ድለ

ብመመያ ንዝተገብረ ውሳኔ ነባሪ ሰላም እንተስዒቡ እቲ ውሳኔ ቅኑዕ እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ንልቢ የሐጕሶ፡ ሓጎስን ደስታን ነዊሕ ዕድመን ይህብ። ንእግዚኣብሄር ዝፈርህ ዘበለ ውጽኢቱ ሕጉስ እዩ፥ ኣብ መዓልቲ ሞቱ ክባረኽ እዩ። [...]ኣኽሊል ጥበብ ፍርሃት እግዚኣብሄር እዩ፤ ሰላምን ጽቡቕ ጥዕናን ከም ዝዕንብብ ይገብር። [...]እቲ ሕሙም ክሳብ ትኽክለኛ ህሞት ይጻወር፣ .ኣብ መወዳእታ ግና ሓጐሱ ክፈስስ እዩ’ (ጥበበ ሲራክ 12-13.18.23)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብ መስርሕ መመያ፡ ንኩሉ ኩሉ ተመልኪትና ኣብ ሓደ ውሳነ ምስ በጻሕና ብኡ ንብኡ ዝስዕብ ፍጻሜታት ምትኳር ኣገዳሲ እዩ፡ ከመይ ነቲ ዝገበርናዮ ውሳኔ ዘረጋግጽዎ ወይ ዝነጽግዎ ምልክታት ብምስትውዓል ተቀቢልካ ንምምልካቶም እዩ። ውሳነ ክወስድ ኣለኒ፣ መመያ ክገብር ኣለኒ! ዝድግፉን ዝጻረሩን ስምዒታተይ ከለሊ ኣለኒ! ክጽሊ ኣሎኒ! ቀስ ብቀስ እዚ ጒዕዞ እዚ ይዛዘም እሞ ኣብ ሓደ ውሳኔ እበጽሕ፤ ኣብ መወዳእታ ከኣ እዚ ሎሚ ክንምልከቶ ዘሎና ጉዳይ ይስዕብ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ኣብ ህይወት ጽቡቕ ዘይኮኑ ውሳነታት ስለዘጋጥሙ ንምውጋዶም ዝሕግዙ ምልክታት ኣለው ከማኡ እውን ነቶም እቶም ጽቡቓት ዘረጋግጹ ምልክታት ኣለዉ።

ከም ሓቁ ከኣ ኣብ መንጎ ብዙሓት ካልኦት ድምጽታት ድምጺ ኣምላኽ ኣለሊኻ ንምኽኣል ግዜ ክሳብ ክንደይ መሠረታዊ መዐቀኒ ምዃኑ ርኢና ኢና። እግዚአብሔር ጥራይ እዩ ንበይኑ ጎይታ ግዜን: መለለዪ መበቆላውነቱን ኮይኑ ካብቶም ከይተዓወቱ ብስሙ ዝዛረቡ ምምሳላት ዝፈልዮ። ሓደ ካብቲ መለለዪ ሰናይ መንፈስ ነባሪ ሰላም ዘመሓላልፍ ምዃኑ እዩ።  ብዕምቆት እንተደኣ ኣስተንቲንካን ኣብ ውሳኔ እንተበጺሕካን እዚ ነባሪ ሰላም ይህበካ፤ ከምዚ ዓይነት ምልክት ጽቡቅ ጐዳና ሒዝካ ከምእዘሎኻ ዘመላኽት ሹቡቅ ምልክት እዩ፤ እዚ ሰላም እዚ ከኣ ስኒት፡ ሓድነት፡ ኒሕ፡ ቅንኣት ዘምጽእ ሰላም እዩ።ካብቲ ብ ዕምቈት ዝገበርካዮ ኣስተንትኖ ክትወጽ እ እንከላኻ ካብቲ ዝነበርካዮ ኩነት ዝሓሽካ ኰንካ ኢኻ እትወጽእ።

ንኣብነት ተወሳኺ ፍርቂ ሰዓት ንጸሎት ክውፍይ እንተ ወሲነ፡ ድሕሪኡ ድማ ነተን ካልኦት ህሞታት ናይታ መዓልቲ ብዝበለጸ ከም ዘስተማቕረን እንተተገንዚበ፡ ዝያዳ ርግኣት፡ ውሑድ ጭንቀት ይኾነለይ እሞ፡ ስርሐይ ብዝያዳ ጥንቃቐን ባህታን እፍጽም ፣ ምስ ገለ ከበድቲ ሰባት ዘለኒ ርክብ ከይተረፈ ይቐልል...: እዚኦም ኩሎም ንጽቡቕነት ናይቲ ዝተወስደ ውሳነ ዝድግፉ ኣገደስቲ ምልክታት እዮም። መንፈሳዊ ህይወት ክቢ ወይ ዕንክሊላዊ እዩ: ሰናይነት ናይ ሓደ ምርጫ ንኹሉ መዳያት ህይወትና ጠቓሚ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ምፍጣር እግዚኣብሔር ምስታፍ ስለዝኾነ።

ድሕሪ እቲ ውሳነ ኣብ ዝስዕብ ግዝያት ዝፍጸሙ ገለ ኣገደስቲ ጉዳያት ንሕያውነት እግዚአብሔር ከረጋግጹ ዝኽእሉ ምዃኖም ንምንባብ ዝሕግዙ ምዃኖም ክነለልዮም ንኽእል። ምኽንያቱ ከኣ እቲ ዚስ ዕብ ግዜ ሠናይነት ናይቲ ውሳኔ የረጋግጽ፤  ነዘን ኣገደስቲ ጉዳያት እዚኤን ድሮ ኣብዘን ዝሓለፈ ኣስትንትኖታትና እንተ በዚ እንተ በቲ ብገለ መንገዲ ተመልኪትናዮም ኢና፣ ሕጂ ግን ነዚ ስግር ቢልና  ኣተገባብራኦም ክንምልከት ኢና።

ቀዳማይ መዳይ እቲ ውሳነ ነቲ ጐይታ ኣብ ልዕለይ ዘለዎ ፍቕርን ልግስን መልሲ ክህብ ከም ዝኽእል ምልክት ይቑጸር ድዩ ዝብል እዩ። እዚ ከኣ እቲ ውሳኔ ዝውለዶ ካብ ፍርሒ፡ ካብ ስምዒታዊ ጸለመ ወይውን ካብ ገለ ተጽዕኖ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ካብቲ ንዝተቐበልካዮ ሠናይ ጉዳይ ምስጋና ካብ ምቅራብ ዝብገስ ኮይኑ፡ ካብቲ ልብና ምስ ጎይታ ንዘሎው ርክብ ብመንፈስ ሓርነት ንክነብሮ ዘንቀሳቅስ መንፈስ እዩ ዝውለድ።

ካልእ ኣገዳሲ ባእታ ድማ ግደኻ ክተበርክተሉ እትህንጠዮ ኣብ መነባብሮኻ ብሓቂ ኣብቲ ዝግበኣካ ቦታ ህይወትካ ከምዘሎኻ ኮይኑ ንዝስምዓካ ‘ኣብ ቦታይ ኣሎኹ’ ዝብል ቅሱን ስምዒት ወኒንካ ናይ ዓቢይ መደብ ተሳታፊ ኰንካ ግደኻ ክተበርክት ዝቅስቅስ ስም ዒት ምውናን እዩ። ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ክልተ ልክዕ ነጥብታት ኣለዉ። ኣብዘን ሓውታት ናይ ኤሊስ ብዝብል ስም ዝፍለጣ ፍሉያት ቦታታ ቈምካ ብዙርያ ንኣዕኑድ ናይቲ ብበርኒኒ ዝተሃንጻ እንክትምልከት ኩለን ሓንቲ ኰይነን ብፍጹም መስሪዕ ተሰሪዔን ክረኣያ ይከኣል። ብተመሳሳሊ መንገዲ ወዲሰብ መዓልታዊ ሕይወቱ ብጽቡቅ ምስ ዝስራዕ ነቲ ዝደልዮ ጉዳይ ከምዝረኸቦ ክስቈሮ ይከኣል። ኣብ መንጎ እቲ ዝተጠናነገ እናገፍሐን ዝጐዓዝ ብዙሕ ድሌታቱ እናዓበየ ዝመጽእ ውህደት ይስምዖ፡ ቅኑዕ ስርዓተ-መሰረት ቀዳምነታት ኣንቢሩ ከኣ ብቐሊሉ መንገዲ ክመርሖን፡ ብዝተሓደሰ መንፈሳዊ ሓይሊ ክገጥሞን ይኽእል። እዘን ምልክታት እዚኤን ቅኑዕ ውሳኔ ገርካ ከምዘሎኻ ዘመልክታ እየን።

ንኣብነት ዝገበርናዮ ውሳኔ ቅኑዕ ምዃኑ እተረጋግጽ ካልእ ጽቡቕቲ ምልክት ከኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝገበርናዮ ውሳኔ ሓራ ምኳን ኮይኑ፣ እዚ ዳግመ ግምት ክንገበርሉስ ንኹን ብዛዕባኡ ንምዝታይ ፍቓደኛ ምዃን፣ ዋላ ኣብ ቅድሚ ክኽሕድ ዝኽእል ክሕደት ክትገድፎ ፍቓደኛ ምዃን፣ እዚ ማለት ዝኾነ ኣሉታ ምስ ዘጋጥም ካብ ጐይታ ክመጽእ ንዝኽእል ትምህርቲ መታን ክትረክብ ነቲ ዝገበርካዮ ውሳኔ ክሳብ ምግዳፉ ሓራ ምዃን እዩ።  ጐይታ ነዚ ዝገብር ነቲ ኣኽቢርና እንሕዞ ጉዳይ ክኸልኣና ስለ ዝደለየ ዘይኮነስ፡ ምስቲ ጉዳይ ከይጠበቅና ብሓርነት ክንነብሮ ስለ ዝደሊ እዩ። እቲ ንዓና ብሓቂ ሠናይ  ዝዀነ ነገር ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዚፈልጦ። ክትውንን ሃነፍነፍ ምባል ቀንዲ ጸላኢ ሠናይን ቀታል ፍቕርን እዩ። ካብዚ ተጠንቀቁ! ክትውንን ሃነፍነፍ ምባል ጸላኢ ሠናይን ቀታል ፍቅርን እዩ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብተደጋጋሚ ኣብ ዜናታት እንሰምዖ ብዙሕ ዘቤታዊ ዓመጻት፡ ዳርጋ ኩሉ ግዜ ካብቲ ናይ ካልኦት ፍቕሪ ክንውንን ካብ ዝብል፡ ካብቲ ንሓርነት ዝቐትል ፍጹም ውሕስነትካ ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕሪ ዝለዓል እዩ። እዚ ግን ንህይወት ይዕፍን፣ ሲኦል ከምእትኸውን ከኣ ይገብራ።

ብሓርነት ጥራይ ኢና ከነፍቅር እንኽእል፣ ስለዚ ኸኣ እዩ ጐይታ ሓራ ገቢሩ ዝፈጠረና። ዋላ ኣይፋል ክንብሎ ሓራ ኢና። ነቲ ኣዚና እነብሮ ጉዳይ ንዓኡ ምውፋይ ንረብሓና እዩ፣ ነቲ ከም ዝሃበና ህያብ ኩሉ ከም ምልክት ናይቲ ናጻ ሰናይነቱ፣ ብዝበለጸ መንገድን ብሓቅን ክንነብሮ የኽእለና። ህይወትና፣ ከምኡ’ውን ምሉእ ታሪኽና፡ ኣብ ገባሪ ሠናይ ኢዱ እዩ ተነቢሩ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ፍርሃት እግዚኣብሔር እዚ እዩ! እዚ ማለት ንኣምላኽ ምኽባር ማለት እዩ፣ ኣምላኽ ከርዕደኒ ማለት ዘይኮነ ንውህበት ጥበቡ ንምቕባልከ ዘርእዮ ኣኽብሮት ኮይኑ ፍርሃት እግዚአብሔር መተካእታ ኣልቦ ቅድመ ኩነት እያ (ሲራ 1፡1-18 ርአ)። ንኹሉ ካልእ ፍርሕታት እተባርር ፍርሒ እያ፣ ምኽንያቱ ናብቲ ጎይታ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኽና ዘቅንዐት እያ። ኣብ ቅድሚኡ ቅሳንት ዝኸልኣን ምንም ነገር የለን። ነዚ ኣብነት ዝኾነ እቲ ዘደንቅ ተመኲሮ ቅዱስ ጳውሎስ እዩ፦ «ድኻ ምዃን ተማሂረ ሃብታም ምዃን ድማ ተማሂረ፤ ኣብ ኩሉ ነገርን፣ ብኹሉ መዳይን: ጽጋብን ጥሜትን: ሃብትን ድኽነትን ተፈቲነ እየ። በቲ ዘበርትዓኒ ኩሉ ክገብሮ እኽእል እየ" (ፊል 4፡12-13) ይብል። እዚ እቲ ናጻ ሰብ እዩ፣ ጽቡቕ ነገር ምስ መጸስ ይኹን ብዙሕ ዘይጽቡቕ ነገራት ምስ መጸ ንእግዚኣብሄር ዝባርኽ ሰብ ብሓቂ ሓራ ዝኾነ ሰብ እዩ፤ ስም እግዚኣብሔር ይባርኽ ንቅድሚት ንቀጽል!

ጽቡቅ ውሳኔ ንምግባርከስ ነዚ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፣ ነቲ ኣብ መጻኢ ከጋጥም ዝኽእል ዘይሓሰብናዮ ወይውን ክንቆጻጸሮ ዘይንኽእል ጒዳያት እውን ማለት ጉዳይ ጥዕናናስ ይኹን መጻኢ ጉዳይ ቤተሰብና መደባትና ውሕስነት ይህበና።  እቲ ዘገድስ እምነትና ኣብቲ ብዘይ መጠን ዘፍቅረናን ምስኡ ኰና ዘደንቕን ዘለኣለማዊን ጉዳያት ክንሃንጽ ከም እንኽእል ዝፈልጥን ጎይታ ዓለም ኣድማስ ምሉእ ብሉኡ ምንባር እዩ። ነዙ ጉዳይ እዚ ሕይወት ቅዱሳን ብዝበለጸ መልክዑ የርእየና።ከምዚ ዓይነት ውሳኔታት ብጸሎት እናገበርና እንታይ ከምዝስ ዕብ ኣብ ልብና ጽን ቢልና እናሰማዖና ቀስ ብቀስ ንቅድሚት ንኺድ! ኣጆና! እግዚኣብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
07 December 2022, 14:16

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >