ድለ

SUDAN-CONFLICT-REFUGEES-FLOODS SUDAN-CONFLICT-REFUGEES-FLOODS 

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ስለ ሰላም ደቡብ ሱዳን ይጽልዩ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 11 ታሕሥሥ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ምስ ደገሙ ኣብ ግዝኣት ላዕለዋይ ናይል ደቡብ ሱዳን እናሳዕረረ ዝኸይድ ግጭት ብኣሽሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ክሃድሙ ኣብ ዘገድድሉ ዘሎ እዋን ስለ ሰላም ደቡብ ሱዳን ጸሎት ክግበር ጻውዒት ኣቅሪቦም። እዚ ጻውዒቱ፡ ናብዛ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምስ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናይ ሰላም መንፈሳዊ ንግደት ንክፍጽሙ ኣብ ዝሸባሸቡሉ እዋን ምዃኑ እውን ይዝከር።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዚካየድ ዓመጻዊ ግጭታት ኣመልኪቶም ሻቅሎቶም ድሕሪ ምግላጽ ስለሰላም እታ ሃገር ክጽለ ከምዚ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

“ሰላምን ሃገራዊ ዕርቅን ክወርድ፣ ከማኡ እውን እቲ መጥቃዕቲ ደው ክብልን ክብረት ሰላማውያን ሰባት ወትሩ ክሕሎን ናብ እግዚኣብሔር ንማህለል።”

እዚ ቅዱስነቶም ዘቅረብዎ ጻውዒት ምስቲ ኣገልግሎት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክፍሊ ስደተኛታት ኣብዚ ቅንያት እዚ ዘቅረቦ ጻውዒትን መጠንቀቅታን ማለት በቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ግዝኣት ላዕለዋይ ናይል እናጸዓቀ ዝመጽእ ዘሎ ግጭት ዝስዕብ ሰብኣዊ ቅልውላው ምናዳ ከኣ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝመዛበሉሉ ንዘለው ኣመልኪቱ ንዝሃቦ መግለጺ ስዒቡ ምቅራቡ ምስቲ ቅዱስነቶም ካብ ዝመጽእ ዕለት 3 ለከታት ክሳብ 5 ለካቲት 2023 ናብታ ሃገር ንክፍጽምዎ ዝሸባሸቡ ዘለዎ ኢኩመኒካዊ መንፈሳዊ ንግደት ስለሰላም ደቡብ ሱዳን ዝብል ሓውጾተ ኖልዎ  ዝተሓሓዝ ምዃኑ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ግጭትን ምዝንባላትን ደቡብ ሱዳን!

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝተዘርግሐ ጸብጻባት ኣገልግሎት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክፍሊ ስደተኛታት ከም ዝሕብርዎ፡ ልዕሊ 9 ሽሕ ሰባት ካብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ሱዳን ግዝኣት ላዕለዋይ ናይል ፋሾዳ ኣብ ዝበሃል ዞባ  ዝተፈጸመ ዓመጽ ሃዲሞም ከምዝሃደሙ ካባኣቶም ዝበዝሑ ከኣ ሕጻናትን ደቂ ኣንስዮን ምዃኖም የመልክት። እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ ገና ኣብ መላእ እቲ ዞባ ሰብኣዊ ቅልውላው  የስዕብ ኣሎ። ኣገልግሎት ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ወርሒ ነሓሰ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ብውሕዱ 20 ሽሕ ሰባት ካብቲ ከባቢ ከምዝሃደሙን ሓያሎ ኣሽሓት ድማ ብስግረ ዶብ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ከምዝሃደሙን ይገልጽ። ዝገደደ ኸኣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ፡ ኣብ ላዕለዋይ ናይል ፋሾዳ ኣብ ዝበሃል ዞባ ኣብ መንጎ ዕጡቓት ውድባት ሓያል ውግኣት ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ኣስታት 9 ሽሕ ሰባት - መብዛሕትኦም ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን - ተመዛቢሎም።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣሰቃቒ ኩነታት ኣብ ዝሃቦ ጸብጻብ፡ ገለ ሰባት ካብ ሓደጋ ንምድሓን ኣብ ረግረግን ቁጥቋጥን ክሕብኡ ከምዝተገደዱ ገሊጹ። ኣብቲ ዞባ ዝረአ ዘሎ ዓመጽ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ቀቲሉ ኣሎ። ዝሃድሙ ሲቪላት ብስንባደ ይወድቁን ቅትለትን፡ መጉዳእትን፡ ጾታ መሰረት ዝገበረ ዓመጽን፡ ጭውያን፡ ምጭብርባርን፡ ምዝማትን ምንዳድ ንብረት ኣባይትን ይሕብሩ ዕለታዊ ተርእዮ ምዃኑ ይገልጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ጎረቤት ሃገር ሱዳን፣ ሕቡራት ሃገራት ምስ ዲፕሎማሰኛታት ሕብረት ኣፍሪቃ ብምውዳብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዛዕባ’ቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ቅልውላው ዘተኦም ኣብ ዝፈጸሙሉን፣  መራሕቲ ወተሃደራት ነቲ ዝቕጽል ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው ንምውጋድ ኣብ ዝወሰድዎ ዓቢ ስጉምቲ ስልጣን ንሲቪላውያን ጉጅለታት ከረክቡ ኣብ ዝተሰማምዑሉ ይመስሉ። ሃገረ ሱዳን ብ2019 ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሓ ዑመር ኣልበሽን ካብ ሥልጣን ካብ ዘወገደትሉ ዕለት ልዋም ለይቲ ኣይሓደረት ሰላም ኣይረኸበት።

እንተ ኣብ ደቡብ ሱዳን እቲ ብማሕበር ቅዱስ ኤጂድዮ ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ክዕወት ኣይከኣለን ከመይ መንግሥቲ እቲ ሃገር እቶም ተቋወምቲ ነዚ ዘተ ሰላም ንውግእ ንምስንዳው ግዜ ንምዕዳግ እዩ ብማለት ከምዘቋረጽዎ ምስዚ ተታሓሒዙ ዝመጸ ዜና ኣመልኪቱ።

ብድምጺ ንምክትታል!
12 December 2022, 17:26