ድለ

ከምቲ ብዙሓት ቅዱሳንን ቅዱሳትን ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ዝተማሕጸንዎ ንሕና’ውን ናባኡ ንማሕጸን! ር.ሊ.ጳ

‘‘ንሳቶም ምስ ሐለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ፡ ሄሮዶስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ፡ በሎ። ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ። እቲ እግዚኣብሄር ብነብዪ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮዶስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ጸንሔ’’ (ማቴ 2.13/15)።

ዝኸበርኹም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ዝጀመርናዮ ትምህርቲ ክርስቶስ ሎሚ ክንዛዝሞ ኢና። እዘን ክሳብ ሎሚ ዝገበርናዮን ኣስተንትኖ ናይታ ቅድሚ ዓመት ንዝኽሪ መበል 150 ዓመት ናይቲ ብር.ሊ.ጳ ብፁዕ ፕዮስ ታሽዓይ ቅዱስ ዮሴፍ ጠበቃን ሓላውን መላእ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝብል ኣዋጅ ዝጸሓክዋ ፓትሪስ ኮርደ ብኣባታዊ ልቢ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ መመላእታ እየን። እንተኾነ ‘ቅዱስ ዮሴፍ ጠበቃ ቤተክርስትያን’ ዝብል እንታይ ኮን ይኸውን ትርጉሙ! ንሎሚ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ምሳኹም ብሓባር ክነስተንትን ምደለኹ።

ኣብዚ ሓሳብ እዚ እውን እንተኾነ ወንጌል እዩ መኽፈቲ ቅኑዕ ትርጓሜ ክህበና ዝኽ እል፡ ከም ሓቁ እንተኾይኑ ከኣ ወንጌል ብዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ዝዛረበሉ ፍጻሜ ‘ንሕጻንን ነዲኡን ሒዙ ተበገሰ’ እንክብል ይድምድሞ (ማቴ 1,24፡ 2,14.21) በዚኸስ ዮሴፍ ከም ቀንዲ ዕዮ ገዛ ን ኢየሱስን ንማርያምን ምክልኻል ከምዝነበረ ንግንዘብ። ንሱ ቀንዲ ሓላዊኦም እዩ፡ ከምቲ ኣብ ኣባታዊ ልቢ እትብል ሓዋርያዊት መል እኽቲ ‘ኢየሱስን ኣዲኡ ማርያምን ናይ እምነትና ዝኸበረ መዝገብ እዮም’ ኢለዮ ዝነበርኩ እዚ ክቡር መዝገብ እዚ ብቅዱስ ዮሴፍ ይሕሎ።

ኣብ መደብ ድሕነት ከምቲ ካል ኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘዘኻኽረና ‘ነታ ኣብ መንፈሳዊ ንግደት እምነት ብዙሕ ዝሰጐመትን ክሳብ መስቀል ቀራንዮ ከኣ ምስ ወዳ ውህደት ብተኣማንነት ዝተጓዕዘትን ድንግል ማርያም’ ካብ ወዳ ክትፈልያ ኣይከኣልን እዩ።

ኢየሱስን ማርያምን ዮሴፍን መሠረታዊ ምንጪ ትርጉም ቤተክርስትያን እዮም ክንብል ንኽ እል፡ ኢየሱስ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን እንክኾን እኖና ድንግል ማርያም ቀዳመይቲ ሓዋርያ ኣዲኡ ቅዱስ ዮሴፍ ከኣ ሓላዊኡ ነበሩ። ንሕና እውን ኣብ ሕልናና ምልስ ኢልና ከም ቅዱስ ዮሴፍዶ ነቶም ብምሥጢራዊ መንገዲ ኣብ ሓላፍነትናን ሓገዝናን ሓልዮትናን ሓለዋናን ሓደራ ዝተዋህቡና ንኢየሱስን ማርያምን ብምሉእ ሓይልናን ኩለትናን ንሕሉን ንከላኸለልዶ! (ብ ኣባታዊ ልቢ 5)። ኣብዚኸስ ትርጉም ጸዋዕታ ክርስትና ትርከብ! ምሕላው! ንሕይወት ምሕላው! ንምዕባሌ ዘመደ ኣዳም ምሕላው! ን ኣእምሮ ደቂሰብ ምሕላው! ንልቢ ደቂሰባት ምሕላው! ንሥራሕ ደቂሰባ ምሕላው! ኮታስ ብሓጺሩ ክርስትያን ልለት ከም ቅዱስ ዮሴፍ ሓላዊ እዩ። ክርስትያን ምዃን ማለት ን እምነት ምቅባልን እኣምን ቢልካ ምእማንን ጥራይ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ሕይወት ምሕላው እዩ ሕይወትካን ሕይወት ካልኦትን ሕይወት ቤተክርስትያንን ምሕላው እዩ። እቲ ወልደ እግዚኣብሔር ወዲ እቲ ከኣሊ ኵሉ ዝኾነ ኣምላኽ ኢየሱስ ናብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ ተነቃፊ ኮይኑ ኢዩ መጺኡ። ስለዚ’ውን ዮሴፍ (ንኢየሱስ) ኪዕቅቦን ኪከላኸለሉን፡ ኬዕብዮን ነበሮ። ከምቲ ማርያም ዝገበረቶ፡ ኣምላኽ ኣብ ዮሴፍ’ውን እምነት ኣሕዲሩ ነበረ።  ድንግል ማርያም ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ብሓቂ ዘፍቅራን ዘኽብራን ሕጹይን ንኣኣን ነቲ ሕጻንን ዝኸናከን ኰይኑ ረኸበቶ። ቅዱስ ዮሴፍ ንሕይወት ማርያም ምድኃን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኵሉ ጊዜ ናይ ኢየሱስ ኮነ ናታ ኃልዮት ስለ ዘርኣየ፡ ማርያም ምሉእ ተስፋኣ ኣብ ቅዱስ ዮሴፍ ኣንበረት። ስለዚ ቅዱስ ዮሴፍ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ሓላዊ እውን ኪኸውን ግድን ኢዩ፥ ከመይ ቤተ ክርስትያን፡ ኣብ ታሪኽ ወዲሰብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጢራዊ ኣካል መቐጸልታ ኢያ። ናይ ቅድስቲ ማርያም ኣደነት እውን ኣብ ኣደነት ቤተ ክርስትያን ተንጸባሪቑ ይርከብ። ቅዱስ ዮሴፍ ቀጻሊ ሓለዋ ማርያምን ኢየሱስን ከምዝነበሮ፡ ንዓና’ውን ይሕልወና ኢዩ፥ ከመይ ንሕና’ውን ንቤተ ክርስትያን ብምፍቃርና፡ ንማርያምን ንፍቁር ወዳን ምፍቃርና ንቕጽል ኣሎና። (ብኣባታዊ ልቢ 5 ተመልከት)

እዚ ሕፃን እዚኸስ ደሓር ምስ ዓበየ ኣብ ስብከተ ወንጌሉ ‘ኩሉ እቲ ካብ ናኣሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምዎ ኩሉ ን ዓይ ከምዝገበርክምዎ እዩ’ (ማቴ 25.40) እናበለ ን ዓለም ክፈርድ ምዃኑ ክገልጽ ዘለዎ ሕፃን እዩ። ስለዚኸስ ዝኾነ ጥሜትን ጽም እን ዝለልዎ ሰብ ዝኾነ ጋሻ ዝኾነ ስደተኛ ብ ዕርቃንን ሕማምን ዝሳቀ ዝኾነ ሰብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሳቀ ዝኾነ እሱር እዚ ቅዱስ ዮሴፍ ዝሕልዎ ዘሎ ሕፃን እዩ! ንሕና ከኣ ከምቲ ቅዱስ ዮሴፍ ዝገበሮ ነዞም ዝሳቀዩ ኣሕዋትናን ኣሕዋትናን ክንሕሉ ንዕደም ኣሎና። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ ቅዱስ ዮሴፍ ተከላኻሊ ናይ ኩሎም ጽጉማትን ዝተገለሉን ብሓዘን ዝጭንቁን ከም ኡ እውን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣስተንትኖ ዝተመልከትናዮ ኣብ ጻዕሪ ሞት ናይ ዝርከቡ ጠበቃን ሓላውን እዩ። ንሕና እውን ነዚ ሠናይ ነገር እዚ ንም ዕቃብ ካብ ቅዱስ ዮሴፍ ክንመሃር ይግባእ! ኢየሱስ ሕጻንን ኣዲኡን ምፍቃር፡ ምሥጢራትቢቤተክርስትያን ሕዝበ እግዚኣብሔር ምፍቃር! ንድኻታትን ንቊምስናን ምፍቃር ንመሃር። ነፍሲወከፍ ዝተጠቅሰ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን የመልክቱ፡ ከምቲ ቅዱስ ዮሴፍ ዝግበሮ ንሕና እውን ነዚኦም ክንሕልዎም ኣሎና።  

ሎሚ ከም ሎሚ ንቤተ ክርስትያን ምንቃፍ ሓጢኣታ ምቚጻር ትገብሮን ትዛረቦን በበይኑ ቢልካ ምዝራብ ዕለታዊ ተር እዮ ኰይኑ ኣሎ! ከም ሓቁ ከኣ ሓጢኣትናን ጒደለታትናን እዮም! ከመይ ቤተክርስትያን ምሕረት እግዚኣብሔር ሃሰስ ዝብሉ ሓጢኣተኛታት ሕዝቢ ዝሓዘት እያ። ናብ ልብና ምልስ ኢልና ንሕልናና ‘ነዛቢቤተክርስትያንና ከም ዘላቶ ነፍቅራዶ!’ ኢልና ንሕተት። ሕዝቢ እግዚኣብሔር ምስ ብዙሕ ጒድለታቱን ድሩትነትን ኰይኑ ግን ወትሩ ንእግዚኣብሔር ከገልግልን ከፍቅርን ብዙሕ ሃረር ዝብል ኣብ ጒዕዞ ዝርከብ እዩ። ከም ሓቁ ከኣ ንሓቂ ብዘይ ምንም ምኩሕሓል ብምልኣት ንክንገልጽ ዘኽእለና ፍቅሪ ጥራሕ እዩ፡ ማለት ነቲ ጌጋ ጌጋ እዩ ንምባል እንተኾነ ማዕረ ማዕረኡ ነቲ ኣብቢቤተክርስትያን ዝርከብ ሠናይ ነገርን ቅድስናን ካብ ኢየሱስን ማርያምን ጀሚርካ ከኣ ምምስካሩ የድሊ። ስለዚ ንቤተክርስትያን ምፍቃራ ምሕላዋን ምሳኣ ንቅድሚ ምግስጋስን የድሊ። እንተኾነ ክንጥንቀቀሉ ዘሎና ጉዳይ ኣሎ!ቢቤተክርስትያን ማለት እቲ ኣብ ጥቃ ካህን ሕልኽልኽ ዝብል ንኩሉ ዝ እዝዝ ን እሽቶ ጒጅለ ኣይኮነትን፡ቢቤተክርስትያን ኣብ ጒ ዕዞ እንርከብ ንሕና ኩልና ኢና፤ ነንሕድሕና ክንሕሉ ኣሎና። እስኪ ነዛ ጽብቅቲ ሕቶ እዚኣ ክንምልሽ ንፈትን! ምስ ሓወይ ጸገም ምስ ዘጋጥመኒ እሕልዎዶ ወይ ብ ኡ ንብ ኡ እኹንኖ! እንተደኣ ክሓምዮን ስሙ ከጸልምን ጀሚረ ከምዘዕንዎ ይስቊረንዶ! ስለዚኸስ ክንሕልዎ ኣሎና! ወትሩ ምሕላው የድሊ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ መነባብሮኹምስ ይኹን ኣብ መነባብሮ ማሕበረሰብኩም ጽንኩር ኩነታት እንከጋጥመኩም ኣማልድነት ቅዱስ ዮሴፍ ክትምህለሉ ኣተባብዓኩም። ጒድለታትና ዕንቅፋት ኣብ ዝኾኑሉ ግዜ ነታ ሓቂ ተጒ ኣቢልናያ ክንክ እልን ምሕረትን ይቅርታን ሓቲትና ከም ብሓዲሽ ንክንጅምርን ትብ ዓት ንክህልወና ንቅዱስ ዮሴፍ ንለምኖ። ስደትን መከራን ንስብከተወንጌልና ምስ ዝዕንቅጾ ስለ ፍቅሪ ወንጌል ተጻዊርናዮ ንምኽ ኣል ቅዱስ ዮሴፍ ሓይልን ት ዕግሥትን ክህበና ንለምኖ። ንዋታውን ሰብ ኣውን መጋበሪ ተዋሒዱና ብድኽነት እንክንደሃኽ ምናዳ ነቶም ረዳኢ ዘይብሎም ዝከላኸለሎም ዘይብሎም ዘኽታማትን ሕሙማትን ማሕበረሰብ ዝገለሎምን ክንረድእ ኣብ እንጽዋዓሉ እዋን ሓልዮትና ክኸውን ንቅዱስ ዮሴፍ ንለምኖ። ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ዝተማሕጸኑ ቅዱሳን ቊጽሪ የብሎምን! ኣብ ታሪኽቢቤተክርስትያን ካባኡ ጥብቅናን ሓለዋን ኣቦነትን ዝረኽቡ ቁጽሪ የብሎምን።

ኣብነቶም ንከተል! ስለዚ ሓሳብ እዚ ናይ ኩልና ሓሳብ ጸሎት ናባኡ ብምቅራብ ምናዳ ኸኣ ስለ እታ ኣብ ስቃይን ፈተናን ስደትን እትርከብ ቤተክርስትያን ሎሚ ኩልና ነታ ኣብ ምዝዛም ብኣባታዊ ፍቅሪ እትብል ሓዋርያዊ መልኽቲ ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ዚዓርግ ጸሎት ቢለ ዝጸሓክዋ  ብሓባር ክንደግማ ኢና። ሕጂ እምበር ነቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ዝተዓደለኩም በብቋንቋኹም ኩልና ብሓባር ናብ ቅዱስ ዮሴፍ ንጸሊ።      

ኦ ሓላው መድኃንን ሕጹይ ብጽዕቲ ድንግል ማርያምን ሰላም ንዓኻ። ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ንኣኻ ሕድሪ ሃበካ። ማርያም ኣባኻ እምነታ ኣውደቐት። ምሳኻ ኢየሱስ ሰብኣይ ኮነ። ኦ ብጹዕ ዮሴፍ ንዓና’ውን ኣቦ ኮይንካ ኣብ ጕዕዞ ሕይወትና ምርሓና። ጸጋን፡ ምሕረትን ትብዓትን ኣማልደልና። ካብ ኵሉ ክፉእ ከኣ ተኸላኸለልና። ኣሜን።

 

ብድምጺ ንምክትታል!
16 February 2022, 19:37

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >