ቅድስት ድንግል ማርያም ንንጽሕናና ካብ ክፍኣት ክንዕቅብ ወትሩ ትሕግዘና! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ብዕለት 8 ታሕሣሥ 2022 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ንምእመናን ነጋድያንን ቅድሚ ምምርሖም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ተመርኲሶም ነቲ ቅዱስ ገብርኤል ኣብ ሰላምታኡ ጸጋ ዝመልኣኪ ክብል ዘቅረበላ ምልኣት ጸጋ እኖና ድንግል ብሰፊሑ ተንቲኖም።
ማርያም ምልእተ ጸጋ!
ናይ ዕለቱ ወንጌል ካብ ሉቃ 1.26-39 ኮይኑ ‘ኦ ምልእተ ጸጋ ተሓጐሲ እግዚአብሔር ምሳኺ እዩ፣ እንካብ ኣንስቲ ዝተባረኽኪ ኢኺ’ በላ ዝብል ሰላምታ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ዝርከቦ ነበረ። ቅዱስነቶም ነታ ምልእተ ጸጋ ትብል ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ዝሃባ ሓዲስ ስም ምዃኑን ብሓቂ ከኣ ዝግብኣ ስም ከምዝኾነ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም “ካብ ሓጢኣት ነጻ” እያ ኢሎም። ቅዱስነቶም ብምቅጻል እግዚኣብሔርከስ ንእኖና ድንግል ማርያም በዚ ስም ብምጽዋዕ ነቲ ንሳ ክሳብ ሽዑ ብትሕትና ሓቢኣቶ ዝነበረት ዝዓበየ ምስጢራ ይገልጸላ ምስ በሉ ናባናን ናብ ኩነታትናን ምልስ ይብሉ እሞ “ንሕና ሓጥኣን እውን ንህይወትና ዝመልአ ናይ መጀመርታ ህያብ፡ ካብ ዝዀነ ይኹን ዝዓቢ ሰናይ ዝኾነ ነገር፡ መበቈላዊ ጸጋ ዝተዓደልና ክንስና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ኣይንፈልጦን ኢና” እንክብሉ ነቲ ኣብ ምሥጢረ ጥምቀት እንቅበሎ እሞ ንኩሉ ሓጢኣትና ደምሲሱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ሸሊሙ ንጹሓትን ሓደስቲ ፍጥረትን ዝገብረና ፍጻሜ ክንዝክር ሓደራ ቢሎም።
ኣብ ጥምቀት እንቅበሎ መበቆላዊ ጸጋ!
እዚ መበቆላዊ ጸጋ እዚ ኣብ መዓልቲ ጥምቀትና ዝተቐበልናዮ ስለዝኾነ ክንዝክሮን ከነብዕሎን ጽቡቕ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም፣ ኣብ ግዜ ጥምቀት መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሌና ከምዝወርድን በዚ ኸኣ “ኣምላኽ ኣብ ሕይወትና ይወርድ፣ ንሕና ድማ ንዘለኣለም ፍቑራት ደቁ ንኸውን” ካብዚ፡ እቲ መበቆላዊ ጽባቐና ወይውን ንጽሕናና ስለዝምለሰና ክንሕጐሰሉን ደስ ክብለናን ኣለዎ። ገብርኤል መልኣኽ ንማርያም ዝብላ ዘሎ እውን እዚ እዩ። በዚ ከኣ እኖና ድንግል ማርያም ነዚ ምስ ሰምዔት በቲ ካብታ ዝሰምዓታ ቅጽበት ህይወታ ዝሸለመን ዘንጸሐን ጸጋ ትግረም ሎሚ ንዓና እውን በዚ ጸጋ እዚ ዝረኸብናዮ ጽባቀን ንጽሕናን ክንግረመሉ ትዕድመና ኢሎም።
እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም! እንተኾነ እዚ ኣብ ዕለተ ጥምቀትና ብኣምሳል ጻዕዳ ሻሽ ዝተቀበልናዮ ስልማት ንጽሕና ዝኾነ ጽባቐ እዚ፡ በቲ ኣብ ዝሰዓበ መዋዕል ሕይወትና ብዝፈጸምናዮ ክፍኣተ ግብሪ እኳ እንተኣርሳሕናዮ ገና ነዚ ትዕድልቲ እዚ ክነበራብሮን ክንጥቀመሉን ከም እንኽእል ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ንጽሕናና/ጽባቐና ዋጋ የኽፍል እዩ!
ቅዱስነቶም ካብዚ ብምቅጻል ቃል ኣምላኽ ‘ንጽሕናና/ጽባቐና ንምዕቃብ ዋጋ ከምዘኽፍል፡ ቃልሲ ከም ዝሓትት’ ከም ዝምህረና ይሕብሩእሞ፣
ቅዱስነቶም ኣብ ህልው ኩነታትና ምልስ ብምባል ነፍስወከፍና ሕልናኡ ክፍትሽ ምናዳ ከኣ ነዚ ሰናይ ዘባኸንናሉ እዋናት ኣብ ግምት ብምእታው ንዘብለጭልጭ ክፍኣተ ግብሪ ኢድና ብምሃብ፣ ንረብሓታትና እናተተናኾልና፣ ኣብ ዘይጠቅምን ጎዳእን ዝኾነ ነገራት ግዜ ከነባኽንን፣ ነአቶም ሓገዝና ዝሓቱ ግዜ የብለይን ኣይክእልን እየ እናበልና ግዜ እንከሎናን ክንገብሮ እናከኣልናን ዝገደደ ከኣ ንጸሎት ኣወንዚፍና እንነብሮ ክነስተንትነሉን ክንልውጦን ዘሎና ባህርያት ምዃኖም ብምዝኽኻር ኣብ ጥንተ ፍጥረትና ክንምለስ ጽባቄናን ንጽሕናናን ዳግም ክንለብስ ኣዘኻኺሮም። ነዚ ንምግባር ከኣ በይንና ከምዘይኮነ እኖና ድንግል ማርያም ምስ ወዳ ወትሩ ምሳና እያ ኢሎም።
እኖና ድንግል ማርያም ወትሩ ምሳና ኣላ!
ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቲ ወትሩ ዝንገረና ግን እንዝግዖ ሠናይ ብሥራት ንምዝኽኻር ዚኣክል ‘እታ ኣብ ታሪኽ ዘመደ ኣዳም ሓጢኣት ዘይብላ እንኮ ሰብኣዊ ፍጥረት ማርያም ኣብቲ ዕለት ዕለት እነካይዶ ቃልሲ ምሳና ኣላ፡ ሓፍትና ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣዴና እያ። ሠሠናዩ ንምምራጽ እንክንቃለስ፡ ንገዛእ ርእስና ናብኣ ንከነማዕቊብ’ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።