ድለ

ንልብና ነቂሕና ንሓሉ እንተዘየሎ ዲያብሎስ መልአከ ብርሃን ተመሲሉ ክመጸና ዚከኣል እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ርኹስ መንፈስ ካብ ሓደ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል፣ ግናኸ ቦታ ይስእን። ድሕሪኡ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ እየ፡ ይብል። ምስ ተመልሰ ከኣ ተዀስቲራን፡ ተሰሊማን ጥራሓ ይረኽባ። ሽዑ ይኸይድ እሞ፡ ካብኡ ዚገደዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይቅመጡ። ናይቲ ሰብ እቲ ዳሕረዋይ ሃለዋት ድማ ኻብቲ ናይ መጀመርታኡ ዝሓሰመ ይኸውን። ነዛ ኽፍእቲ ወለዶ እዚ እውን ከምኡ ኪወርዳ እዩ’ (12.43-45)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ነቲ ብዛዕባ መመያ ንነዊሕ እዋን ዝተመልከትናዮ ኣስተምህሮ ክንዛዝም ኢና። ካብ ኣብነት ቅዱስ ኢግናጽዮስ ዘሎዮላ ኢና ተበጊስና፤ ብድሕሪኡ ናይ መመያ መጋበሪታት ማለት ጸሎት፡ ገዛእ ርእሰኻ ምፍላጥ፡ ድሌትን ሃረርታን ከማኡ እውን "መጽሓፍ ህይወትና ምንባብ" ዝብል  ዝርከቦ እንክኾን ምናዳ ኸኣ ኣብተን ቀንዲ መጋበሪ ዝበልናየን ጓህን ምጽንናዕን ዝብላ ንውሕ ዝበለ ብምሃብ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ብመመያ ዝገበርናዮ ውሳኔ ዘረጋግጹ ምልክታት ተመልኪትና።

ዝበለጸ መመያ ንምክያድን ቅኑዕ ውሳኔ ንምውሳድን ዝገበርናዮ ኹሉ ከንቱ ኮይኑ መታን ከይተርፍ ሓንቲ መሠረታዊት ዝኾነት ንዝንባሌና እትምልከት ነጥቢ ክውስኽ ኣድላዪ ኮይኑ ይረኣየኒ! እዚ ናይ ንቕሓት ኣተሓሳስባ እዚ፡ ወትሩ ነቂሕካ ምሕላው ከምዘድሊ ንምዝኽኻር እዩ። ኣብዚ ደረጃ እዚ ድሮ መመያን ኣካዪድና ብምጽንናዕን ጓህን ሰጊርና ሓደ ውሳኔ ገቢርና ኣሎና! ኩሉ ጽቡቅ እኳ እንተኾነ ነቂሕካ ምሕላው ግን ግዲ እዩ። እዚ ወትሩ ነቂሕካ ሓለዋ ምክያድ ስለምንታይ እንተበልና ምኽንያቱ ከምቲ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ክፍሊ ወንጌል  ብሓቂ ሓደጋ ኣሎ። ሓደጋ ወትሩ ኣሎ፡ ንሱ ድማ እቲ ጸላኤ ሠናያት ማለት እቲ እኩይ ንኹሉ ከዕንዎን ናብቲ መንቀሊና መሊሱ ኣብ ዝገደደ ኩነታት ከም እንርከብ ክገብረና ስለ ዝኽእል እዩ። ነዚ እዩ ድማ ንቑሓት ምዃን ኣገዳሲ ዝኸውን። ስለዚ ሎሚ እቲ እነካይዶ መስርሕ መመያ  ዕዉት ንኽኸውን ኩላትና ዘድልየና ናይ ንቅሓት ኣተሓሳስባ ምጉላሑ ግቡእ ኮይኑ ተራእዩኒ።

ከም ሓቁ ከኣ  ኢየሱስ ኣብ ስብከቱ እቲ ሕያዋይ ወደ መዝሙር ንቑሕ ክኸውን፡ ዘይታኸስ ዘይድቅስ ኮይኑ፡ ነገራት ጽቡቕ ክኸዱ ከለዉ ልዕሊ ዓቐን ርእሰ ተኣማንነት ክህልዎ ዘይፈቅድ፡ ግን ከኣ ትኩርን ግቡኡ ንምፍጻም ድሉው ምዃኑን ንከረጋግጽ ብዙሕ ይጽዕር ነሩ።

ንኣብነት ኣብ ወንጌል ሉቃስ ኢየሱስ «ሕቘኹም ዕጡቅ መብራህትኹም ከኣ ብሩህ ይኹን! ከምቶም ጐይታኦም ካብ መርዓ ክሳብ ዝምለስ ዝጽበይዎ እሞ፣ መጺኡ ምስ ኳሕኳሕ ብኡንብኡ ዚኸፍትዎ ሰባት ንስኻትኩም እውን ከምኦም ኩኑ። እቶም ጐይትኦም ምስ መጽአ ነቂሖም ዚረኽቦም ኣገልገልቲ ብፁኣን እዮም" (12፡35-37) ይብል ።

ልብና ንምሕላውን ኣብ ውሽጡ እንታይ እንታይ ይካየድ ኣሎ ንምርዳእን ንቅሓት ብግዲ የድሊ። እዚ ነቲ ናይ መወዳእታ ምጽኣት ጐይታ ዝጽበዩ ክርስቲያን ኩነታት ነፍሶም  ዝምልከት ሕቶ እዩ፤ ግናኸ እቲ ሓድሓደ ግዜ ጽዑቅ መመያ ኣካዪድና ድሕሪ ነዊሕ ኣስተንትኖ እንገብሮ ሰናይ ምርጫታትናን ውሳኔታትናን ብጽንዓትን ውሁድ ብዝኾነ ኣገባብን ንክቕጽልን ፍረ ንክፈሪን፡ ኣብ ዕለታዊ መነባሮ ህይወትና ክንክተሎ ዘሎና ተራ ኣተሓሳስባ ምዃኑ’ውን ክንርዳእ ኣሎና።

ንቕሓት እንተጎዲሉ፡ ከምቲ ዝበልናዮ፡ ኩሉ ክጠፍእ ይከኣል ዝብል ኣዝዩ ሓያል ሓደጋ ኣሎ። እዚ ኩነት  እዚ ናይ ሓደ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኣተሓሳስባ  ሓደጋ ዘይኮነ ኣብ  መንፈሳዊ መነባብሮና፡  ከጋጥም ዝኽእል ሓቀኛ መጻወድያ ክፉእ መንፈስ እዩ። ከም ሓቁ ኸኣ፡ ጸላኤ ሠናያት ነታ ኣብ ገዛእ ርእስና ኣዝዩ ርግጸኛታት ኰና ርእሰ ተኣማንነት እነሕድረላ ሁመት ይጽበ። እዚ ሓደገኛ እዩ፣ ማለት ብገዛእ ርእሰይ እተኣማመን እየ! ተዓዊተ እየ! ሕጂ ኩሉ ጽቡቅ ኣሎ ኣብ እንብለሉ ግዜ ርኹስ መንፈስ መጻወድያ ይግትር። ኩሉ ጽቡቕ ዝኸይድን፡ ነገራት "ዕብየት" ኣብ ዝርእዩሉን ከምቲ ዝብልዎ "ንፋስ ኣብ ሸራፋትና" ኣብ ዝህልወሉን ህሞት እዩ ዝጽበ። ብርግጽ ኣብታ ዝሰማዕናያ ሓጻር ምሳሌ ወንጌል፡ እቲ ርኹስ መንፈስ፡ ናብታ ዝመጸላ ቤት ምስ ተመልሰ፡ ተዀስቲራን፡ ተሰሊማን ጥራሓ  ይረኽባ። (ማቴ 12፡44)  ኩሉ በቦታኡ ሒዙ ኣሎ፡ ኩሉ ጽቡቅ ተሰሪዑ ኣሎ፡ ዋና ገዛ ግን ኣበይ ኣሎ? ቢልካ እንተሓተትካ ዋይከ! የለን። ዝሕልዎን ዝዕቅቦን ማንም የለን። እቲ ጸገምከስ እዚ እዩ። እቲ ዋና ገዛ የለን፡ ወጺኡ፡ ትኹረቱ ተዘናቢሉ፤ ወይ ኣብ ገዛ ደቂሱ ኣሎ፣ እዚ ከኣ ዳርጋ ከምዘየለ እዩ። ካብ መጠን ንላዕሊ ርእሰ ተኣማንነት ብምሕዳር ንልቡ ንምሕላው ንዝሕግዞ ትሕትና የጥፍእ። ስለዚኸስ ኩሉ ግዜ ገዛና፡ ልብና ክንሕሉ እምበር  ተዘናጊዕና ናብ ካልእ ክንህውትት ወይውን ክንከይድ የብልናን። ምኽንያቱ ከኣ ከምቲ ምሳሌ ዝበሎ እቲ ቀንዲ ጸገም ኣብዚ እዩ ዘሎ።

በዚ ከምዚኸስ፡ እቲ ርኹስ  መንፈስ ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒሙ ናብታ ቤት ክምለስ ይኽእል። ክምለስ ከሎ ግን ምስ ካልኦት "ካብኡ ዝኸፍኡ ሸውዓተ መናፍስቲ" ሓቢሩ እምበር በይኑ ከምዘይምለስ ወንጌል ይነግረና (ቁ. 45)። እስኪ ናብ ገዛእ ሕልናና ተመሊስና ከመይ ገቢሮም እዮም እዞም መናፍስቲ ብዘይ ምንም ጸገም ሰተት ቢሎም ዚኣትው! እቲ ዋና ገዛኸ እንታይ ወሪድዎ እዩ ዘይሰምዖም! ብመመያ ገቢሩ ከባርሮም እምበይኸኣለንዶ! ነዛ ከምዚ ቢላ ጸርያን ተሰሪዓን ዝነበረት ገዛ ርእዮም ኣዕሩኽቱን ጐረባብቱን  ገለ ናእዳ ኣይረኸበን ድዩ? ቢልና ምስ እንሓትት! ምናልባት ገለ ናእዳ ረኺቡ ብፍቅሪ ገዛኡ ተዓኒዱ ሓያል ርእሰ ምትእምማን ኣሕዲሩ ንጐይታ ተጊሁ ምጽባይ ኣቋሪጹ ነይሩ ይኸውን፣ ወይውን እቲ መርዓዊ ክመጽእ እናተጸበየ ነታ ጸርያን ጸባቢቃን ዘላ ቤቱ  ከየበላሽውዎ  ብምፍራህ፡ ድሕሪ ደጊም ኣብ ገዛይ ዝኾነ ሰብ ኣይቅበለን ብማለት፡ ንድኻታትስ ይኹን ንቤት ኣልቦ ንከርብሽዎ ኣይዕድምን ነሩ ይኸውን። ኣብዚ ግን ሓደ ነገር ርግጸኛ ጉዳይ ኣሎ!  ሕማቕ ትምክሕቲ ውሪስዎ ኣሎ፡ ጻድቅ ኰይኑ ክስምዖ ዝበለጸ ኮይኑ ክስምዖ ኣብ ቅኑዕ ቦታኡ ከምዘሎ ኮይኑ ክስምዖ ይኽእል፣ ብዙሕ ግዜ ‘እው ቀደም ክፉእ ሰብ እየ ነረ ሕጂ ግን ተለዊጠ እዩ! እግዚአብሔር ይመስገን ገዛ ተሰሪዓ ኣላ እዚ ቀሲነ ከምዝነብር ይገብረኒ` ዝብሉ ንሰምዕ። እንተኾነ ኣብ ጸጋ ኣምላኽ ዘይኮነስ ኣብ ገዛእ ርእስና ካብ መጠን ንላዕሊ ክንውከል ከለና ሽዑ እቲ እኩይ እቲ ማዕጾ ክፉት ኮይኑ ይረኽቦ። ሽዑ  ወፍሪ ወዲቡ ነታ ገዛ ይወስድ። ኢየሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ ይድምድም ናይቲ ሰብ እቲ ዳሕረዋይ ሃለዋት ድማ ኻብቲ ናይ መጀመርታኡ ዝሓሰመ ይኸውን። (ቁ. 45)።

እቲ ዋና ገዛ ግን ነዚ ኣየስተብህለሉን ድዩ?  ቢልና ምስ እንሓትት! ኣይፋልን! እዚኦም ዝሠልጠኑ ኣጋንንቲ ስለ ዝኾኑ: ብስልጡን መንገዲ ማዕጾ ይኹሕኩሑ: ከይተረድኣካ ከኣ እተው እተው ከምኡ ይሓይሽ ትብል እሞ ይኣትው። ሓንሳእ ምስ ኣተው ግን ኣብ ነፍስኻ ይእዝዙ። ካብዞም ንኣሽቱ ኣጋንንቲ፡ ካብዞም ኣጋንንቲ እዚኦም ተጠንቀቑ: ዲያብሎስ ጐራሕ እዩ ዓቢ ጎይታ መሲሉ ክቐርብ ከሎ ብሓቂ ጭዋ እዩ ዝመስል፣ ምኽንያቱ ከኣ ብፍቃድና ኣትዩ ክወጽእ ከሎ ከም ፍቃዱ ከም እንመላለስ ይገብረና። ካብዞም ምትላል ዝተማህሩ ሥልጡናት ኣጋንንቲ ገዛና ምሕላው የድሊ። ዓለማውነት ዚዓብለሎ መንፈሳውነት ወትሩ በዚ መንገዲ እዚ እዩ ዝጐዓዝ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን እዚ ዘይከውን ይመስል እንተ ሓቁ ግና እዚ እዩ። ሰኣን ነቂሕካ ምሕላው ብዙሕ ግዜ ንሰዓር፣ ኣብ ውግኣት ንሰዓር፣ ብዙሕ ግዜ ምናልባት ጐይታ ብዙሕ ጸጋታት ሂቡና ንሕና ግን ኣብ መወዳእታ ነዚ ጸጋ እዚ ጸኒዕና ክንሕልዎ እንተዘይከኣልና ኩሉ ንኸስሮ: ንቕሓት ስለ ዝጐደለና: ማዕጾታት ኣይሓለናን! ብድሕርዚ ብሓደ ስልጡን መጺኡ፡ የታልለና ውሽጢ ገዛና ይኣቱ! ካብዚ ንደሓር ኣኸለ! ..ዲያብሎስ እዚታት እዩ ሥርሑ።  ነፍስወከፍና  ነዚ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ውልቃዊ ታሪኽና ብምሕሳብ  ከነረጋግጾ ንኽእል። ጽቡቕ ምርጫ ንምግባር ጽቡቅ መመያ ምግባር ጥራይ በይኑ እኹል ኣይኮነን። ክንነቅሕ ኣለና: ነቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ጸጋ ክንሕልዎ ኣሎና። ምናልባት ሓደ ካባኹም "እወ ኣባቴ እንተኾነ ኣነ ገለ ዕግርግር ምስ ረኣኹ:  ዲያብሎስ ምዃኑ: ብኡንብኡ ይርድኣኒ እሞ ማለት ሓደ ፈተና ከምዘሎ ይርደኣኒ" ክብለኒ ይኽእል! እንተ ኣነ ግና " እወ ፣ ሓቅኻ ኣሎኻ ! እንተኾነ ዲያብሎስ ሓንሳእ ሓንሳእ መልኣኽ ብርሃን መሲሉ እውን ይመጽእ እዩ፣ ጥዑም ቃላት እናተጠቅመ ካብቲ ዝነበርካዮ ኣብ ዝሓስም ንክትወድቅ የእመነካ` እብሎ።  ንቑሓት ክንከውን ኣለና፣ ልብና ክንሕሉ ኣሎና! ምኽንያቱ ነቂሕካ ምሕላው ምልክት ብስለት ልዕሊ ኩሉ ከኣ ምልክት ትሕትና እዩ። ናይ ምውዳቅ ፍርሂ እንተሎና ቀንዲ መድሓኒትሕይወት ክርስትና  ትሕትና እዩ።

ብድምጺ ንምክትታል!
14 December 2022, 15:48

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >