ድለ

ኣምላኽ ንሓደ ቅልውላው ናብ ዘይተጸበናዮ ሓዲስ ጽቡቅ ዕድል ክልውጦ ይኽእል’ዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 18 ታሕሣሥ 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምዕራጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘ቅዱስ ዮሴፍ ከመይ ገቢሩ ንመሲሕ ከም ውህበት እግዚኣብሔር ከምዝተቀበሎ ነስተንትን እሞ፣ እግዚኣብሔር ነቲ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ሕይወትና ህሞታት ናብ ዕድላት ሓዲስ ምጅማር ክልውጦ ከምዝኽእል ንዘክር’ እንክብሉ ጽድቂ ቅዱስ ዮሴፍ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትማል ሰንበት 4ይ ሰንበት ዘምጽኣት ብምዝካር ንዕለቱ ዘቅረበቶ ማቴ 1፡18-24 ኮይኑ ቅዱስ ዮሴፍ ጻድቅ ሰብ ብምንባሩ ነታ ዘሕጸይዎ ድንግል ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ጸኒሳ ምስ ረኸባ ከየዋረዳ ብስቱር ክፈትሓ እንኪሓስብ መልአኽ እግዚአብሔር ብሕልሚ መጺኡ ‘ዮሴፍ ወዲ ዳዊት እቲ ኻብኣ ዝውለድ ብመንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነ ንሕጽይትኻ ማርያም ምውሳዳ ኣይትፍራኅ። ወዲ ኽትወልድ እያ ንሱ ንሕዝቡ ኻብ ኃጢኣቶም ከድኅኖም እዩሞ ስሙ ኢየሱስ ክትብሎ ኢኻ። እዝ ዂሉ ዝኾነ ድማ እቲ እግዚኣብሔር ብነቢይ እንሆ ድንግል ክትጠንስ ወድውን ክትወልድ እያ ስሙ ኸዓ ኣማኑኤል ክብልዎ እዮም ትርጕሙ ድማ  እግዚኣብሔር ምሳና› ማለት እዩ ኢሉ ዝተዛረባ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ።  ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ተሢኡ ኸምቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ገበረ፤ ንሕጽይቱ ማርያም ድማ ወሰዳ’  ዝብል ዝርከቦ ነበረ።

ቅዱስነቶም ኣብ ጽድቂ ቅዱስ ዮሴፍ ብምትኳር፡ ‘እቲ ብእግዚአብሔር መዕበዪ ኢየሱስ ክኸውን ዝተመርጸ፡ ንሕጽኖቱ ምስ ማርያም ብሓዲስ መነባብሮ ስድራኡ ኪኣልን ንጹሕን ገርሀይናን ጻድቅን ከማኡ እንተዘይኰንካ ከም ሰብ ክትቅበሎ ከቢድ ብዝኾነ ብገርሀይና ሕልምታት እንክጅምሮ ምናልባት ከም ሰብ ካልእ ሕልሚ ነርዎ ክኸውን ይኽእል። ምስ ፍቅርቲ ሕጽይቱ ሓዳር ብዙሓት ድንቂ ቈልዑን  ክቡር ስራሕን ክውንን ይሓልም ነሩ ይኸውን። እንተኾነ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ናቱ ዘይኰነ ውላድ ትጽበ ከም ዝነበረት ምስ ተረደኤ፡ ከም ሰብ ዝተሰምዖ ስንባደን፡ ቃንዛን፡ ኩሉ ድንግርግር ኢልዎ፡ ምናልባት እውን ቁጥዐን ተስፋ ምቝራጽን” ፈጢሩሉ ክኸውን ይከኣል` እንክብሉ እቲ ብሰማያዊ ሕልሚ ዝፍታሕ ምድራዊ ሕልሙ ተሰቢሩ ክበሃል ከምዝከኣል ገሊጾም።

ዝተሰብረ ሕልሚ!

ከም ሰባት እንክንሓስብ ቅዱስ ዮሴፍ ዝነበሮ ሕልሙን ዓለሙን ኣብ ዙርያኡ እናተበታተነ ምስ ከደ፡ ናብ ሕጊ ሙሴ ምልስ ይብል እሞ ነቲ ሕጊ ዘቅርበሉ  ክልተ ኣማራጺታት፣ ማለት ወይ ንእኖና ድንግል ማርያም ብጥልመትን ብዘይእሙንነትን ክኸሳ ወይ ድማ ነቱ ጉዳይ ናብ ኸቢድ ሳዕቤን ከየቃልዓ ሕጸኡ ብሕቡእ ክስርዝ ዝብል ምርጫ ኣብ ቅድሚኡ ይግተሩ። እንተኾነ ብኹሉ ኩሉ ዓቢ ጾር ናይ ሕፍረት ኣብ ልዕሊኡ ዘውርድ ነበረ። ቅዱስ ዮሴፍ ጻድቅ ሰብ ብምንባሩ ድሕሪ ነዊሕ ኣስተንትኖ  ዝወለደት ትውለድ “መንገዲ ምሕረት” ይመርጽ እሞ ነታ ካልአይቲ ምርጫ ማለት ብስውር ከሰናብታ ይውስን።  ነዚ ሓሳባት እዚ ከደይብን ከውርድን ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ጭንቀት እንከሎ ከኣ እግዚኣብሔር ኣብ ልቡ ሓዲስ ብርሃን የብርህ  ብሕልሚ ከኣ ኣደነት እኖና ድንልግ ማርያም ብጥልመት ዘይኮነስ ብሥራሕ  መንፈስ ቅዱስ ምዃኑን ፡ እቲ ክውለድ ዘለዎ  ሕጻን ድማ መድሓኒ ዓለም ምዃኑ ይገልጸሉ። ቅዱስ ዮሴፍ ካብ ድቃሱ ምስ ተበራበረ ሽሕ’ኳ ብዘይተጸበዮ መንገዲ እንተኾነ እግዚኣብሔር ኣብ ውሽጡ ነቲ ዝዓበየ ሕልሚ ነፍሲ ወከፍ ውፉይ እስራኤላዊ ይፍጽሞ ከምዘሎ ተረድአ: ኣቦ ናይቲ ኩሎም እስራኤላውን ብዓቢ ሃንቀውታ ዝጽበይዎ ዝነበሩ መሲሕ ከምዝኸውን እውን ተረደኤ። እንተኾነ ኣብዚ ክልተ ጉዳያት ፊት ንፊት ተገቲረን ንርእየን እታ ሓንቲ ብኣምላኽ ምትእምማን ክተከውን ከላ እታ ካልአይቲ ከኣ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ውሕስነት ምርካብ እየን።

ምትእምማን ብመንጽር ውሕስነት!

ቅዱስነቶም ብምቅጻል ቅዱስ ዮሴፍ ድሕሪ እታ ሕልሚ ቅድሚ ሕጂ ዝገብሮ ካብ ዝነበረ ኣገባብ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንማርያምን ወዳን ብምቕባል ንገዛእ ርእሱ ምሉእ ብምሉእ ንእግዚኣብሔር ከወፊ ግድን ከምዝኾነ ከምዝግንዘብ ከምዚ ክብሉ ገለጹ።

“ቅዱስ ዮሴፍ ንዅሉ ውሕስነት ዝህቦ ዝነበረ ርግጸኛ ነገራት ንሓንሳእን ንሓዋሩን ክጥንጥን፡ ነቲ ነዊሕ ዝሓለሞን ዘስተንተኖን ፍጹም መደባቱ ክሓድግ፡ ሕጋዊ ትጽቢታቱ ገዲፉ፡ ኣብ ቅድሚኡ ጐይታ ዘሰናደውሉ ክረኽቦ ዘለዎ መጻኢ ልቡ ክኸፍት ግድን ምዃኑ ሃንጐፋይ ቢሉ ተቀበለ።”

እዚ “ጻድቅን ፍትሓውን ዝኾነ ሰብ” እዚ ጅግንነታዊ ትብዓት ኣርእዩ! ንኣምላኽ “እሺ ሕራይ! ኣመን!እወ” ብምባል ምሉእ ብምሉኡ ተኣሚኑን ተኣማሚኑን ካልእ ተወሳኺ ውሕስነት ኣይደለየን ኣይሓተተን`ውን። ካብቲ ዝተበታተነ ሕልምታት ሓዲስ ኣድማስ ተኸፊቱሉ።

ዝተበታተኑ ሕልምታትን ሓዲስ ኣድማስን!

ቅዱስነቶም ናብ መነባብሮናን ኩነታትናን ምልስ ይብሉ እሞ! ካብዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ክንመሃሮ እንኽእል ነገራት እንታይ እንታይ ኮን ይህሉ! ኢሎም ይሓቱ። ርግጽ ኣብ ሕይወትና ነፍስወከፍና እንሰርዖ ዕላማታት ኣሎና ምናዳ ኣብዚ ግዜ ልደት ዋላ እቶም ጽቡቅ ገቢርና ዘይሓሰብናሎምን ዘይመደብናዮምን ተስፋ ዘበርናሎም ጉዳያትን ኣይሰኣኑን። እንተኾነ ሓንሳእ ሓንሳእ እዚ ሕልምታትና ፋሕ ብትን ይኣትዎ እሞ እንታይ ከምእንገብር ይሕርብተና። ቅዱስ ዮሴፍ ግን ንዝተበታተኑ ሕልምታት ንምርዳእ ዝሕግዝ መንገዲ ከምዘርእየና ከምዚ ክብሉ ገልጹ።

“ከምዚ ከጋጥም እንከሎ ኣብ ኣሉታዊ ስምዒታትና፡ ማለት ከም ሕርቃን ወይውን ተነጽሎ፡ ኢድና ክንህብ ግድን ኣይኮነን! እዚ ጌጋ መንገዲ እዩ! ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ህይወት ንዘጋጥሙ ዜገርም ነገራት፡ ዋላ እውን ቅልውላዋት እንተኾኑ ተጠንቂቅና ብትኹረት ክንቅበሎም ኣሎና።”

ቅልውላዋት እንከጋጥሙና  ኣብ ክንዲ ንርበጽን ህውኽ ውሳኔ ምግባርን፡ ከም ቅዱስ ዮሴፍ፡ ንኩሉ ሃዲእና ክንሓስበሉ ይግባእ። ኣብ ማእከል ከቢድ ውልቃዊ ቅልውላው እንክንርከብ እንተደኣ ንእግዚኣብሔር ማዕጾ ልባትና ክፉት ምስ እንገብሮ፡  እመኑ ከሓዱ ኣምላኽና  ንቅልውላዋትና ናብ ሓደስቲ ኣድማሳት ጽቡቅ ዕድል ዝልውጥ እዩ! ነዚ ንሱ ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ! ኣምላኽና ዘቅረበልና ሓደስቲ ኣድማሳት ካብቲ ንሕና እንሓስቦ መወዳእታ ኣልቦ ብዝኾነ መንገዲ ዝዓበዩን ዝሓሹን ዘደንቁ እዮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
19 December 2022, 14:17

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ናይ መጨረሻ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር/ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት

ንኩሉ ኣንብብ >