ድለ

ቅድስት ድንግል ማርያም ንንጽሕናና ካብ ክፍኣት ክንዕቅብ ወትሩ ትሕግዘና! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ንጹሕ ፅንሰት እኖና ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ፡ ኣብ ታሪኽ ዘመደ ኣዳም ሓጢኣት ዘይብላ እንኮ ሰብኣዊ ፍጥረት ማርያም ጥራይ ምዃና ብምዝኽኻር ክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ናብኣ ክምዕቈብ ዓዲሞም። ምስ ሓጢኣት ኣብ እነካይዶ ውግእ ንሳ ወትሩ ምሳና ከምዘላ፡ ከማኡ ድማ ንሳ ሓፍትናን ኣደናን እያ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ብዕለት 8 ታሕሣሥ 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ንምእመናን ነጋድያንን ቅድሚ ምምርሖም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተመርኲሶም ነቲ ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ሰላምታኡ ጸጋ ዝመልኣኪ ክብል ዘቅረበላ ምልኣት ጸጋ እኖና ድንግል ብሰፊሑ ተንቲኖም።

ማርያም ምልእተ ጸጋ!

ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃ 1.26-39 ኮይኑ ‘ኦ ምልእተ ጸጋ ተሓጐሲ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ፣ እንካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ’ በላ ዝብል ሰላምታ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ዝርከቦ ነበረ። ቅዱስነቶም ነታ ምልእተ ጸጋ ትብል ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ዝሃባ ሓዲስ ስም ምዃኑን ብሓቂ ከኣ ዝግብኣ ስም ከምዝኾነ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም “ካብ ሓጢኣት ነጻ” እያ ኢሎም። ቅዱስነቶም ብምቅጻል እግዚኣብሔርከስ ንእኖና ድንግል ማርያም በዚ ስም ብምጽዋዕ  ነቲ ንሳ ክሳብ ሽዑ ብትሕትና ሓቢኣቶ ዝነበረት ዝዓበየ ምስጢራ ይገልጸላ ምስ በሉ ናባናን ናብ ኩነታትናን ምልስ ይብሉ እሞ “ንሕና ሓጥኣን እውን ንህይወትና ዝመልአ ናይ መጀመርታ ህያብ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ዝዓቢ ሰናይ ዝኾነ ነገር፡ መበቈላዊ ጸጋ ዝተዓደልና ክንስና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ኣይንፈልጦን ኢና”  እንክብሉ ነቲ ኣብ ምሥጢረ ጥምቀት እንቅበሎ እሞ ንኩሉ ሓጢኣትና ደምሲሱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ሸሊሙ ንጹሓትን ሓደስቲ ፍጥረትን ዝገብረና ፍጻሜ ክንዝክር ሓደራ ቢሎም።

ኣብ ጥምቀት እንቅበሎ መበቆላዊ ጸጋ!

እዚ መበቆላዊ ጸጋ እዚ ኣብ መዓልቲ ጥምቀትና ዝተቐበልናዮ ስለዝኾነ ክንዝክሮን ከነብዕሎን ጽቡቕ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም፣ ኣብ ግዜ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ከምዝወርድን በዚ ኸኣ “ኣምላኽ ኣብ ሕይወትና ይወርድ፣ ንሕና ድማ ንዘለኣለም ፍቑራት ደቁ ንኸውን” ካብዚ፡ እቲ መበቆላዊ ጽባቐና ወይውን ንጽሕናና ስለዝምለሰና  ክንሕጐሰሉን ደስ ክብለናን ኣለዎ። ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ዝብላ ዘሎ እውን እዚ እዩ። በዚ ከኣ እኖና ድንግል ማርያም ነዚ ምስ ሰምዔት በቲ ካብታ ዝሰምዓታ ቅጽበት ህይወታ ዝሸለመን ዘንጸሐን ጸጋ ትግረም ሎሚ ንዓና እውን በዚ ጸጋ እዚ ዝረኸብናዮ ጽባቀን ንጽሕናን ክንግረመሉ ትዕድመና ኢሎም።

እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም! እንተኾነ እዚ ኣብ ዕለተ ጥምቀትና ብኣምሳል ጻዕዳ ሻሽ ዝተቀበልናዮ ስልማት ንጽሕና ዝኾነ ጽባቐ እዚ፡ በቲ  ኣብ ዝሰዓበ መዋዕል ሕይወትና ብዝፈጸምናዮ ክፍኣተ ግብሪ እኳ እንተኣርሳሕናዮ ገና ነዚ ትዕድልቲ እዚ ክነበራብሮን ክንጥቀመሉን ከም እንኽእል ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

“እስኪ ነቲ ‘ወደይ! ጓለይ! አፍቅረካ/ኪ እየ! ኣነ ወትሩ ምሳኻ/ኺ ኣሎኹ! ንስኻ/ኺ ኣገዳሲ/ት ኢኻ/ኺ! ህይወትካ/ኪ ክብርቲ እያ’ እናበለ ዘጋውሕ ዘሎ ድምጺ ጐይታ ጽን ቢልና ንስማዕ። ነገራት ብጽቡቕ ምስ ዘይከዱን ተስፋ ምስ እንቖርጽን፡ ምስ እንጭነቅን ወይውን ዘይጠቅምን ኣብ ጌጋ ዘሎናን ኮይኑ ክስምዓናን ኣብ ሓደጋ ዝወደቅና እንክመስለናን ንኩሉ ገዲፍና ብዛዕባ እዚ መበቆላዊ ጸጋ እዚ እስኪ ንሕሰብ። እንተኾነ ዋጋ ከምዝሓትት ከኣ ኣይንዘንግዕ።”

ንጽሕናና/ጽባቐና ዋጋ የኽፍል እዩ!

ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ቃል ኣምላኽ ‘ንጽሕናና/ጽባቐና ንምዕቃብ ዋጋ ከምዘኽፍል፡ ቃልሲ ከም ዝሓትት’ ከም ዝምህረና ይሕብሩእሞ፣

“ምስዚ ብዝተኣሳሰር መንገዲ እኖና ድንግል ማርያም ማርያም ንኣምላኽ ‘እሺ ሕራይ’ ብምባላ ትብዓት ትምህረና ከመይ ኣምላኽ ክጽውዕ እንከሎ ብጣዕሚ ከቢድ ነገር ኮይኑ ዕድለይ ቢልካ ንዝኾነ ሃንደበትነት ስንድው ኰንካ ትኣትዎ ስለዝኾነ ጠኒና ኣተወት። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ንውድቀት ወለድና ዝሰዓበ ሓጢኣት ኣቦና ኣዳም ከኣ ምስቲ ፈታንን ፈተናታቱን ዘሎ ውግእ የዘንትወልና። በታ ዘላትና ቁሩብ ተመኲሮ ከኣ ንሕና እውን፡ “ሰናይ ንምምራጽን፡ ነቲ ኣባና ዘሎ ሰናይ ንምዕቃብን ሓያል ጻዕሪ ከም ዝሓትት” ንፈልጥ ኢና።”

ቅዱስነቶም ኣብ ህልው ኩነታትና ምልስ ብምባል ነፍስወከፍና ሕልናኡ ክፍትሽ ምናዳ ከኣ ነዚ ሰናይ ዘባኸንናሉ እዋናት ኣብ ግምት ብምእታው ንዘብለጭልጭ ክፍኣተ ግብሪ ኢድና ብምሃብ፣ ንረብሓታትና እናተተናኾልና፣ ኣብ ዘይጠቅምን ጎዳእን ዝኾነ ነገራት ግዜ ከነባኽንን፣ ነአቶም ሓገዝና ዝሓቱ ግዜ የብለይን ኣይክእልን እየ እናበልና ግዜ እንከሎናን ክንገብሮ እናከኣልናን ዝገደደ ከኣ ንጸሎት ኣወንዚፍና እንነብሮ ክነስተንትነሉን ክንልውጦን ዘሎና ባህርያት ምዃኖም ብምዝኽኻር ኣብ ጥንተ ፍጥረትና ክንምለስ ጽባቄናን ንጽሕናናን ዳግም ክንለብስ ኣዘኻኺሮም። ነዚ ንምግባር ከኣ በይንና ከምዘይኮነ እኖና ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ወትሩ ምሳና እያ ኢሎም።

እኖና ድንግል ማርያም ወትሩ ምሳና ኣላ!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቲ ወትሩ ዝንገረና ግን እንዝግዖ ሠናይ ብሥራት ንምዝኽኻር ዚኣክል ‘እታ ኣብ ታሪኽ ዘመደ ኣዳም ሓጢኣት ዘይብላ እንኮ ሰብኣዊ ፍጥረት ማርያም ኣብቲ ዕለት ዕለት እነካይዶ ቃልሲ ምሳና ኣላ፡ ሓፍትና ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣዴና እያ። ሠሠናዩ  ንምምራጽ እንክንቃለስ፡ ንገዛእ ርእስና ናብኣ ንከነማዕቊብ’ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።

“ንገዛእ ርእስና ናብ እኖና ድንግል ማርያም እንክንማዕቚብን ሕይወትና ንዓኣ እንክነወፍን ‘ኣደዋየ ብኢደይ ኣታትይኒ፡ ምርሕኒ፡ ምሳኺ ኮይነ ኣንጻር ክፍኣት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዝያዳ ሓይሊ ክህልወኒ እዩ፡ ምሳኺ ድማ ነቲ መበቆላዊ ጽባቐይ/ንጽሕና ዳግም ክረኽቦ እየ’ ንብላ። ሎምን ወትሩ ዕለት ዕለትን ገዛእ ርእስና ናብ እኖና ድንግል ማርያም “ኦ ማርያም፡ ሕወተይ፡ ስድራይ፡ ስርሐይ፡ ልበይን ቃልሰይን ናብኺ ኣማዕቊቦ ኣሎኹ። ኩለትናይ ንዓኺ ኣወፍዮ ኣሎኹ’ ንበላ። ንጽሕት ድንግል ማርያም ንጽሕናና/ጽባቄና ካብ ክፉእ ትዓቅበልና።”

ብድምጺ ንምክትታል!
09 December 2022, 15:41

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ናይ መጨረሻ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር/ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት

ንኩሉ ኣንብብ >