረባን ምልክትን ርህራሄ ንኹሉ ብፍቕራዊ ምሕረት ንሕሙማት ብምፋስስ ይኹን፣ ንዓይነ ስዉራን ዳግም ከምዝርእዩ ብምግባር፣ ከማኡ እውን ንዝሞቱ ካብ ሞት ብምትንሣእስ ይኹን ከምቲ ናይ ነቢያት ንድኻታት ዜና ሓጐስ ብምብሳር፣ ኢየሱስ ብሓቂ እቲ ክርስቶስ ምዃኑ ይመሃር። ንዓና ከኣ ንዝኾነ ምጥርጣር ከመይ ገቢርካ ከም እትሰግር ይምህረና ኢሎም።

ምብዳህ ጥርጣረ!

ቅዱስነቶም ቀንዲ ትምህርቲ ናይዚ ክፍሊ ወንጌል ጭንቀት ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ እቲ ንሕና ክንግምቶ እንኽእል ማእሰርትን ብጸልማት ተኸቢብካ ምንም ክትርኢ ዘይምኽኣልን ካልእ ሥጋዊ ስቃይን ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ውሽጢ ሕልናኡ ኮይኑ ዝሕውጾ ዝነበረ መንፈሳዊ ነውጺ እውን ፍሉይ ተመኲሮ ምንባሩ የዘኻኽሩ እሞ፣ እዚ ተመኲሮ እዚ ነቲ ንሱ ባዕሉ ዘጠመቆን እነሆ እቲ በግዕ እግዚአብሔር ክብል ዝተነበየሉ ኢየሱስ ብሓቂ እቲ መሲሕ ክርስቶስ ምዃኑ ኣነጺሩ ንከይርኢ እቲ ኣፍኣዊ ጸልማት ይጋርዶ፣ ኣብ ነውጺ ይኣቱ! ይጠራጠር! ነዚ ምጥርጣር እዚ ንክሰግር ድማ ኣርድእቱ ናብ ኢየሱስ ይልእኽ። እዚ ዘመልክተልና ጉዳይ እንተልዩ መንፈሳዊ ዕብየት እውን ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ኣነጸሩ።

“እዚ ማለት ግን እቲ ዝዓበየ ኣማኒ እኳ ብናይ ጥርጣረ ገለርያ ወይውን ጒሕጓሕ ይሓልፍ ማለት እዩ። እዚ ድማ ሕማቕ ነገር ኣይኮነን፤ ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ ሓድሓደ ግዜ ንመንፈሳዊ ዕቤት ኣገዳሲ እዩ: ኣምላኽ ወትሩ ካብቲ ንሕና እንሓስቦ ንላዕሊ ከም ዝዓቢ ንምርዳእ ይሕግዘና። ኣእምሮና ይኸፍተልና።”

ክፉት ኣእምሮ!

ቅዱስነቶም ብምቅጻል ብዛዕባ እቲ እግዚኣብሔርብ ከመይ ከም ዝሰርሕን ተግባራቱ ካብቲ ንሕና እንሓስቦን እንግምቶን ክሳብ ክንደይ ክም ዝፍለ ከማኡ እውን  ክንዮ ድሌታትናን ትጽቢትናን ምዃኑ ርኢና ንኽንገርም ኩሉ ግዜ ክፉት ኣእምሮ ክንውንን የድልየና ብማለት ወትሩ ክፉት ኣእምሮን ሕልናን ክህልወና ኣዘኻኺሮም። በዚ ኣገባብ እዚ ከኣ ንጐይታ ኩሉ ግዜ ንክንደልዮ፡ ኣዒንትና ክንከፍትን ብእኡ ንክንልወጥ ስንድዋት ክንከውንን የድልየና። ናይቲ ዓቢይ ሊቅ ትምህርተ ንባበ መለኮት ሀንሪ ደ ሉባክ ብምጥቃስ ከኣ ‘እግዚአብሔር ብተኸታታሊ ፍጻሜታትን ደረጃታትን ደጋጊምና ክንረኽቦ ነዚ ከኣ ዋላ ሓድሓደ ግዜ ንኸስሮ ንኸውን ዝብል ሓሳብ ሒዝና እውን ንገብሮ። ከም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቕ ንሕና እውን ኣእምሮና ብምኽፋትን ሓሳባትናን ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትናን ንርድኢትና ክድርት ብዘይምፍቃድን ንጐይታ ዳግማይ ክንረኽቦ ንኽእል። ብምሕረቱ ከኣ ክንድነቅ ንኽእል ኢሎም።

ብሃንደበት ዝመጽእ ዘደንቅ ምሕረት ኣምላኽ!

ቅዱስነቶም ኣብ ክርስትያናዊ ሕይወትና ምልስ ይብሉ እሞ፣ ኣብ ገገለ እዋናት ኣብ ጐይታ ምንም ሓድሽ ነገር ከይንርኢ ንኽእል ኢና፣ በዚ ከኣ ብዛዕባኡ ድሮ ኣኽል ታርፍ ኣፍልጦ ኣሎና ብዝብል ኣተሓሳስባና  ዝተማሪኽና ክንከውን ንኽእል። ምናልባት ሓደ ሓያል ኣምላኽ ጥራይ ክንርኢ ንኽእል እንተኾነ ነቲ ‘ኩሉ ግዜ ናጽነትናን ምርጫታትናን ኣኽቢሩ ጣልቃ ዝኣቱ’ ትሑት ልኡምነቱን ምሕረቱን ፍቕሩን ክንዝንግዕ ዚከኣል እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽን ብጾትናን ዘሎና  ሓሳባትና ወይውን ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትና ክንቃለሶም ኣሎና። ዘመነ ምጽኣት ከኣ ነዚ ኣተሓሳስባና ንምልዋጥን በቲ ብሃንደበት ዝመጽእ  ዘደንቅ ምሕረት ኣምላኽ ክንግረም ፍቃደኛታት ንምዃን’ ዝሕግዝ ምቹእ እዋን ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ንልደት ኢየሱስ ህጻን ዝኸውን በዓቲ ኣብ ምድላው፡ ጐይታና መን ምዃኑ ዳግም ንመሃር፤ እዚ ግዜ እዚ ነቲ ብዛዕባ እግዚአብሔርን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እነሰላስሎም ዝተወሰኑ ኣተሓሳስባታትን ቅድመ ኩነታዊ ፍርድታትን ንድሕሪት ገዲፍና፤ ብዛዕባ ንገዛእ ርእስና ዝኸውን ህያባት ኣብ ክንዲ ምሕሳብ ከምቲ ኢየሱስ ንዓይነ ስዉራንን ጽሙማንን ሓንካሳትን ዝገበሮ፡ ንዝቘሰሉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ናይ ምጽንናዕ ቓላትን ተግባራትን እነወፍየሉ ግዜ እዩ።”

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ኣስተምህሮኦም ንበዓለ ልደት ኣብ እንሰናደወሉ ዘሎና እዋን እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ‘ብኢዳ ሒዛ ከተታትየና’ ፍቃደኛታት ክንከውን ኣብ ትሕትና እቲ ከም ዕሸል ዝቀርብ ኢየሱስ ዕብየት ናይቲ ኣብ መንጎና ክነብር ዝመጽእ ዘሎ እግዚኣብሔር ተኽእለና ከለልዩን ኣተባቢዖም።

ብድሕሪ’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ ኣደባባይ ተረኺቦም ዝነበሩ ህጻናት ሰላምታ ብምሃብ ንዓኣቶምን ንስድራቤቶምን ብሩኽ በዓለ ልደት ተመንዮም።  ነቲ ሒዞሞ ዝመጹ ምስልታት ኢየሱስ ሕጻን ባሪኾም፣ እዚ ምስልታት እዚ ነፍስወከፎም ኣብ ነናይ ገዛኦም  በዓቲ ልደት ዘቀምጥዎ ምስሊ ኢየሱስ ሕጻን እዩ። ቅዱስነቶም ድሕሪ ቡራኬ ነናብ ገዛኦም ኣብ ዝሠርሕዎ በዓቲ ልደት ብፍሉይ መንፈስ ክጽልዩ ከምዚ ክብሉ ተማሕጸንዎም።

“ነፍስወከፍኩም ኣብ ቅድሚ በዓቲ ልደት ቆምኩም ልደት ጐይታ ናብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ህጻናት ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብተን ዘስካሕክሕን ጸልማትን መዓልታት ኲናትን ክነብሩ ዝተገደዱ፡ እዚ ኣብ ዩክሬን ሕይወት ብዙሓት እወ ሕይወት ብዙሓት ሕጻናት ዝቀዝፍ ዘሎ ኲናት፡ ጩራ ሰላም ከምጽኣሎም፡ ክትጽልዩ እዕድመኩም ኣሎኹ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
12 December 2022, 17:16

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ናይ መጨረሻ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር/ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት

ንኩሉ ኣንብብ >